ጠንቅታት ዘይዕዉት ሓዳር

Must Read


“ሰንበት ተመርዕዮም ሰኑይ ተፋቲሖም።” ዝብል ዕላላት ፈቀዱኡ እንሰምዖን ዳርጋ ልሙድ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎን ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ጠንቂ ናይ’ዚ ፍትሕ ወይ ድማ ዘይዕዉት ሓዳር ምዝታይ ኣገዳሲን እዋናዊን ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ እየ ሎሚ ካብ ገለ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ካብ ትዕዝብትታተይን ዝረኸብክዎም፡ ገለገለ ጠንቅታት ዘይዕዉት ሓዳር ክዝርዝር ፈቲነ ዘለኹ።
ሓዳር ንክልተ ኣካላት ኣብ ሓደ መንፈስ ዝጠምር፡ ምስ ጀመረ ዘየቃርጽ ጉዕዞ እዩ። ኣብ’ዚ ምስ ጀመረ ዘየቃርጽ ናይ ሓዳር ግዜ ዕዉታት ኬንና ንኽንወጽእ ዝሕግዙና ገለ ነጥብታት ንርአ፡-
ኣመሳራርታ ሓዳር ብኸመይ/መዓስ

እቲ ዝዓበየ ጸገም ኣብ ሓዳር፡ ኣብ ኣመሳራርታ ናይ’ቲ ሓዳር እዩ። እዚ ማለት ቅድሚ ኣብ ሓዳር ምጽማድና ብቕዓትና ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ነገራት ከነረጋግጽ ይግባእ፡፡ ከም ኣካላዊ፡ ኣአምሮኣዊ፡ መንፈሳዊን ቁጠባዊን ነገራት። ብቅዓትና ኣብ’ዞም ነገራት ከመይ ይመስል ምፍላጥ ካኣ ኣብ ቀጻልነት ናይ’ቲ ዝምስረት ሓዳር ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ካልኣይ፡ ሓዳር ክንምስርት እንከለና ብዕላማ ወይ ብርዲኢት፡ ትርጉምን ጽባቐን ሓዳር ተረዲእና ዲና ንምስርቶ ዘለና ወላስ ንግዝያዊ ጸገምና ከም መፍትሒ እትኾነና/ዝኾነና መጻምድቲ ስለዘድለና ኢና ናብ ሓዳር ሃንደፍደፍ ንብል ዘለና? ንኣብነት ናይ ደገ ምኻድ ሕልሚ ወይ’ውን ሃብታም ናይ ምዃን ባህጊ ስለዘለና’ሞ ነዚ ክዉን እትገብረልና/ዝገብረልና መጻምድቲ ስለዝረኸብና ጥራይ ሓዳር ንምስርት እንተኼንና፡ እታ ናይ ደገ ምኻድ ሕልምና ምናልባት ክትገሃደልና ትኽእል ትኸውን፡ እንተኾነ ግን ናይ ህይወት ነገር፣ ባህግና፡ዕላማናን ዝንባለናን ምስ መጻምድቲ ዘይሳነ ኮይኑ ምስ ትጸንሕ ኣይትሰማማዓን። ከም ውጺኢቱ ካኣ ብቐሊሉ ናብ ፍትሕ ከነምርሕ ንኽእል፡፡ ስለ’ዚ ኣብ ኣመሳራርታ ናይ ሓዳርና ጥንቁቃት ምዃን የድልየና።
ቅድሚ ሓዳር ምምስራትና ኣፍልጦና ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይመስል?

ምናልባት ሰብ ቅድሚ ሓዳር ምምስራቱ፡ በቲ ሰብ ንሓዳር ዝህቦ ዝተፈላለየ መግለጺ፡ ከሙኡ ድማ ካብ ትዕዝብታቱ ብዛዕባ ሓድር ‘ዩ ዝፈልጥ። ንሓዳር ግን ሓዳር ምስ ገበረ ጥራይ’ዩ ሰብ ዝፈልጦ፡፡ ስለዚ’ዩ ድማ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ተማሃራይ ምዃን ከም ዘድልዮ ሞያውያን ኣማኸርቲ ናይ’ዚ ዓውዲ ዝሕብሩ። ንፉዕ ተማሃራይ ኮይኑ ንኽወጽእ ድማ ኣብ’ዘን ናይ መጀመሪያ ክልተ ዓመታት ብዙሕ ጻዕሪ ይሓቶ። ነዚኤን ብዓወት ምስ ዛዘመ ድማ ኣብቲ ጀሚሩ ዘየቃርጽ ሂወት ብሉጽ ናይ ሓዳር ግዜ ክቋደስ ኣይጽግሞን። ካልእ ሓዳር ክትምስርት እንከለኻ ንሓዳር ከም ዕላማ ዲኻ እትርእዮ ወላስ ከም ዓይነት ምንቅስቃስ? ንሓዳር ከም ሓደ ዓይነት ምንቅስቃስ ወይ ለውጢ ሪኢኻ ጥራይ እንተመስሪትካዮ፡ርዲኢትካ ኣብ ሓዳር ኣይሰፍሐን ኣሎ። ከም ውጺቱ ድማ ኣብ ሓዳርካ ዕዉት ክትከውን ዘሎ ተኽእሎ ዝተሓተ ይኸውን ማለት’ዩ፡፡ እንተዳኣ በንጻር እዚ ንሓዳር ከም ሓደ ዕላማ/ሓላፍነት እትርእዮ ኮንካ ግን ንዕላማ ድማ ጻዓሪን መስዋእትን ከም ዘድልዮ ተረዲእካ ነዚ መስዋእቲ እዚ ክትከፍል ድሉው ክትከውን የድልየካ፡ ምኽንያቱ ሓዳር ማለት ሂወት፡ሓላፍነት፡ ውላድ ማለት ስለዝኾነ።
ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ብሉጽ መጻምዲ ብኸመይ ንረክብ?

ቅድሚ ብሉጽ መጻምድቲ ምድላይና ኣብ ገዛእ ርእስና ብሉጽ መንነት ምህናጽ የድልየና፡፡ ብሉጽ መንነት ክብል ከለኹ ድልየታትካ፡ ዝንባለኻ፡ ዕላማታትካ፡ ራኢታትካ ምፍላጥ’ዩ ዘጠቃሊል፡፡ እዚ ምስ ፈለጥና ጥራይ ኢና ንዓላማና እትድግፍ ንባህግታትና እትምግብ መጻምድቲ ኣብ ምንዳይ ክንኣቱ ዘለና። መንነትካ ከይፈለጥካ እተምጻኣ መጻምድቲ ግን ምናልባት ምስ’ቲ ናትካ ባህግታት ዘይክትቃዶ ትኽእል እያ። እዚ ድማ ናብ ዘይዕዉት ሓዳር ክመርሓካ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎዎ። ስለ’ዚ ብሉጽ ሓዳር ንምህናጽ፡ መጀመርያ ብሉጽ መንነት ምህናጽ ከሓተካ እዩ።
ንሓዳርና ክንደይ ግዜ ኢና ንህቦ?

ገለገለ ሰብ ሓዳር፡ ንገዛ ክኣትዉ ከለዉ ብዙሕ ገንዘብ ሒዞም ስለዝመጹ ጥራይ፡ ኩሉ እቲ ንሓዳር ዝድሊ ነገራት ዘማልኡ ኮይኑ ክስምዖም ይኽእል’ዩ። ገንዘብ ግን ኣብ’ዚ ሂወት ሓዳር ንገለ ክፋል ጥራይ ዩ ክሽፍን ዝኽእል። እቲ ዝዓበየ መጻምድትኻ ካባኻ እትጽበዮ ነገር፡ ግዜን ቀዳምነትን ምዃኑ ከተስተውዕል ይግባእ።
ኣብ ገለ እዋን ቆልዓ ድሕሪ ምውላድካ፡ “ሰበይተይ ናብኡ ዘንቢላ/ሰብኣየይ ናብኡ ዘንቢሉ።” ዝብሉ ወቐሳታት ይስምዑ እዮም፡፡ ዝበዝሓ ግዜኺ/ኻ ምስ ቆልዓኻ ተሕልፎ/ፍዮ እንተኾንካ፡ እታ ሰበይቲ ትጽበየካ እያ እቲ ሰብኣይ’ውን ይጽበየኪ እዩ። ኣብ’ዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ወላ’ውን ወለዲ ምስ ኮንና ሰብኣይን ሰበይቲን ምዃን ከም ዘድልየና ምዝካር የድሊ። ካልእ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ኮንካ ኢሂን ምሂን ትባሃለሉ ግዜ እንተዋሓደ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ሰዓት ክትፈሊ ከም ዘለካ ሞያውያን ክኢላታት ናይ’ዚ ዓውዲ ይመኽሩ። እዛ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ እትራኻበላ ሰዓት ኣብ ገዛ ወይ’ውን ኣብ ደገ ሻሂ እናሰተኻ ክትከውን ትኽእል። ኣብ’ዛ ርክብ እዚኣ ድማ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከም ኣብነት ብዛዕባ ሓዳርካ፡ ፍቅርኻ፡ ዝምድናኻ፡ ዘለካ ጸገማት ከሙኡ’ውን ብዛዕባ መጻኢኻን ካልእን ክትዝቲን ክትረዳዳእን ትኻእል። ኣብ ሓዳር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክትጓነጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ቀመም ሓዳር ይባሃል። ምናልባት ኣብ ሓዳርና ተባኢስና ኣይንፈልጥን ኢና ዝብሉ ሰባት እንተለዉ፡ እዚኣ ጽብቅቲ ሓዳር ኣይኮነትን፡ ምኽንያቱ ብዝያዳ ተጻዋርነት ናይ ሓዲኦም መጻድቲ እትኸይድ ዘላ ሓዳር እያ፡፡ ወላ’ውን ባህግታትናን ድልየታትናን ይሳነ ብገለ ነኣሽቱ ጉዳያት ክትኮራረ ትኽእል ኢኻ፡ ቅዱስ መጽሓፍና ውን እንተኾነ “ኣብ ኩራኹም ጸሓይ ኣይዕረብኩም” ዝብለና ኣብ ሓዳር ግርጭት ከም ዘሎ ንኸረዳኣና እዩ። ስለ’ዚ እዛ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ሰዓት ኢልና ዝፈለናያ ብልጽቲ ግዜ ከም’ዚ ዓይነት ሓርጎጽጎጽ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ኣብ ክንዲ ከም መጥፋእቲ ሓዊ ጉዳያት መምስ ተወልዑ ጥራይ ንምጥፍኦም ሸበድበድ ንብል፡ እቲ ባይታ ኣቐዲምና ፈጢርናዮ ወይ ኣንጺፍናዮ ስለዘለና ኣብ ምፍትሖም ኣይንሽገርን።
ሳዕቤን ምትእትታው ሳልሳይ ኣካል ኣብ ሓዳር

ከምቲ ኣቐዲምና ዝራኣናዮ፡ ኣብ ሓዳርካ ክትጓነጽ ባህርያዊ እዩ። እዚ ነገራት ከጋጥም ከሎ ናብ መሓዙትኪ ወይ ናብ የዕሩኽትኻ ብምኻድ ንመጻምድኻ ኣካልካ ምዃኑ ዘንጊዕካ፡ ካብ ነብስኻ ኣርሒቅካ ብምጥማት ንሓዳርካ ትሸጠሎም/ትሸጥሎም እንተኾንካ/ኪ፡ ኣብ መውዳእታ ንሓዳርካ ኣበየናይ ዕዳጋ ኢኻ ሸጥካዮ ምፍላጥ ከገድሰካ እዩ። ናብ ሕሱር ዕዳጋ ዶ ናብ ክቡር ዕዳጋ!!? ዝበዝሑ ሰብ ሓዳር ተፋቲሖም ጸኒሖም ክዕረቁ እንከለዉ ዝሽግሮም ነገር፡ ነቲ ኣብ ፈቀዱኡ ዕዳጋታት ፋሕ ኢሉ ዝጸንሐ ወረ ሓዳሮም ምእካብ እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ሓዳርና ንዘጋጥሙ ጸገማት ናትና ናይ ባዕልና ሽግራት ሙዃኖም ፈሊጥና ኣብ ውሽጥና ባዕልና ንባዕልና ክንፈትሖም ወይ’ውን ንግዜ ክንገድፎም ይግባእ። ምኽንያቱ ግዜ ንኹሉ ዝፍውስ መድሃኒት ስለዝኾነ፡፡
ናይ ደረጃ ፍልልያት

ትምህርቲ ዕድመ ስለዘይፈሊ ወላውን ድሕሪ ሓዳር ምምስራትካ ብፍቃድ ናይ መጻምድትኻ ደርጃኻ ንምምሕያሽ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ። ንሳ ሓዳርኩም ክትኣሊ ውላድካ ከተዕቢ ንስኻ ተማሂርካ ዶክተር፡ ፕሮፌስተር ፡ ኢንጂነር…ወዘተ ክትከውን ግን ብዋጋ መን ኢኻ በጺሕካዮ ምዝካር ኣገዳሲ ይኸውን። ምናልባት ኣብ’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ፡ ኣብ ገዛ ሰብኣይ ንሰበይቱ ሰብኣያ ጥራይ እዩ፡ ሰበይቲ ድማ ኣብ ገዛ ንሰብኣያ ሰበይቱ ጥራይ እያ። ካብ ገዛ ምስ ወጻኻ ግን ምኒስተር፡ ዶክተር፡ መምህር፡ ኣማሓዳሪ ዞባ… ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ንሓዳርካ ንምጥጣሕ ዝሕግዘካ ሞያ እዩ። ስራሕካ ውዒልካ ንገዛ ክትኣቱ ከለኻ ግን ነታ ሚኒስተር እትብል መሳርሒትካ ቅጽል (uniform) ኣብ ኣፍደገ ገዲፍካያ ክትኣቱን፡ ክትወጽእ ከለኻ ድማ መዕየዪት ስራሕካ ስለዝኾነት ተማሊእካያ ክትከይድ ይግባእ። ኣማሓዳሪ ስለዝኾንካ ጥራይ ገዛ ምስ እተኻ ደቅኻን በዓልቲ ቤትካን ሸቖጥቆጥ ክብሉልካ ትጽበዮም እንተለኻ፡ ገና ርዲኢትካ ብዛዕባ ሓዳር ኣይዓበይን ኣሎ ማለት’ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዘይክትሰማማዕ ትኽእል።

ኣብ መወዳእታ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮም ነገራት ከም ዘማላእና ምስ ኣረጋገጽና ጥራይ እንምስርቶ ሓዳር ናብ ዕዉት/ብሉጽ ሓዳር ክመርሓና ይኽእል። ዕዉት ማለት ግን ቁጠባዊ ዕብየት ዘርኣየ ሓዳር ማለት ኣይኮነን እንታይ ዳኣ ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ሂወት፡ ፍቅሪ፡ ቅሳነትን ምርድዳእን ዝመልኦ ሂወት’ዩ ዕዉት ሓዳር ዝባሃል። ዕዉት ሓዳር ከም ዝመስረትና ንምርግጋጽ መጀመርያ ንነብስና “ኣነ ኣብ ሓዳረይ ዕዉት ንክኸውን እጃመይ ኣበርኪተ ዶ?” ኢልና ንነብስና ክንሓታ ይግባእ። “ኣየበርከትኩን” እንተኮይኑ እቲ መልሲ ንኸበርክት እንታይ ክገብር ኣለኒ? ኣበርኪተ እንተኾይነ ድማ ነታ መጻምድተይ ከም’ዚ ናተይ ውጺኢት ንኽትህብ እንታይ ክገብር ኣለኒ? ክግስጻ፡ ከነኣእሳን ከሸንፋን ዘይኮነስ ክድግፋ ክሕብሕባ እዩ ዘለኒ። እዚ ምስ ንገብር ኢና ብሉጽ ሓዳር መስሪትና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል።

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -