ጥበብ ኣብ ደርፊ

Must Read

እዚ ጽሑፍ፡ ሓፈሻዊ ትዕዝብተይ ኣብ ሙዚቃ ሃገርና ኮይኑ፡ ምስ ገለ ናይ ደገ ደርፍታት ብምዝማድ ወይ ከም ኣብነት ብምውሳድ ከም ተራ ሰማዒ ዝስመዓኒ ጓሂን ኣድናቆትን ክገልጽ ፈቲነ’ለኹ።

ደርፊ ማዕረ ክንደይ ጥበብ እዩ ዝውንን?

ብፍቕሪ ዝቃጸል፡ ብናፍቖት ዝልሎ፡ ብሓዘን ዝኹምተር፡ ብሓጎስ ዝዘልል ኩሉ፡ ስምዒቱ ዝገልጸሉ ደርፊ ሃሰስ ክብል ባህርያዊ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ነዚ ስምዒታት ብጥበብ ዝገልጹ ደርፍታት እናሻዕ ኣብ እንሰምዖም፡ ነዚ ተዘክሮታት ህይወትና ሓዚሎም ምሳና ይነብሩ።

ደርፊ ንምስራሕ ብግጥሚ ክጅመር ይከኣል፡ ብዜማ’ውን ክጅመር ይከኣል። ብግጥሚ ኣብ ዝጅመረሉ፡ እታ ግጥሚ ተጻሒፋ ከምዘላቶ ዜማ ጌርካ ንምድራፋ መብዛሕትኡ ግዜ ስለዘይትጥዕም፡ ናብ’ቲ ንዓኣ ይኸውን’ዩ ተባሂሉ ዝተዳለወ ዜማ ብልክዕ ንኽትገጥም ተመሊሳ ክትስተኻኸል ወይ ክትጽረብ ግድነት ይኸውን። ብዜማ ኣብ ዝጅመረሉ ድማ፡ ከም’ቲ ፍሒራ ዝበሎ ኣብ መንገዲ እንዳኸድካ ዜማ እንተመጺልካ “ህምም ላላላ ላላ” እናልካ ካብ ኣፍካ ከይትበርር ትከናኸና’ሞ ገዛ ኣቲኻ ብመሳርሒ ሙዚቃ ተጠቒምካ ብምቕዳሕ፡ ኣሲርካ ተቐምጣ። ደሓር ንዓኣ ዝኸውን ግጥሚ ትምእርር ማለት’ዩ።

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን’ዩ ክኸውን ዝግበኦ።

ንኣብነት ንተዓዘብ’ሞ ኣብ’ዚ ዘሎ ጥበብ። ቴዲ ኣፍሮ ኣብ’ታ “ማር እስከ ጧፍ” እትብል ደርፉ፡ ነታ መዓረይ ዝብላ፡ ንምርካብ ኣብ ዝደልየሉ ግዜ ንህቢ ተኸቲሉ ከምዝኸደ’ሞ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ከም ጥዋፍ ኮይና ከተገልግል ከምዝጸነሓቶ ይገልጽ፡ እቲ ጥዋፍ ከኣ ብመዓር ስለ ዝስራሕ፡- ንጥዋፍ፡ ንንህቢ፡ ንቆፎ ኣብ ሓደ ግጥሚ ብኣዝዩ ዝተራቐቐ ጥበብ ገሊጽዎ ንረኽቦ። ኣብ ናይ ሃገርና፡ ብኸም’ዚ ዓይነት ጥበብ ክንጠቕሶ ንኽእል ወዲ ትካቦ ኣሎ። ኣብ’ታ “ከደረይቲ” እትብል ደርፉ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ነታ ቀትሪ’ምበር ምሸት ምውጻእ “እምብለይ!” ዝበለቶ ኣፍቃሪቱ ብዕምበባ ሱፍ መሲልዋ ንረኽቦ። “ሱፍ ኴንክኒ ንዓይ፡ ክትጥምቲ ጸሓይ፡ ሴርክዮ እንግደዓይ” ብምባል ይገልጻ።

ደርፍታት ሃገርና በየናይ ቅዲ እዮም ዝስርሑ?

ኣዘንተውቲ

ገለ ደርፍታት ሓደ ሕጽር ዝበለ ዛንታ ሒዞም ዝቐርቡ ኣለዉ። Country music ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዲ ሙዚቃ፡ መብዛሕቱኡ ግዜ ብዛንታዊ መልክዕ ብዝተቐርጹ ግጥምታት ዝቖመ እዩ። ንኣብነት፡ ኬንይ ሮጀርስ ኣብ’ታ The Gambler እትብል ደርፉ እንተርኢና፡ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ንሓደ መንእሰይ ምኽሪ ህይወት ክልግሰሉ ከሎ ብመልክዕ ካርታ (ጠላዕ) ብምምሳል ብጥበብ ክመኽሮን፡ ከም ዓስቢ ምኽሩ ካብ ናይ’ቲ መንእሰይ ዊስኪ ጎርዳዕ ከብል፡ ባቡር እንዳተጓዕዘት ዝገብሩዎ ዝርርብ ብኣዝዩ ጽፉፍ ጥበብ ቀሪጹ ኣቅሪብዎ ንረኽቦ። ምስ’ቲ ትሪምሪም ዝብል ድምጺ ጊታር ተሓዊሱ ከኣ ብሉጽ ድርፊ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ሃገርና ከም’ዚ ዓይነት ግጥሚ ብብዝሒ ዝጥቀም ኪሮስ ኣስፈሃ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። “ኣምቸ” ብኸም’ዚ ጥበብ ዝተሃንጸት ደርፉ፡ እቲ ግጥሚ’ኳ ፍኹስ ዝበለ እንተመሰለ፡ ነቶም ኣብ’ቲ ህሞት ዝነበሩ ሰባት ካብ ሓንጎሎም ዘይትሃስስ ደርፊ ምዃና ኣይተርፋን። “ኤሊዛ” ‘ውን ከምኡ። ስለ’ዚ እዚ ቅዲ ካብቶም ንደርፊ ደጋጊምካ ክትሰምዖም ዝድርኹ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ደርፍታት ሃገርና ብብዝሒ ኣይረአን።

ትዝታ

እዚ ብዝሑል ሙዚቃን ፍኹስ ዝበለ ከበሮን ዝህነጽ ዓይነት ቅዲ ደርፊ፡ ንኣወንታውን ኣሉታውን ዓይነት ናይ ህይወት ስምዒታት ክንጥቀመሉ ንኽእል። ኣብ ኣደራርፋ ምጥጥ እናበልካ ዝድረፍ ኮይኑ ንሰማዒ ኣብ ዓምዩቕ ትዝታ ሒዝዎ ክጥሕል ተኽእሎ ኣሎ። ካብ ናይ እንግሊዘኛ ደረፍቲ፡ ብኸምዚ ቅዲ ዝልለዩ ከም በዓል ማይክል ቦልቶን፡ ሊዮነል ሪችን ኣደልን ክንጠቅስ ንኽእል። ናይ ብራየን ኣዳምስ ደርፊ Have you ever really loved a woman በቲ ልሕትት ኢሉ’ሞ ግን ደስ ዝብል ድምጹ ክደርፋ ከሎ፡ ከይተረደኣካ ሒዝካ ብሓሳብ ዝሕምበብ፡ እሞ ከኣ ዘይወድቕ ደርፊ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ኣብ ሃገርና ብኸም’ዚ ክንጠቕሶ ንኽእል ዑስማን ዓብደ’ርሒም ኣሎ። ካብ’ቲ ኣዝዩ ብዙሕ ደርፍታቱ ንምጥቃስ፡ “ቆጸራ ጠሊማ” እትብል ደርፉ፡ ሓደ ዛንታ ኣብ ርእስኻ ትቐርጽ ደርፊ ኮይና፡ በቲ ስሕብ እንዳበለ ዝደርፎ ቅዲን ዝሑል ሙዚቃኣን ተሓዊሱ፡ ዘይትርሳዕ ደርፊ ኮይና ትነብር። “ወጋሕታ ብርሃን” እንተርኢና’ውን ካብ’ተን እናሻዕ ንህርመት ግጥሚ ጉትት እንዳበልካ ዝድረፋ ኮይና፡ ምስ ናይ ኢሊ ጎውልዲን “Love me like you do” ከነናጻጽራ ንኽእል። ናይ ሃይለ ገብሩ “ኣይመፍቀራን ልበይ” እውን ሓንቲ ካብኣተን እያ። እዚ ቅዲ ኣብ ሃገርና ድሕሪ ኣብረሃም ኣፈዎርቂ ደሃዩ ዘጥፈአ ይመስል። ከያኒ ጣኒቆ’ውን ኣብ’ዚ ዓምዲ ትዝታ ብዙሕ ደርፍታት ኣበርኪቱ እዩ። “ሞሞናየ” እትብል ደርፉ ግጥማዊ ትሕዝቶኣ ምስ’ቲ ብልክዕ ንዓኣ ዝገጥም ዜማኣን ህርመት ሙዚቃኣን ተሳንያ ካብ እዝኒ ሰማዕቲ ዘይትሃስስ ደርፊ ኮይና ትነብር። ናይ ናሆም ዮሃንስ “ክስዕሮ’የ” እትብል ደርፊ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ካብ ዝተሃንጻ ናይ’ዚ ቅዲ ኣብነት ሓንቲ ኮይና፡ ብሓፈሽኡ ግን እዚ ዓይነት ደርፊ ሎምዘበን ይውሕደና’ሎ።

ጓይላ

ናይ ጓይላ ህርመት ተጠቒምካ ዝግበር ደርፍታት ሃገርና ሓደ ካብ’ቲ ብዙሕ ሰማዒ ዝስሕብ ቅዲ’ኳ እንተኾነ፡ ግጥማዊ ትሕዝተኡ ኣወንታዊ ስምዒታት ዝገልጽ ምስ ዝኸውን’ዩ ዝያዳ ተመራጺ ዝኸውን። እምበር ከም’ዚ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ዝስራሕ ዘሎ ደርፍታት፡ ኣብ’ቲ ግጥሚ፡ ደራፋይ ስምዒቱ ከምዝተጎድአን ከምዝሓዘነን እንዳገለጸ ብከበሮ ተሰንዩ ሂር ሂር ሂር እንዳበለ መንኮቡ ሰቐጥቀጥ ከብል ክትርኢ እንከለኻ እዚ ጉዳይ ኣንፈቱ ከምዝሰሓተ ተስተብህል። ኣይፋልኩምን ደረፍቲ ሃገርና!! ናይ ሓዘን ስምዒታት ብናይ ጓይላ ህርመት ክስራሕ እንተተደልዩ ንምንታይ እቲ ከበሮ ዝሕል ኢሉ ጉትት እንዳበልካ ዝድረፍ ዓይነት ኮይኑ ዘይስራሕ? ንኣብነት ክፍሉ ዳኘው ዝደረፋ “ኣይቀብጸክን’የ” እትብል ደርፊ ዓባይ ኣብነት ኮይና ከም መወከሲ ክትከውን ትኽእል’ያ። ናይ ወዲ ትካቦ “ታሪኽ ኣለዎ’ቲ ጎቦ” እውን በዚ ቅዲ ተሰሪሓ ግን ከኣ ብልክዕ ዕላማኣ ዝወቐዐት ትመስል። ናይ ጓል ኣንከረ “ጎበዝ ናይ መሻሉ” ‘ውን ብልጽቲ ስራሕ ኣብ’ዚ ዓውዲ ክንብላ ንኽእል።

ዘመናዊ ሙዚቃ

እዚ ኣብ ሃገርና ብልምዲ “ዘመናዊ ሙዚቃ” ኢልና ንጽውዖ፡ ህርመት ጓይላ ዘይኮነ ዝሑል’ውን ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ቅድታት (Genres) ዝሓዘለ ኣብ ሃገርና ብድምጻውያን ከም በዓል ተኽለ ተስፋዝጊ፥ ባርያ፡ ኣብራሃም ኣፈዎርቂን ተኸስተ ሰለሙንን ብብዝሒ ዝዝውተር ዝነበረ ኮይኑ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ደሃዩ ሽታ ማይ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ምናልባት ናይ ዓቕሚ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ምኽንያቱ ጥበብ ግጥሚ ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 2017 ዝተሓትመት Shape of you ትብል ደርፊ ኤድ ሸራን ኣላ። እዛ ደርፊ ብሉጽ ዝገብራ ካብ’ቲ ብልክዕ ዝገጥማ ውህደት ሙዚቃ ንላዕሊ እቲ ግጥማ እዩ። ከም’ቲ ኣብ መብዛሕትኡ ደርፍታት እንሰምዖ፡ ኣብ መወዳእታ መስመር ዘሎ ፊደል ሓደ ድምጺ ዘስምዕ ዓይነት ዘይኮነ፡ ዳርጋ ኣብ ሙሉእ መስመር ዘለዉ ቃላት ብሓደ ድምጺ ዝሃርም ቅዲ ይጥቀም። ኣብ’ዚ ዓውዲ እትነጥፉ ደረፍቲ ሃገርና ነቲ ብዙሕ ናይ ኣምሓርኛ ደርፍታት ብቐረባ ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ዝድገም ደርፍታት (Remix)

ኣብ ቋንቋ እንግሊዘኛ፡ ኣብ ገለ እዋን ኣዝዮም ብሉጻት ዝነበሩ ደርፍታት ብብዝሒ ክድገሙ ይስምዑ እዮም። ብርግጽ ኣብ ስቱዲዮ ብኢንጅነራት እዮም ዝስርሑ። ኣብ ናትና ግን ኢንጅነራት እሞ ይትረፍ ነተን ዝርካበን መሳርሒ ሙዚቃ ንክህረማልሎም’ኳ ብኽንደይ ጋዶ ከምዝረኽብወን ኢና ንሰምዕ። ሕሉፍ ሓሊፎም ገለ ደረፍቲ፡ ህርመት ሙዚቃ ክመርጹን ክኣልዩን-ሲ ይትረፍ፡ ሳክስፎን ብድሕሪኦም ኣብ ስቱዲዮ ተቐዲሓስ፡ ዝሃረመሎም ሰብ ብኣካል ዘይርእዩ ኣለዉ እንተበልና ምግናን ይመስል ይኸውን፡ ግዳ ዘይተገብረ የለን፡ ስእነት ሕሱም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ሚለን ሃይሉ ቁሩብ ጠልቀፍቀፍ ኢላ ኔራ። “መጀመርያ ፍቕሪ” እትብል ደርፊ ጸሃይቱ በራኺ ናብ ቅዲ Blues ብምቕያር ኣመሓይሻ ደጊማታ። ብሉጽ ስራሕ ከኣ ሰሪሓ። ተመስገን ያሬድ ዝደገማ “ሊሎ” እውን ጽብቕቲ ስራሕ። ኣብ ሃገርና ዝፈረዩ ኣዝዮም ብዙሓት ዘደንቑ ደርፍታት ናይ ቀደም ኣለዉ’ሞ ኣይትፍርሕዎም ኣጆኹም፡ ፍቓድ እናሓተትኩም ‘ተኾነ ግዳ ግርም። ንኣብነት “ሳቢና” እትብል ናይ ኢንጅነር ኣስገዶም ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተደጊማስ ዓቢ ኣድናቖት ኣትሪፋ ኔራ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ምስ’ቲ ተራቒቑ ዘሎ መሳርሑ ሙዚቃታት ተሓጊዝካ ጽብቕቲ ጽራሕ ምኾነት ዝብል ርኢቶ ኣለኒ።


መደምደምታ

እዚ መዓልታዊ ኣብ Youtube ከም ማይ ነሓሰ ዝዘንብ ዘሎ ደርፍታት ሃገርና መብዛሕትኡ ደጊምካ ክትሰምዖስ ይትረፍ እታ ደርፊ’ኳ ጀሚርካ ክትውደኣ ኣይትኽእልን። ከም ትዕዝብተይ፡ መብዛሕትኡ ናይ ግጥሚ ሽግር ይረኣየኒ። ግን ኣዝዮም ብዙሓት ብቕዓት ዘለዎም ገጠምቲ ከም ዘለዉስ ዘይፈልጡ ዶ ኮይኖም ይኾኑ? ንኣብነት ኣብ ፈይስቡክ “zara getemti” ዝበሃል ጉጅለ ገጠምቲ ኣሎ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገጠምቲ ኣለዉ’ሞ በጃኻትኩም ኣብኡ ኬድኩም ተወከስዎም።

ካልእ ሽግር ዝረኣየካ ከኣ ጻዕሪ ዘይምግባር ኣሎ። ኣብ ገለገለ ደርፍታት ኣዝዩ ዝገርም መባእታዊ ጌጋታት ትርእይ’ሞ ይድንጽወካ፡ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዘሎ ክመስል ጨርባሕባሕ ክብል ከሎ እምበር ዶ ካልኣይ ግዜ ሰሚዖሞ እዮም እዚ ደርፊ ክትብል ትግደድ። ኣይፋልኩምን ቁሩብ ኣኽብሮት ሰማዒ ይሃልኹም። ናይ ገንዘብ፡ ሳንሱርን ካልእን ጸገማት ይርደኣና እዩ፡ ኮይኑ ግን ዝከኣለኩም ጻዕሪ ግበሩ።

ነቐፌታታት ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ እቶም ብሉጽ ስራሕ ሒዝኩም እናሻዕ ደበኽ ትብሉ ደረፍቲ ከኣ ኣገናዕ! ቀጽልዎ ንብለኩም።

ተወሳኺ፥-

መሸጣ ሙዚቃ

ደረፍቲ ዓስቢ ስራሓቶም ከም’ቲ ዝድለ ከም ዘይከስቡሉ እዮም ዝዛረቡ። ሓቆም እዮም። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ከምንዕዘቦ ደርፍታት ኣብ ዩቱብ እዩ ዝዝርጋሕ፡ እዚ ማለት ከኣ ኣታዊታቶም ካብ’ታ ናይ ዮቱብ ጥራሕ ትኸውን ኣላ ማለት እዩ። እሱ ግን ከምተዓዘብቲ ክንርደኦ ዘለና ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ምኽንያቱ ብዝሒ ተዓዛቢ ውሑድ ብምዃኑ። እዚ ከይኣክል ብዙሓት ውልቀ ሰባት ነቲ ደርፍታት ኣውሪዶም ከምብሓድሽ ኣብ ናቶም ቻነል ይጥቅዕዎ’ሞ እቲ ኣታዊ ይመቓቐል፡ ዓገብ ኣይፋልኩምን እቶም ከምኡ ትገብሩ ሰባት።

ካልእ ዝገርም ነገር ግን፡ ንምንታይ እዮም ደረፍቲ ሃገርና ኣብ ከም በዓል ኣማዞን ብምጥቃዕ ዋጋ ክገብሩሉ ዘይፍትኑ? መልሱ ፍሉጥ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ግን Ella records ናቶም app ብምስራሕ ፊልምታት ክሸጡ ጀሚሮም ኣለዉ’ሞ እቲ ደርፊ’ውን ከምኡ ኣሰራርሓ እንተዝግበረሉ ሓጋዚ ምኾነ።

ክኢላታት Software programming እውን ነዚ ዘይተፈተሸ ስራሕ መሸጣ ሙዚቃ እንተትጥቀሙሉ ንሙዚቃ ሃገርናን ንሰማዕትን ሰናይ ምኾነ።

ውድሓንኩም!

* * * * *

ብፊልሞን ነጸረኣብ


- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -