ስቶይሲዝም (Stoicism)

Must Read

ዚኖ፡- ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት እዩ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣዝዩ ሃብታም ነጋዳይ ዝነበረ ቆጵሮሳዊ ዚኖ፡ ኣብ ከባቢ ኣቴንስ ግሪኽ ምስ በጽሐ መርከብ ተሰይራቶ፡ ዝውንኖ ዘይብሉ ጥራሕ ኢዱ ተረፈ። ዚኖ በዚ ኣይተዳህለን፡ ኣብ ግሪኽ ዘወርወር እናበለ መጻሕፍቲ ሶቅራጠስን ካልኦት ፈላስፋታትን ምንባብ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ቀጺሉ ተመሃሮ ኣኪቡ ክምህር ጀመረ። ከምኡ እናለ ከኣ፡ ንመዋእል ዝኸደ ፍልስፍናዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ውርዝይና፡ ተጻዋርነትን ነብስኻ ምቁጽጻርን ዝኾነ ስቶይሲዝም (Stoicism)፡ ኣበጊሱ ሓለፈ።

ስቶይሲዝም ዝብል ስም መበገሲኡ፡ ካብ “ስቶዋ-ፖይኪለ” ዝበሃል ኣብ ኣቴንስ ዝነበረ ምዕሩግ ዓቢ ህንጻ ኮይኑ፡ ፈላስፋ ዚኖ ንተመሃሩኡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ህንጻ ኣኪቡ ይምህር ስለዝነበረ፡ ስቶይሲዝም ብኡ መጠን ዝተዋህበ ስያመ እዩ።
ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ነዚ ፍልስፍናዊ ኣበሃህላ ዝገጥም ቃል ክረኽበሉ ስለዘይከኣልኩ፡ ንምርድኡ ክጥዕም ከምዘለዎ “ስቶይሲዝም” ቢለ ክጽውዖ ወሲነ’ለኹ።

ፍልስፍና ስቶይሲዝም፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ ሽግራት ከጋጥመካ እዩ፡ ከምዘጋጥም ፈሊጥካ ከኣ ኩሉ ግዜ ድሉው ኩን እምበር ብተስፋ ጽቡቕ ነገራት ኣይትጸበ። ሽግር ምስ መጸ ከኣ ፊትንፊት ከምዘለዎ ተቐቢልካ ከም ንቡር ብርግኣት ጥሒስካዮ ትሓልፍ፡ ዝብል ኣረዳድኣ ዝሕመረቱ ፍልስፍና ኮይኑ፡ ኣብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ጽልዋ እናገበረ፡ መጀመርያ ብደቂ ቆጵሮስን ሶርያን፡ ደሓር ከኣ ብሮማውያን ብዝያዳ እንዳተመሓየሸ ከም መንገዲ ህይወት ኮይኑ፡ ድሕሪ ፈላስፋ ዚኖ ንልዕሊ 400 ዓመታት ካብ ጊላ ክሳብ ንጉስ ኣብ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ብዕቱብ ዘገልገለ ፍልስፍና ምዃኑ መዛግብቲ ታሪኽ ይነግሩ።

ፍልስፍና ስቶይሲዝም፡ ኣብ ልዕሌና ንዘጋጥሙ ነገራት ክንቆጻጸር ኣይንኽእልን ንኸውን፡ ምስ ኣጋጠሙ ብኸመይ ንቕበሎም ግን ሙሉእ ቁጽጽር ኣለና። ባዕልና ኣቐዲምና ሓደ ጽቡቕ ነገር ካብ ምጽባይ ግን ንሂወት ከምዘላታ ክንቅበላ ይመክር።

ነብሰ-ምቁጽጻር ጸጋ እዩ፡ እቶም ኣብ ነብሶም ምሉእ ምቁጽጻር ዘለዎም ሰባት ጥራሕ እዮም ከኣ ንካልኦት ሰባት ብጽቡቕ መንገዲ ክቕይሩ ዝኽእሉ ይብል ፍልስፍና ስቶይሲዝም። ነዚ ከኣ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ይኸፋፍሎ።

ውርዝይና፡- መዓልታዊ ንዘጋጥሙ ቅልውላዋት ኣብ ክንዲ ብስምዒት፡ ብርጉእ መንፈስ ምቕባል።
ስምዒትካ ምቁጽጻር፡- ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ንኣዝዮም ዘቖጥዑ ነገራት ብህድኣት ምምላስ።
ፍትሒ፡- ንኻልኦት ወላ’ውን ገበነኛታት ይኹኑ ብፍትሓዊ መንገዲ ምርኣይን ምፍራድን።
ትብዓት፡- ንኣዝዮም ከበድቲ ፍጻሜታት ጥራሕ ዘይኮነ ወላ’ውን ንመዓልታዊ ብድሆታት ብንጹርን ብሓቅን ምምካቶም። ከም’ቲ ሮማዊ ፍሉጥ ፈላስፋ ስቶይሲዝም “ሰነካ” ዝበሎ፡ “ወላ’ውን ኣብ’ዛ ዓለም ንምንባር ንባዕሉ ትብዓት የድሊ እዩ”።
“ሶቅራጦስ፡ ነዚ ፍልስፍና ስቶይሲዝም ብልክዕ ዝነብሮ ዝነበረ ይመስል።” ብምባል ይጠቕሶ ፈላስፋ በርትራንድ ራስል። ኣማውታ ሶቅራጠስ እንተተዓዚብና፡ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐቢሉ መርዚ ክጭልጥ እንዳተቓረበ፡ ድምብርጽ ከይበሎ ነቲ ሞት ከይተረፈ ብሓጎስ ተቐቢሉ፡ “ኣብ’ታ ካልእ ዓለም ከማን ከምድላይና ሕቶታት ንሓተላን ንካተዓላን ዓለም ቀልጢፍና ንኸይድ” እናለ ሓሊፉ።

ኣብ’ቲ እዋን፡ ንደቂ ሰብ ባራዩ ምግባር ከም ሕጋዊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ስቶይሲዝም፡ ኩሉ ሰብ ማዕረ ስለዝኾነ፡ ባራዩ’ውን ሰብኣውነቶም ተሓልዩ ብፍትሓዊ መንገዲ ክተሓዙ ከምዝግባእ ዝመክር ዝነበረ ኣበሃህላ ነበረ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ መራሕቲ ሮማዊ ኢምብራጦርያ ዝኾነ ማርቆስ ኣውሬልየስ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጸሓፍቲ ፍልስፍና ስቶይሲዝም እውን እዩ። ኣውሬልየስ፡ ኣብ’ቲ ናይ 19 ዓመታት ዕድመ ስልጣኑ፡ ብፍልስፍና ስቶይሲዝም ተሓጊዙ ክልተ ዓበይቲ ውግኣትን ኣብ ስድራቤቱ ንዝነበሮ ከበድቲ ጸገማትን ብህድኣት ሰጊሩ። ኣብ ጉዕዞኡ ንነብሱ ከም መዓልታዊ መዘኻኸሪ ጥበብ ዝጥቀመላ “The Meditations” ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ጽሒፉ ይኽተል ነበረ። ኣውሬልየስ፡ ምስ’ቲ ኩሉ ልቦንኡ ነቲ ብግላዲያቶር ዝፍለጥ ቅልስ ሰብን ኣራዊትን ጠጠው ከብሎ ዘይምኽኣሉ እኳ ዝሕመ እንተኾነ፡ ኣዝዩ ርህሩህን ዘይጸዓድን መራሒ ተባሂሉ ይዝከር። ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመታት ካብ’ዚ እዋን፡ ኔልሰን ማንዴላ ብትምህሪቲ እዚ ሰብኣይ ተሓጊዙ ነቲ ናይ 27 ዓመታት ማእሰርቱ ክቕበል ከም ዝተሓገዘ ይዛረብ። ካብ ማእሰርቱ ምስ ተፈትሐ ድማ ኣብ ክንዲ ናብ ሕነ ምፍዳይ፡ ናይ ሰላምን ዕርቅን ውሳነ ወሲዱ ንሃገሩ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘረጋግአ ይፍለጥ። ሕሉፍ በደል ረሲዕና፡ ንመጻኢ ክንሓስብን ዝሓሸ ፍትሓዊ መንገዲ ክንክተልን ይመክር፡ ኔልሰን ማንዴላ።

ገለ ዓበይቲ ናይ ክርስትና መምሃራን ከም በዓል ቶማስ ኣኳይነስ፡ ነዚ ስነሓሳብ ውርዝይና ኣድኒቖምን ተቐቢሎምን ከምዘርዓምዎ እውን ይፍለጥ።

ሸገርገር ክንብል፡ ተስፋ ክንቆርጽን ክንርዕድን ከለና፡ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት “ኣጆኻ፡ ክሓልፍ እዩ። ሕማቕ ኣይትሕሰብ…” እናሉ ከደዓዕሱናን ተስፋ ክህቡናን ከም ንቡር ይውሰድ። እንተኾነ ስቶይሲዝም እዚ ባዶ ተስፋ ምሃብ ነባሪ ሰላም ክህብ ስለዘይክእል ካብ’ቲ ቀንዲ ክውገድ ኣለዎ ዝብሉዎ ኣበሃህላታት እዩ። ተስፋ፡ ንግዚኡ ሞራልና ሓፍ ከብሎ ይኽእል’ዩ ደሓር ግን ምስ ክውንነት ተራጺምና ባይታ ምስ ንዓልብ፡ ኣዝዩ ዝገደደ ጓሂ ክመጻና ይኽእል። ንሓደ ሰብ ክዕወት እንተኾይኑ፡ ብዓይኒ ስቶይሲዝም፡ ንቕድሚኡ ግብ ዝበለ ጸላም ከምዘሎ ኢና ክንነግሮ ዘለና። “ሕማቕ ከጋጥመኒ’ዩ፡ ክእሰር ይኽእል፡ ካብ ስራሕ ክባረር፡ ክዋረድ ውን እየ፡ የዕሩኽተይ ክዕወቱ ንዓይ ምስላጥ ክኣብየኒ ይኽእል እዩ፡ እዚ ኩሉ ከቢድ እዩ። እንተኾነ ግን፡” ይብል ሓደ ቆራጽ ፈላስፋ ስቶይሲዝም፡ “ጥሒሰዮ ክሓልፍ’የ!” ከም’ቲ ኣውሬልየስ ዝበሎ “ኩልና ካብ’ቲ ንሓስቦ ንላዕሊ ሓያላት ኢና።” ብልጽግናን ሰላምን ኣብ ቅድሜና እዮም፡ ኣእዳውና ዓሚኹና ምትራር ጥራሕ እዩ ዘድልየና። ከቢድ ሕማም ካብ ሞት ነይሓልፍ።

ብሓፈሻ ካብ ስቶይሲዝም ክንመሃሮ እንኽእል፡-

ነገራት ንኽቐልል ዘድልየና፡ እቲ ዝኸፈአ ከጋጥመና ዝኽእል ኣብ ኣእምሮና ምስኣል’ዩ። ደሓር፡ ሽግራት የትርሩና እምበር ኣይሰብሩናን እዮም። ንህይወት ከምዘላቶ ክንርደኣ ኣለና።

ሓደ ሓደ ግዜ ብሕርቃን ክንቃጸል ንኽእል ኢና፡ እዚ ግን ዘይተጸበናዮ ምስ ዝጸንሓና ጥራሕ እዩ። ንኣብነት፡ ብርቱዕ ማይ ምስ ዝሃርመና ኣይነማርርን፡ ምኽንያቱ ነብስና ማይ ከምዝሃርም ተቐቢላቶ ስለ ትጸንሕ እዩ። ወይ ካልእ ኣብነት ንምውሳድ፡ ሓድሽ ክራይ ገዛ ክትካረይ ትቀራረብ’ሞ፡ በዓል ገዛ “ድሕሪ ሓደ ዓመት ክራይ ገዛ $100 ክውስኽ እዩ።” ይብለካ፡ ግዜ ምስ ኣኸለ ዝስመዓካ ነገር ብዙሕ ኣይህሉን፡ የግዳስ እዚ ኣካራይ ገዛ ከይነገረካ $100 እንተዝውስኽ፡ ብሕርቃን ክትልሎ ንቡር ይኸውን።

እምበኣር ልክዕ ከም’ቲ ማይ ክሃርም ምዃኑን ክራይ ገዛ ክውስኽ ምዃኑን ምቅርራባት ጌርና ንጸንሕ፡ ልክዕ ከምኡ ንኸጋጥሙ ዝኽእሉ ዝበኣሱ ነገራት ምጽባይ፡ ሰላምካን ሓይልኻን ኣብ ምብዛሕ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ፈላስፋታት ኣወንታዊ ሓሳባት (Positive Thinking) በዚ ሓሳብ ዘይክሳማምዑ ይኽእሉ፡ እቲ ምርጫ ግን ኣብ ኢድካ እዩ።

ማዕበል እልፊ ሽግር ክመጽእ እዩ፡ ኣነ ግን ኣብ ልዕሊኡ ክሕምብስ’የ!!

ምንጪ፡ ted-ed, school of life, AsAp Science.

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -