ዘመነ ጽገና (THE REFORMATION)

Must Read

ብፊልሞን ነጸረኣብ

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘመነ ጽገና (The Protestant reformation) ተባሂሉ ዝፍለጥ እዋን ኣሎ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2017፡ 500 ዓመታት ዘቑጸረ እዋን፡ ነዚ ሕጂ “ሃይማኖት ናይ ውልቂ ሃገር ናይ ኩሉ” ዝበሃል ኣምር ንኽልመድን፡ ንሃይማኖት ካብ ፖለቲካ ተፈልዩ ከምዝኸይድ ዝገበረ ኣሰራርሓ ንኽንበጽሕን ዘበገሰ እዋን እዩ። ጽልዋኡ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ሰጊሩ ኣብ መላእ ዓለምና ኣብ ቅርጺ ሕብረተሰባት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ እዋን ብምዃኑ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ምዕባለ ንምርዳእ መታን ክጥዕመና ብዛዕብኡ ቁሩብ ክንብል። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዛዕባ ምስልምናዊ ጽገና ቁሩብ ክንብል ኢና።

ዘመነ ጽገና ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ይጅምር። እዚ ዘመን ንመሰረት ኤውሮጳዊ ባህላዊ መንነት ቀጥቀጥ ዘበለ ግዜ እዩ ኔሩ። ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ሃይማኖታዊ ኣድማ ዝተለዓዓለሉ ግዜ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ምሕደራ ክርስትያናዊት ቤት መቕደስ ዝነበሮ ናይ ዘበናት እኩብ ቁስሊ ዝተተኮሰሉ እዋን ነበረ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለዘመን ዝጀመረ ክርስትያናዊ እምነት ኣብ 13 ክፍለዘመን ዓብዩ ንሃገራዊ ምሕደራ ክሳብ ምቁጽጻር በጺሑ። ጳጳስ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ወተሃደራትን ዝነበሮ ጽልዋ ካብ መንግስቲ ንላዕሊ ሓይሉ። ካቶሊካዊት ቤት መቕደስ ሓደ ሲሶ ካብ ሕርሻ ምህርቲ ምሉእ ኤውሮጳ ብምውናን፡ ፍጹም ምቁጽጻር ኣብ ልዕሊ ኢኮኖምያውን ፖለቲካውን ጉዳያት ኔርዋ ክበሃል ይከኣል።

ኩሉ ሰብ ሰጥ-ለበጥ ኢሉ ንእምነት ክርስትና ብመንገዲ ካቶሊካዊት ቤት መቕደስ ተቐቢሉ፡ ሓረስታዩ ይኹን ንጉሱ ብምሉእ ልቡ ተኣዚዙ ዝኸደሉ ግዜ ነበረ። በብቑሩብ ከኣ ቤት መቕደስ ኣብ 15 ክፍለዘመን ንኹሉ ህይወት ዜጋታት ተቖጻጺራ ከተመሓድር ከኣለት። ወላ ፖለቲካዊ ጉዳያት’ውን ኣይዓጀባን፡ ምኽንያቱ ንጉሳት ከይተረፉ “እግዚኦ” ኢሎም ንቤት መቕደስ ደኒኖም ይኸዱ ስለዝነበሩ። በዚ ከኣ ጳጳስ ከም መራሒ ዓለም ይቑጸር ነበረ። ንቤት መቕደስ ክትብድህ ኢልካ ዘይሕሰበሉ ግዜ’ዩ።

ማርቲን ሉተር፡ ኣብ 1483 ዓ.ም ዝተወልደ ጀርመናዊ ፈላሲ እዩ። ድሕሪ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ምውዱኡ፡ ከም ጠበቓ ኮይኑ ይሰርሕ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መበል 21 ዕድሚኡ ግን ኩሉ ገዲፉ ፈላሲ ክኸውን ወሰነ። ንዝቐጸለ 12 ዓመታት ድማ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤት መቕደስ ኮይኑ ብተወፋይነት ኣገልግሎቱ ቀጸለ። ውልቃዊ ሕቶታቱ ንኽምለሰሉ ከኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ የንብብ ነበረ። ኣብ ከም’ዚ ናብራ እንከሎ፡ እቲ “indulgence” ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ቤት መቕደስ ኣሰራርሓ ክወሓጠሉ ኣይከኣለን።

“Indulgence”፡ ቤት መቕደስ እትሸጦ ዝነበረት ናይ ህይወት መድሕን እዩ። ደቂ ሰባት ሓጥያቶም ክሕደገሎምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ገነት ክወርሱን መታን ገንዘብ ይኸፍሉ’ሞ ቤት መቕደስ ከኣ ወረቐት ምስክር ትህቦም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ላቲን ወይ ግሪኽ ጥራሕ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዝበዝሕ ሕብረተ ሰብ ከኣ ነዚ ቋንቋታት ስለ ዘይመልኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢባ እትትርጉም ቤት መቕደስ ጥራሕ ነበረት። ህዝቢ ከኣ ኣሜን ኢሉ ዝሃበቶ ይቕበል።

ማርቲን ሉተር ግን መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳቒቑ ስለ ዝፈልጥ እዚ ናይ ህይወት መድሕን ዕድጊ ተራ ዕብዳን ምዃኑ ኣይተጠራጠረን። ካቶሊካዊት ቤት መቕደስ መንገዳ ከምዝሰሓተት ስለ ዝበራሃሉ፡ ብህይወት እቶም ሓቂ መሲልዎም ዝገዝእዎ ደቂ ሰባት ክሓዝን ጀመረ። መልሲ ንኽረክብ ከኣ ከም ኣመሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገናጽል። ኣብ ከም’ዚ እንከሎ ሓንቲ ንዓይኑ እትስሕብ ሕጡበ ጽሑፍ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ረኸበ’ሞ ወዲ ሰብ ብእምነት ጥራሕ ክድሕን ከምዝኽእል ተገንዘበ።

“ከምቲ ጽሑፍ፡ ‘ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር’ ዝብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ ኢዩ።”(ሮሜ 1፥ 17)

ማርቲን ሉተር፡ ናይ ቤት መቕደስን ደቂ ሰባት ዝሓገግዎ ዕንክሊልን ከየድለየካ ብውልቃዊ ርክብ ምስ ፈጣሪ ጥራሕ ከም እትድሕን ኣጸቢቑ በርሃሉ። ንኣካይዳ ቤት መቕደስ ንምቕያር ከኣ ቆሪጹ ተላዕለ።

ኣብ ጥቅምቲ 1517 ዓ.ም፡ ማርቲን ሉተር 95 ሑጥበ ጽሑፋት ኣብ ወረቀት ጽሒፉ ብምድላው ኣብ ኣፈፌት ቤት መቕደስ ብምኻድ ኩሉ ሰብ ንኸንብቦ ኣብ’ቲ ማዕጾ ብመስማር ጠቅዖ። ኩሉ ሰብ ክጋገ ከምዝኽእል፡ መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ሰባት ብምዃኖም ከምዝጋገዩን፡ ፍጹም ትርጉም ወንጌል ክህልዎም ከምዘይክእልን፡ ብኡ መጠን ከኣ ኣመራርሓ ቤተ መቕደስን ኣተረጓጉማ ወንጌልን ጌጋ ከምዘሎ፡ ኣትሪሩ ክምጉት ጀመረ።

ኣብ’ቲ እዋን ሓድሽ ምህዞ ዝነበረ ናይ ማሕተም መሳርሒ ንማርቲን ዓቢ ሓገዝ ኮኖ። በዚ ከኣ ነቲ ብቋንቋ ላቲን ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ’ቲ ህዝቢ ከንብቦ ዝኽእል ቋንቋ ጀርመን ተርጒሙ 2,000 ቅዳሓት ብምሕታም ዘርገሐ። ብቤት መቕደስ ከኣ ተወገዘ።

ማርቲን በዚ ግብሩ ህይወቱ ክትጠፍእ ከምትኽእል ኣይዘንገዐን ግዳ “ኣንጻር ሕልናኻ ምኻድ፡ ውሑስ ኣይኮነ ቅኑዕ ኣይኮነ” ብምባል ኣደልዲሉ ረገጸ።

ማርቲን ሉተር ዝሓሰቦ፡ ቤት መቕደስ ኣሰራርሓኣ ከተመዓራሪ፡ ዘይተጸበዮ ግን ንኤውሮጳ ክርቢት ሸርጢጥላ ክበሃል ይከኣል። ህዝቢ ናብ ክልተ ተገሚዑ ክኳሳተር ጀመረ። ፈቐዱኡ ህዝባዊ ናዕቢ ተላዒሉ ማእለያ ዘይብሉ ደም ፈሰሰ። ጸጸኒሑ ዝለዓል ህዝባዊ ናዕቢ!።

ኮይኑ ግን፡ እዚ ግዜ ሰብኣውነት ዝተወልደሉ ግዜ ምዃኑ ኣይተረፎን። ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ብሃይማኖታዊ ጽሑፋት ባዕላቶም ዕድላቶም ዝውስኑሉ ግዜን ኩሉ ሰብ ወንጌል ኣንቢቡ ባዕሉ ክርዳእ ዝኽእለሉ ግዜን ጀሚሩ። እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ጽገና ተባሂሉ ይፍለጥ። ፕሮተስታንት ዝበሃል ሃይማኖት ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ይውለድ። ፕሮተስታንት ማለት ካብ’ቲ Protest ዝብል ቃል ዝመጸ ኮይኑ ትርጉሙ ተቓውሞ ማለት እዩ። በዚ ከኣ እቶም ተቓወምቲ ካቶሊካዊት ቤት መቕደስ ንነብሶም ፕሮተስታንት ኢሎም ክጽውዕዋ ጀሚሮም።

መናእሰይ ተቓውሞኦም ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤት መቕደስ ቀጸልዎ። “ስእልን ምስልን ኣይተምልኽ ዝብል ጽሑፍ እዩ።” እናሉ ንመናድቕን ስእልታትን ኣዕነውዎ። እታ ድሕሪ ምውዳቕ ንግስነት ሮማ ኣብ ጽንኩር እዋን ማእከላይ ዘመን፡ ንባህልን ክብርታትን ህዝቢ ኤውሮጳ ፋሕ-ፋሕ ከይብል ጠሚራ ንዘመናት ዝኸደት ካቶሊካዊት ቤት መቕደስ፡ ኣብ ሓደጋ ወደቐት። ከም ግብረ መልሲ ከኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኣውጺኣ ተቓወመት።

(ሮሜ 13፥1) “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ ኢዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።”

እቶም ዘይቀበጹዋ ምእመናን ከኣ ነዚ ጽሑፍ ኣልዒሎም ምስ ፕሮተስታንት ተጋጨዉ።

በንጻሩ ፕሮተስታንት ነቲ ካብ ንወዲ ሰብ ንፈጣሪ ምእዛዝ ዝመክር ጽሑፍ ኣልዓሉ። (ግ፡ሃ 5፥29) “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ ዚግባእ።”

ኣብ 1525 ዓ.ም፡ ብ ቶማስ ሙንትዘር ዝተባህለ ሰብ ዝምርሑ መናእሰይ ነቲ ግጭት ሰማይ ኣዕረግዎ። ማርቲን ሉተር ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ጠጠው ከብሎም እኳ እንተፈተነ ክሰልጦ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ እቲ ዝፍለጥ ፈሊጦሞ ስለ ዝኾኑ ናይ ማርቲን ሓገዝ ኣብ ዘየድልየሉ ግዜ በጺሑ።

ግጭት ናብ ዓቢ ኲናት ተቐይሩ ህይወት ከባቢ 6,000 ሰባት ሓለፈ። ቶማስ ከኣ ኣብኡ ተማሪኹ ተቐትለ።

ማርቲን እቲ ተቓውሞ ደማዊ ንኸይከውን ዝከኣሎ ይምህር’ኳ እንተነበረ፡ ካብ መርገጺኡ ግን ኣይተነቓነቐን። እኳ ደኣ ነቲ ልሙድን ባህልን ዝነበረ ቀሺ ንኸይምርዖ ዝኽልክል ሕጊ ጥሒሱ ምስ ሓንቲ ፈላሲት ዝነበረት ድንግል ተመርዓወ።

ግጭት ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ልሒሙ ይቕጽል።

ኣብ ስዊዘርላንድ ሓደ ቶማስ ካልቪን ዝበሃል ሰባኺ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ጽገና ክገብር ጀመረ። ዝተፈላለየ ሓሳብ እናልዓለ ከኣ ክትዓት ይፈጥር ነበረ። ንኢኮኖምያዊ ጽገናን ብዓቢኡ ከኣ ንኣሰራርሓ ርእሰ ማልነት (Capitalism) ኣፍደገ ከምዝኸፈተ ብዙሓት ተረኽቲ ይጽሕፉ።

1545 ዓ.ም፡ ማርቲን ሉተር ዓሪፉ። ኣቦ ፕሮተስታንት ተባሂሉ ከኣ ይዝከር።

ድሕሪኡ ንሚእቲ ዓመት ዝኸውን ጸጸኒሑ ዝለዓል ኲናት ኔሩ። እዚ ከምኡ ኢሉ እንዳቀጸለ፡ ኣብ 1555 ዓ.ም፡ ካብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤት መቕደስ ዝብገሱ ምእመናን ናብ ፕሮተስታንት ከይቀየሩ፡ ንኣሰራርሓ እታ ቤት መቕደሶም ዘዕርዩ መራሕቲ እንዳበዝሑ ስለዝኸዱ፡ ብዙሕ ምምሕያሻት ክትገብር ጀመረት። ቃልሲ ምስ ፕሮተስታንት ከኣ ይቕጽል።

ውግእ ሰላሳ ዓመት ተባሂሉ ዝዝከር፡ 1618 – 1648 ዓ.ም፡ ልዕሊ 30% ካብ ህዝቢ ጀርመን ዝሃለቐሉ እዋን’ውን ኣካል ናይ’ዚ ዘመነ ጽገና እዩ።

“ውዕል ወስትፈልያ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ 1648 ዓ.ም ካብ ግንቦት ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ ግዜ: ሓደ ውዕል ሰላም ተገብረ። ኣብ’ዚ ንደምነት ምንቅስቓስ ጽገና ጠጠው ንኽብል መደምደምታ ዝገበረ ውዕል፡ ክልላት (States) ብመንገዲ ንጉሳተን ኣቢለን ናይ ባዕለን ሃይማኖት ክእውጃ። ኩሉ ሰብ ግን በብውልቁ ዝደለዮ ከምልኽ ብዝብል ስምምዕ ተፈራረሙ።

ብድሕር’ዚ ዝሰዓበ፡ ኤውሮጳውያን ፈላስፋታትን ፖለቲከኛታትን ነቲ ሓሳብ እንዳማዕበሉ በብቑሩብ ናብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ክንበጽሕ ተኻኢሉ።

ጽገና ካብ ዘምጸኦም ነጥብታት ብምጥቃስ ንምጥቕላል፡

* ናይ ኣምልኾ መሰል፡ ኩሉ ሰብ ዝደለዮ ከምልኽ። ዕድላቱ ባዕሉ ክውስን።

* ውልቃዊ ነጻነት (Individualism)።

* ቅዋም! እቲ ሰብ ወንጌል ኣንቢቡ ባዕሉ ክውስንን ንሕጊ ወንጌል ክግዛእን ዝብል ሓሳብ ናብ ቅዋማዊ ጽሑፍ ማዕቢሉ። ኩሉ ሰብ ብሕጋዊ ጽሑፍ ክግዛእ፡ ወላ’ውን መራሕቲ ማዕረ ዕድል ይህልዎም።

* መራሕቲ ሃገር ካብ መራሕቲ ቤት መቕደስ ዝለዓለ ስልጣን ክህልዎም ጌሩ።

* ምዕባለን ትምህርትን (Modernism and Literacy) ብዝተዓጻጸፈ መልክዑ ዓብዩ።

እምበኣር እዚ ብዙሕ ደም ዝፈሰሰሉ ዘመነ ጽገና፡ ኣብ ትሕቲ “ሓቀኛ ምዃን ካብ ሰላምዊ ምዃን ይበልጽ፡ ወላ’ውን ብዋጋ ህይወት” ዝብል ጭርሖ፡ ንዘመነ ትንሳኤ (The renaissance) ናህሪ ወሲኹ ምዕብልቲ ዓለም ንኽትህልወና ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ እዋን ኮይኑ ተዘኪሩ ይነብር።

* * * * *

ጽገና ኣብ ምስልምና:


ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንጽገና (Reformation) ኣብ እምነት ምስልምና ንምትግባር ዝጽዕሩ ብዙሓት ተኸተልቲ ምስልምና ዝኾኑ ምሁራት ኣስላም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጽገና እምነት ክርስትና ከም መወከስን መምሃርን ወሲዶም፡ ከም’ቲ እምነት ክርስትና ካብ ኢድ ቤት መቕደስ ተመንዚዑ ኣብ ኢድ ነብሲ ወከፍ ሓፋሽ ህዝቢ ወሪዱ ዝርከብ። ኣተረጓጉማ ቁርኣን’ውን ናብ ኢድ ነብሲ ወከፍ ሰብ ንምውራድ ጻዕሮም የካይዱ።

እቲ ኣብ ገለ ዘመናት ሰላማዊ ከምዝነበረ ዝንገረሉ እምነት ምስልምና፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ውዒሉ ብሽም እዚ ሃይማኖት’ዚ ሽበራታት ክንሰምዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ፖለቲካዊያን ምንቅስቓሳት፡ ጥቕስታት ቁርኣን ቦጥቂሊም ብምውጻእ፡ መናእሰያት ኣስላም ከዕስክሩን ከዕጥቑን ንዕዘብ ኣለና።

እስላማዊ ምንቅስቓስ ISIS ቀጻሊ ጅሃዳዊ መልእኽቲ እናሰደደ፡ ምንቅስቓሱ ንኹሉ ኣስላማይ ዝውክል ብምዃኑ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ንዝርከቡ ኣመንቲ ኣብ ዘለውዎ ቦታ ኮይኖም ግብረ ሽበራ ንኽገብሩ ጻውዒት የቕርብ እዩ። ግን ካብቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብሩ ተኸተልቲ ምስልምና፡ ክንደይ ካብ ሚእቲ እዮም ግብረ ሽበራ ዝገብሩ ኢልና ሓሲብና ንፈልጥ ዶ? ብርግጽ ክቑጸሩ ዝኽእሉ ውሑዳት እዮም። ውሑዳት፥ ወላ’ኳ ዓበይቲ ዕንወታት ምፍጻሞም እንተዘይተረፈ።

ገለ ካብ ልኡማት ኣስላም (Moderate Muslims)፡ “ምስልምና ሰላማዊ ሃይማኖት እዩ!” እንዳበሉ ወላ ነቲ ብእስላማዊ ምንቅስቓስ ዝግበር ሽበራታት ምስ ምስልምና ዘራኽብ ከምዘይብሉ ጌሮም ዝከላኸሉ እንተኾኑ፡ ኣብ’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን፡ ብስም ምስልምና ኣብ ዝግበር ሽበራታት፡ ኣብ ዓለምና ልዕሊ ማንም ዝህሰዩ ዘለዉ ሰላማውያን ኣመንቲ ምስልምና ምዃኖም ምስትውዓል የድሊ።

ኣስላማይ ማለት ኩሉ ብሽም ሃይማኖቱ ዝግበር ይድግፍ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ጽገና ምስልምና ከኣ ካብ’ዚ መደምደምታ’ዚ እዩ ዝብገስ። ንኣብነት፡ ኣብ ቁርኣን ዝሰረቐ ኢዱ ክቑረጽ ዝእዝዝ ሕጊ ኣሎ። እንተኾነ ግን ነዚ ተግባር’ዚ ነጺጎም ተራ ሕጋዊ መቕጻዕቲ ዝመርጹ ኣስላም ይበዝሑ።

ኣብ ክርስትና፡ ነቲ እምነት ተጠቒምካ ዝግበር ግብረ እኪት ዝነበረሉ ግዜ ኔሩ እዩ። ድሕሪ ጽገና ክርስትና ግን፡ “ጎይታይ ድኹማት ኢና” ኢሎም፡ ነቶም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝርከቡ ንዕግርግር ዝምችኡ ጥቕስታት ዕሽሽ ኢሎም ናብ’ቲ ሰላማዊ ክፋል ኣተኩሮም ብምድራዊ ሕጊ ተገዚኦም ንክኸዱ በጽሑ። ስለዝኾነ ከኣ ንክርስትና ተጠቒምካ ዝግበር ዕብዳን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብቂዑ። ኣብ እምነት ምስልምና’ውን ነቶም ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ነዚ ሃይማኖት ተጠቒሞም ዘሸብሩ ናብ ሰላማዊ ኣካይዳ ንምምላስ፡ ጸገንቲ ምስልምና ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ። ሓገዝ ኩሉ ምእመናን ግን የድልዮም። ምኽንያቱ ከም’ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ብምድራዊ ሕጊ ወይ ቅዋም እትመሓደር ዓለም (Liberalism) ክትህልዎም ዝደልዩ ኣመንቲ ምስልምና ኣዝዮም ስለዝበዝሑ።

ንፕሮተስታንታዊ ጽገና ዓቢ ሓገዝ ዝኾኖ፡ ምህዞ ናይ ማሕተም መሳርሒ እዩ። ንምስልምና ኸ እዚ ምህዞ መራኸቢ ብዙሃን ዓቢ ሓገዝ ኮይንዎ ናብ ውልቃዊ ምርጫ ዘእንግድ ምሉእ ሰላማዊ እምነት ዝሰጋገረሉ ግዜ ኣኺሉ ዶ ይኸውን?

References፡ Yale Lectures, History.com,

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -