ጽላል ካብ ብርሃን፣ ዕላል ምስ ሓጎስ።

Must Read

ኣነ፥ሰብ ስለምንታይ ሓጐስ ክረክብ ዝሽገር፧
ሓጐስ፥ንሓጐስ ክረኽባ ኣለኒ ስለ ዝብል።
ኣነ፥እሞ ኣይረኽባን’የ ኢሉ ምድላይ እንተቋሪጹ ክረኽባ ይኽእል ማለትካ’ድዩ፧
ሓጐስ፥ክረኽባ ኣለኒ ኢሉ ክደሊ ከሎ “ከይስእና” ዝብል ፍርሒ ተሰኪሙ ስለ ዝደልያ ኣይሕጐስን፡ እንተረኸባ ከኣ “ከይትሞልቀኒ” ዝብል ፍርሒ ስለ ዘሕድር ምሉእ ሓጐስ ኣይኮነሉን።
ኣነ፥ ከይትሞልቀኒ ኢሉ ይፈርሕ እንተሎ’ሞ ከመይ ጌሩ ሓጐስ ረኺበ ክብል ይኽእል፧
ሓጐስ፥ብርግጽ ኣይክእልን! እንተኾነ ግን ርትዓዊ ፍርሒ እዩ ምኽንታያቱ ህይወት ጸጸር ዝመልአት ሳርማ እንተኾይና፡ ኣብ ሓንቲ ካልኢት ሓንቲ ትመልቆካ። ሓደ ሰብ ብገምጋም 6 ሚልዮን ጸጸር ሒዙ ይውለድ። ጸጸሩ ዝወድአ ናብ ዓዲ ኩልና ይገይሽ። መልክዕ፡ ሃብቲ፡ ስልጣን፡ ፍልጠት ወዘተ በታ ቀዳድ ሙምላቍ ኣይተርፍን።
ኣነ፥ኩሉ ነገር ዝሞልቅ እንተኾይኑ፡ ሓደ መንእሰይ ኩሉ ትርጉም የብሉን ኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ክዕዘብ ዲኻ ትደልዮ ዘለኻ፧
ሓጐስ፥ኣይፋለይን። በቲ ዝበልናዮ መንእሰይ ዝበዝሐ ቁጽሪ ጸጸር ዘለዎ ሰብ ስለዝኾነ፡ ንሓጐስ ዝዓበየ ዕድል ክህልዎ ይግባእ። ፍርሒ ሞት ስለዘየሻቕሎ ሓቀኛ ሃዋርያ ለውጢ ንሱ’ዩ። ኸሊል ጅብራን ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ኢሉ መስለካ፧
ኣነ፥እንድዒ ንገረኒ’ምበር እንታይ ከም ዝበለ
ሓጐስ፥ስራሕ፡ ስጋ ዝለበሰ ፍቕሪ እዩ ኢሉ።
ኣነ፥ንሕቶይ’ባሞ መልሰለይ። ንሓጐስ ስለ ዝደለኻያ ኢኻ ትጠፍእ ዘላ ኢልካኒ፡ ቀጺልካ ድማ ስራሕ ሓጐስ የምጽእዩ ኢልካ፡ ስለዚ በባህላኻ ሓጐስ እንተደሊኻ ኣይትስራሕ ማለት’ዩ።
ሓጐስ፥ዘይበልኩዎም ቃላት ኣብ ኣፈይ ኣይተቀምጢ። እዛ ንስኺ ትደልይዮ ዘለኺ ፍርሒ እተኸድነት ሓጐስ፡ ሓቀኛ ሓጐስ ኣይኮነትን’የ ዝበልኩም’በር ሓጐስ እንተደሊኻ ኣይትስራሕ ኣይወጻንን። ፈራሕ ክሕጐስ ስለዘይክእል፡ ሓቀኛ ሓጐስ ፍርሒ የብላን።
ኣነ፥ሐራይ ይኹነልካ። ሰብ ሰሪሑ ጻማኡ ይደሊ። ገንዘብ መርኣያ ጻዕሪ ኣይኮነንድ’ዩ፧ ሃብቲ ምንጪ ሓጐስ ስለምንታይ ዘይከውን፧
ሓጐስ፥ገንዘብን ሃብትን ብዙሕ ፍልልይ’ዩ ዘለዎም፡ ንኻልእ መዓልቲ ይኹነልና። ሕቶኺ ንምምላስ ግን፡ ገንዘብ ነታ ጸጸር ህይወት ከይትሞልቕ ደው ከብል ዝኽእል ዓቕሚ የብሉን። ግዝያዊ ናይ ሓሶት ውሕስነት ክህበካ’ምበር ካብ ፍርሒ ከናግፈካ ኣይክእልን።
ኣነ፥ንጸጸር ህይወት ዋላ ደው ኣየብላ፡ ከናውሓን ምቾት ዝመልኣ ሳርማ ክገብራን ግን ይኽእል’ዩ። ድኽነት ጽድቂ ስለ ዘይኮነ ካብ ድኻ ዘይሕጉስ ምዃን ሃብታም ዘይሕጉስ ምዃን ኣይሓይሽን፧
ሓጐስ፥ድኻ ኣይሕጉስ ሃብታም ኣይሕጉስ እንተደኣ ኮይኑ ብዛዕባ ባህሪ ሓጐስ እንታይ ክትርድኢ ትኽእሊ፧ ገንዘብ ምስ ሓጐስ ዝምድና ከምዘይብሉ።
ኣነ፥ንኻልእካ በሎ! እዚ ድኻታት ንርእሶምመደዓዓሲቀጻሊ ዝዝምርዎ መዝሙር’ዩ ዝመስል።
ሓጐስ፥ኣወድእኒ፡ ሳልሰይቲ ምርጫ ኣላትኪ ሃብታም ዘይሕጉስ፡ ድኻ ዘይሕጉስ ወይ ሕጉስ ምዃን። ካብ ሃብታም ዘይሕጉስ ምዃን ሕጉስ ምዃን ኣይበልጽን፧
ኣነ፥እንድዒ! ዘረባ ኣይትጠዋዊ’ሞ ካብ ሓሸውየ ንውጻእ። ካልእ ክሓተካ ስለምንታይ ካብ ሰባት ክትክወል መሪጽካ፧
ሓጐስ፥ካብ ሰባት ኣይተኸወልኩን፡ ምስቶም ፍቕሪ ስራሕ ዘለዎም’የ ዝውዕል።
ኣነ፥ከም ዝበልካ’ዮ ሓጐስ ካብ ስራሕ ዝርከብ እንተኾይኑ ደኣ ስለምንታይ መብዛሕትኡ ሰብ ንዝተዋህቦ ስራሕ ተበሪህዎ ዘይሰርሕ፧ ስለምንታይ ልዕል’ቲ ዝተባህሎ ዝሰርሕ ሰብ ክንዲ ጭሕሚ ሰበይቲ ዝኸውን፧ ንምንታይ ብሓንቲ ኢድካ ምስራሕ ከም ፋሽን ሳዕሪሩ፧
ሓጐስ፥እዚ ዝበልክ’ዮ ፍቕሪ ገንዘብ’ምበር ፍቕሪ ስራሕ ኣይኮነን።
ኣነ፥ኩሉ ሓደ። ሰሪሕካ ገንዘብ ምምጻእ ኣይኮነን’ድዩ፧ ስለምንታይ ነጻጺልካ ትርእዮም ኣለኻ፧
ሓጐስ፥ከመይ ጌሮም’ዮም ፍቕሪ ስራሕን ፍቕሪ ገንዘብን ሓደ ዝኾኑ! ፍቕሪ ብምርኩስ ትጽቢት እንትንቀሳቀስ ሓንካስ ፍጥረት ኣይኮነትን። ከምዚ ሂበ’የሞ ከምዚ ክረክብ ኣለኒ ትብል ‘ተለኻ ነጋዳይ እምበር ኣፍቃሪ ኣይኮንካን። ሓቀኛ ፍቕሪ ካብ ምልኣት ልቢ ዝፍልፍል እምበር፡ ዕርቃን ውሽጡ ክሽፍን ትኳቦ ካልኦት ዘቛምት ኣይኮነን። ብፍቕሪ ዝሰርሕ’ውን ሓጐስ ውሽጡ ከካፍል ‘ምበር ድኽነት ውሽጡ ክዓብስ ኢሉ ኣይኮነን።
ኣነ፥እዚ ትብሎ ዘለኻ ክንደይ ግዜ ተሰቢኹ’ንድዩ ለውጢ ግን ኣየምጽአን። እስከ ንገረኒ ገንዘብ ብመስኮት ዲኻ ክትድርብ’ዮ ደሊኻ፧
ሓጐስ፥ካብ ንጓህሪ ልብኻ ዘንበድብድ ስራሕ’ሞ እንታይ ዝዓቢ ኣሎ፧ መሽረፈት ገንዘብ እናተጠቐምካ ዘንበድበድካዮ ስራሕ ብዙሕ ከይጸንሐ ይቕህም። ኣብ ክንዲ ዓስቢ ትጽብጽብ፡ ተፍቕሮ ስራሕ ክትረክብን፡ ክትመልኮን ግዜኻ እንተተጥፍእ ኣይምሓሸን፧
ኣነ፥ሰብ ብባህሪኡ ጽቡቕ ይፈቱ’ዩ። እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ እንተዝኸውን እንታይ ኮይኑ ኩሉ ሰብ ኣብ ግብሪ ዘየውዕሎ፧
ሓጐስ፥ብቁጽሪ ይውሕዱ’ምበር ሰባት ኣይገብርዎምን’ዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ፍቕሪ ስራሕ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ኣብሊጾም ዝርእዩ ሰባት ንምዕባለ’ዛ ዓለም ኣብ መንኩቦም ጸይሮሞ ኣለዉ። ሼክስፔር ንሃምለት ክጽሕፋ ከሎ ብዛዕባ ብዝሒ ዝሸጦ ትኬት ዝጭነቕ ዝነበረ’ዶ መስለካ፧ ኣንስታይን’ከ ማኪና የብልይን እናበለ ንግሆ ንግሆ ዝሓምም ዝነበረ’ዶ ‘መስለካ፧ ቀዳመይቲ ኣፕል ኮምፒተር ክትስራሕ ከላ’ኸ-ኪድ ካብ ስቲቭ ዎዝንያክ ተመሃር
ኣነ፥እዞም ዝበልካዮም ሳሕቲ ዘጋጥሙ ዓበይቲ ሰባት’ዮም። ነቶም ዝተረፍና ግን ፍቕሪ ገንዘብ ጌና ካብ ደምና ኣይወጸን ዘሎ።
ሓጐስ፥ሓቕኺን’ዲኺ ደኣ ዝርአ ኣበርክቶ ከይትገብር። ዘይምነው ደርፊ ከይትደርፍ፡ ዘይመውት ጽሑፍ ከይትሓድግ፡ ለውጢ ዘምጽእ ነገር ከይትገብር ጌና ብሰንሰለት ገንዘብ ተኣሲርኪ ስለዘለኺ’ዩ።
ኣነ፥ኣይትወራዘ’ባ! ጭሩ ብዓቕማ ትሕጐም’ኮ ኢሎሞ ኣቦታት
ሓጐስ፥ሓቂ ኣይትጽልኢ። ኣነ ንስሪ ኣይኮንኩን’ሞ ከም ጭሩ ማየይ ሰትየ ተመስገን ኢለ ክድቅስ’የ ተበልኪ ሃየ
ኣነ፥ክሰርሕ’ኳ ይደልየ፡ ግን ባይታ የለን፡ ብዓቢኡ’ከኣ ገንዘብ የለን። ክትፈልጥ ድማ ብዘይ ገንዘብ ስራሕ የለን።
ሓጐስ፥እዋእ! ስራሕ’ዶ ገንዘብ ቅድም ተፈጢሩ፧ ገንዘብ’ዩ ንስራሕ ተፈጢሩ’ምበር ስራሕ ምእንቲ ገንዘብ ኣይተፈጥረን። ስለዚ ስራሕ ብዘይ ገንዘብ ክነብር ይኽእል’ዩ።
ኣነ፥ወይ ጉድ! ብዘይ ገንዘብ ስርሑ ዲኻ ትብለና ዘለኻ፧
ሓጐስ፥ብፍቕሪ ስርሑ’ሞ ገንዘብ ከም ጽላሎት ክትስዕበኩም’ዩ።
ኣነ፥ምስዓብ እንተ ኣብዩናኸ፧
ሓጐስ፥ፍቕሪ ስራሕ ከምታ ናብ ጸሓይ ዝጥምት ዕምባባ’ዩ። ስራሕ ጽላሎት ገንዘብ ከውድቕ ንቡር’ዩ። ዕምባባ ጽገሬዳ ምስ ረኸብካ ጽላሎታ ካልኣዊ እዩ። ጽላሎት ገንዘብ ዘይተውድቐሉ ዘለኻ ምኽንያት ኣብ በዓቲ መመኽኔታ ትነብር ስለ ዘለኻ’ዩ። ኪድ ናብ ጸሓይ ወጺእካ ፍቕሪ ስራሕ ተላመድ።
ኣነ፥ስምዓኒ፡ ካበየነይቲ ፕላኔት ከም ዝመጻኻ ኣይፈልጥን። እዚ ትልፍልፎ ዘለኻ ሕልማዊ መደረታት ግን ነቲ ገንዘብ የድሊ’ዩ ዝብል ሓቂ ኣይቕይሮን’ዩ። ከመይ ጌርካ ብዘይ ገንዘብ ክትነብር ትኽእል፧
ሓጐስ፥እዝንኺ ተረአዪ። ክትሰምዕኒ ኣይጸናሕክን ዲኺ፧ ጸሓይ እንተበሪቓ ኣነ ጽላሎት ኣይውጽእን’የ ትብል ዕምባባ ኣላ’ድያ፧ ጽሓይ ብምውጻኣ ጥራይ ጽላሎት ክወድቅ ንቡር’ዩ። ዝሰርሐ ክረክብ ከኣ ሕጊ’ዩ። እቲ ጽላሎት ካብቲ ሓቀኛ ነገር ይዓቢ ግን ኣይትበሊ። ሰሪሕኪ ጽላሎት ናይ ዕምባባ ዋላዉን ኣብ ኣፍደገኺ እንተዘይዓለበ፡ እታ ኣብ ኢድኪ ዘላ ዕምባባ ኣኺላ ትተርፈኪ’ያ።
ኣነ፥እንድዒ! ምናልባት ሓቅኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ክሓስበሉ’ዩ።
ሓጐስ፥እንታይ ኢልኪ ክትሓስብሉ፧ ገንዘብ’ዶ ይሓይሽ ዋላስ ፍቕሪ ስራሕ፧ ዕምባባ’ዶ ትሓይሽ ወይስ ስእሊ ናይ ዕምባባ ኢልኪ ዲኺ ከተወዳድሪ፧ እታ ብህይወታ ዘላ ዕምባባ ዋላ’ዉን ትሽገርን ትመውትን እንተኾነት ካብታ ናይ ስእሊ ዕምባባ ዝፈልያ፡ ብርሃን ጸሓይ እንታይ ማለት ምዃኑ ስለ ‘ትፈልጥያ። ብተመሳሳሊ ገንዘብ ኣብ ወረቐት ዝተሳእለ ጻዕሪ’ዩ እንተ ኢልና ፍቕሪ ስራሕ ማለት ንሓጐስ ገጽ ንገጽ ምርኣይ ማለት’ዩ።
ኣነ፥ዘረባ ምሳኻ ኣይውዳእን’ዩ። ካልእ ብዙሕ ሕቶታት ኣለኒ። መዓስ ክረኽበካ ይኽእል፧
ሓጐስ፥ብፍቕሪ ምስራሕ ምስ ጀመርኪ ክድውለልኪ’የ። 
ኣነ፥ ተሌፎነይ ደኣ ትፈልጣ ዲኻ፧
ሓጐስ፥ ናይ ስራሕ ሰባት ሓንቲ ቴለፎን’ያ ዘላቶም፡ ፍቕሪ ክድውል ከሎ ልቦም ስቕ ክትብል ኣይኮነላን’ዩ።


* * * * * *

ኣነ፥ጸሓፍቲ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም’ዮም ዝነብሩ’የ ዝበሃል። ጽባሕ ምስ ሓጐስ ሻሂ ሰቲና ኔርና እንተደኣ ኢለ’ዮም ኣይክኣምኑን’ዮም። ምስጢር ሓጐስ እንታይ’ያ ኢሎም እንተሓተቱኒ እንታይ ኢለ ክምልሰሎም’የ፧
ሓጐስ፥ህይወት ጀርዲን ኮይና፡ ስራሕ ዕምባባ፡ ፍቕሪ ድኹዒ፡ ገንዘብ ጽላሎት ናይታ ዕምባባ፡ ሓጐስ ከኣ ብርሃን ጸሓይ’ዩ በልዮም።
ኣነ፥ብዙሓት ጸሓፍቲ ከለው ንምንታይ ብርዒ ምልዓል ዝሰልቸዎ ሰብ መሪጽካ፧
ሓጐስ፥ምናልባት ፍቅሪ ጽሑፍ ክምህረኪ ደልየ ከይከውን። ንሓኪም ሕሙማት ምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን’ዮም’ኳ ዝተባህለ።
ኣነ፥ካብዚ ዝበልካኒ ግን ዋላሓንቲ ኣይተረድኣንን፡ ምስ መብዛሕትኡ ዝበልካዮ’ውን ኣይይሰማማዕን’የ። ትርጉም ዘለዎ ውን ኮይኑ ኣይስምዓንን።
ሓጐስ፥ስራሕካ ዝተበሃሃልናዮ ሰሚዕኪ ምጽሓፍ’ዩ። ነዘን ዝበልኩኺ ጽሒፍኪ ኣብ ፓስጣ ዓሺግኪ ክትሰድየን ትኽእሊ’ዶ፧
ኣነ፥ፍቕሪ ስራሕ’ዶ ገለ’ዶ እናበልካ ዓጀውጀው ምባል ክትጅምር ኢኻ መስለኒ። ሐራይ ጽሒፈ ክሰዶ’ዩ። ካልእ እንታይ ክትብሎ ትደሊ ኣሎ፧
ሓጐስ፥ልኡኽ ከየብዝሓልኪ።ዝርርብና ከይሸራረፍኪ ጥራይ ጽሓፍዮ።
ኣነ፥ስራሕ ዝቆጸርካያ ጸሓፊትካ’ኮ ኣይኮንኩን። ንሰብ ብጽሑፍ ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ ዝብል እምነት ውን የብለይን ግን ክትፈሽል ክርእየካ ስለ ዝደሊ ጥራይ ጽሒፈ ክሰዶ’የ።

* * * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -