ይኣክል፡ ምስትምቓር ደርፊ ዮሃንስ ትካቦ

Must Read


ንዕምቆት ግጥማዊ ትሕዝቶ ወዲ ትካቦ ምድህሳስ’ኳ ከም ድፍረት ክቑጸረልና ዝኽእል እንተኾነ ንኣድናቖት ዝኣክል ግን ቁሩብ ክንብል።

ወዲ ትካቦ ብለካቲት 24, 2019 ሓንቲ ሓጻር ቪድዮ ኣብ ፈይስቡክ ዘርጊሑ ኔሩ። ትሕዝቶ’ቲ ቪድዮ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝቐነየ “ይኣክል” ዝብል ሰላማዊ ጭርሖ ዝሓዘለ ኮይኑ፡ ወዲ ትካቦ ብሓጺር መግለጺ ጀሚሩ ቀጺሉ ብክራሩ ኣሰንዩ ሓንቲ ደስ ትብል ደርፊ ብምድራፍ ዛዚሙ።

ይኣክል ንበል ኩልና! ይብል’ሞ ወዲ ትካቦ፡ ደርፉ ይቕጽል፡

ይኣኽለኒ ክንደይ ክሽፍኖ
እቲ ከብዲ ኣዴታተይ ዝሓቖኖ
ይኣኽለኒ ክንደይ ክሽፍኖ
እቲ ናፍቖት እቲ ንሰኣኣኖ
ተመነነ ንእስነት ዘይምኖ
መዋፍርተይ ኩሎም ዝተሳእኖ

ሓቁ እዩ ከብዲ ኣዴታትና ተሓቚኑን ተሓሚሱን ክንሱ ንብሎ ጠፊእና ሱቕ መሪጽና ኣብ ዘለናሉ ግዜ፡ እቶም መተዓብይትናን መዋፍርትናን ገለ ደሃዮም ሽታ ማይ ኮይኑ ገለ ድማ ፈቐዱኡ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም ትዝክር’ሞ ውሽጥኻ ብጓሂ ይሕመስ። ስቕ ድማ ትመርጽ። ወዲ ትካቦ፡ ይኣኽለኒ ክንደይ ክሽፍኖ እናበለ ከዝይም ከሎ ከኣ ከም ተስተንትን ይገብረካ።

ወዲ ትካቦ ንሓንሳብ እቲ ብቅዲ ሙዚቃ ሕዳርብ ዝህረም ፍሉይ ህርመት ብጥበብ ይቕጽል’ሞ፡ ተመሊሱ ከኣ፡

ዓርኪ ነበረኒ ኣብ ጎነይ..
ዓርኪ ነበረኒ ኣብ ጎነየ
ሓወይ ነበረኒ ኣብ ጎነየ
ኣያ ነበረኒ ኣብ ጎነየ
ቁምነገሩ ዋዛ እናቋሰየ
ዕላሉ’ኳ ኣዳም ከይሃሰየ
ከም ፈጣሪ ሰብ እናጓሰየ
ካብ’ቲ እከይ ሰብ እናተኣለየ
ካብ’ቲ እኩይ ሰብ እናኣለየ
ኣለይዎ ሓቂ ዘለለየ
ኣለዩ’ባ ሓቂ ዘለለየ

ኣብ’ዚ ልዕል ኢሉ ዘሎ ብውሑድን ዝደጋገም ቃላትን ብረቂቕ ዝተሃንጸ ስታንዛ፡ ነቶም ኣይፋልካን እናበሉ እናሻዕ ዝኣልዩን ዝመኽሩን ለባማት የዕሩኽትኻ ተመሊስካ ከምትዝክር ይገብረካ’ሞ ይቕጽል ከኣ ናብ’ቲ ዕላል ምስ ቀልዲ እናሓወስካ ግን ከኣ ብዙሕ ከይተሃሳሰኻን እንዳተኸባበርካን ዝሓልፍ ንእስነት ገጹ ይጓስየካ። ኣብ’ታ መወዳእታ መስመር ከኣ እቲ ዝነቐሐ ኣካል ሕብረተሰብ በቲ ዘሎ ስርዓት ከም ዝእለይ’ሞ ዝተረፈ መንእሰይ ብዘይ ኣላዪ ከምዝተርፍ ከብርህ ይፍትን።

ንገለ ካልኢታት መሰጋገሪ ሙዚቃ ክራሩ ትሪምሪም ኣቢሉ ከኣ፡ ወዲ ትካቦ ናብ’ቲ ዝሓለፈ ፍቕርን ምትሕልላይን ብማዕበል ሓሳባት ሒዝካ ይሕምበብ።

ኣሕዋት ነበሩኒ ኣብ ጎነይ
ጀምዓ ነበሩኒ ኣብ’ዛ ጎነይ
ብጾት ነበሩኒ ኣብ ጎነይ
ኣዕሩኽ ነበሩኒ ኣብ’ዛ ጎነይ
ኣሓት ነበራኒ ኣብ’ዛ ጎነይ

እቲ ሓደ ዝጥምት ከም ዓይነይ
እቲ ሓደ ዝስሕቕ ከም ስነይ
እቲ ሓደ ‘ሰምዕ ከም’ዛ እዝነይ
እቲ ሓደ ይዛነ ከም’ዛ ወነይ
እቲ ሓደ ይዕበስ ኣነ ጎነይ
ንሳ …. ኣነ. ….
ኣነ ተላሕጺጸስ ንሱ ይደምይ
ኣነ እንተሓለብኩ ቤቱ ጠስሚ
ንሱ እንተሓዘነ ኣባይ ጭሕሚ

ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሃሲሱ ዝመስል ምትሕልላይን ንፈተውትኻ ከምነብስኻ ናይ ምርኣይ ባህልን ኣጥፊእናዮ ከምዘለና ከዘኻኽር ዝደለየ ብዝመስል ጥበብ ኮፍ ኣቢሉ ደርፉ ይዛዝም።

ወዲ ትካቦ ነዛ ደስ ትብል ደርፉ፡ “ፕሮሲማሜንተ” ምዃና እዩ ሓቢርና። እሞ ከምኡ ካብ ኮነ ብምሉእ መሳርሒ ሙዚቃ ተሃሪማ፡ ተስተኻኺላ ክትቀርበልና ብሃንቀውታ ንጽበ።

ኣብ ስራሕካ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልካ ወዲ ትካቦ።

ይኣክል!

ብፊልሞን ነጸረኣብ

* * * * *

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -