Health

ሽሻን ጉድኣቱን፥ (“ሓደ ሽሻ ማዕረ 100-200 ሽጋራ ምትካኽ እዩ” ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO))

“ሽሻ እንተኣትኪኸስ ካብ ካልኦት ዓይነታት ወልፍታትን ትንባኾታትን ዝሓሸ ድዩ?”

ጫትን ጉድኣቱን

"ጫት ስነፍልጠታዊ ስሙ ካታ ኤዱሊስ ኮይኑ፥ ካብ ሴላስትራሼ ዝበሃሉ ዓሌት ኣግራብ እዩ። እዚ ከም ገረብ ወይ ቆጥቋጥ ዝጸንሕ ሓምላይ ዝኾነ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዘሎ ምብራቃዊ ሸነኽ ዝቦቅል እዩ። ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 18 ክፍለ-ዘመን ኣብ የመን፡ ካታ ኤዱሊስ ኢሉ ሳይንሳዊ ስም ዘጠመቀ ፔተር ፎርስካል ዝበሃል ናይ ስነ-ኣትክልቲ ክኢላ እዩ። ካታ ኤዱሊስ ቀስ ኢሉ ዝዓቢ ሓምላይ ገረብ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ቅናት ምድርን ሓውሲ ቅናት ምድርን ይቦቅል። "

ዘይንቡር ዓለማዊ ተርእዮ ሚዮፒያ (Myopia)

"ጠንቂ ናይዚ ኣብ'ዚ ወለዶ'ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝርአ ዘሎ ናህሪ ሚዮፕያ እንታይ ምዃኑ ንተመራመርትን ሓካይም ዓይንን ክሳብ'ዚ ቀረባ ዓመታት ጋን'ዩ ኮይንዎም ጸኒሑ። ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተኻየደ መጽናዕትታት፣ እዚ ሕማም በብቑሩብ እንዳወሰኸ ብዝኸይድ፣ ናብ ንቡር ክምለስ ዘይክእል (irreversible)፣ ምሽላሕ የዒንቲ ዝስዕብ ምዃኑ ዝፍለጥ'ዩ። "

ቅዛነት ( Depression)

ኣብ ገለ ገለ እዋን ዳርጋ ኩሉ ሰብ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከቢድ ጓሂ ከጋጥሞ ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ካብ ስራሕ ምስጓግ፡ ትፈትዎ ሰብ ምኽሳር፡ ተስፋ ዘንበርናሉ ነገር ከም ሃፋ ክበንን ከሎን ካልእን ኣብ’ዛ ዓለም ምንባርና ከምዘብቀዐ ርእስና ኣድኒንና ብጓሂ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን ኩሉ ነገር ተረሲዑ እቲ ሕማቕ ስምዒታት ባዕሉ ይጠፍእ’ሞ “ከም ሻሙ!” ኢልና ናብ ንቡር ሂወትና ንምለስ። እዚ ግን ተራ ጓሂ ወይ ጸቕጢ (stress) ድኣ’ምበር ሕማም ቅዛነት ክበሃል ኣይከኣልን። ቅዛነት ግን ካልእ እዩ።

ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮል ምዝውታር፡ ምልክታት፡ ሳዕቤናቱን ፍወሳን

"ሓንቲ ጥርሙዝ ቢራ (ኣስመራ ቢራ) ወይ ሓንቲ ዳብል ጅን ወይ ኣረቒ ኣዚዝካ ኣብ ኣካላትካ እንታይ ሃስያ ከምዘስዕበልካ ትጭነቕ ዶ? ስሕት ኢለ ምስ የዕሩኽተይ ሓደ ሓደ እንተኢለ ፌጋቶ የማዕብል ዶ? ኣብ ነዊሕ እዋን ሓድሽ ዓመት ምስኣኸለ ክሳብ በርባዕተ መሓውረይ ዝኸይድ እንተሰትየ ይሃስየኒ ዶ? ሕጅስ ኣነ ኣልኮሊዛቶ ድየ ክበሃል?…"
- Advertisement -

Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -