General

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።

ይኣክል፡ ምስትምቓር ደርፊ ዮሃንስ ትካቦ

ወዲ ትካቦ ብለካቲት 24, 2019 ሓንቲ ሓጻር ቪድዮ ኣብ ፈይስቡክ ዘርጊሑ ኔሩ። ትሕዝቶ'ቲ ቪድዮ መቐጸልታ ናይ'ቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝቐነየ "ይኣክል" ዝብል ሰላማዊ ጭርሖ ዝሓዘለ ኮይኑ፡ ወዲ ትካቦ ብሓጺር መግለጺ ጀሚሩ ቀጺሉ ብክራሩ ኣሰንዩ ሓንቲ ደስ ትብል ደርፊ ብምድራፍ ዛዚሙ።

ዘመነ ጽገና (THE REFORMATION)

" ማርቲን በዚ ግብሩ ህይወቱ ክትጠፍእ ከምትኽእል ኣይዘንገዐን ግዳ "ኣንጻር ሕልናኻ ምኻድ፡ ውሑስ ኣይኮነ ቅኑዕ ኣይኮነ" ብምባል ኣደልዲሉ ረገጸ። ማርቲን ሉተር ዝሓሰቦ፡ ቤት መቕደስ ኣሰራርሓኣ ከተመዓራሪ፡ ዘይተጸበዮ ግን ንኤውሮጳ ክርቢት ሸርጢጥላ ክበሃል ይከኣል። ህዝቢ ናብ ክልተ ተገሚዑ ክኳሳተር ጀመረ። ፈቐዱኡ ህዝባዊ ናዕቢ ተላዒሉ ማእለያ ዘይብሉ ደም ፈሰሰ። ጸጸኒሑ ዝለዓል ህዝባዊ ናዕቢ!..." " ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ንጽገና (Reformation) ኣብ እምነት ምስልምና ንምትግባር ዝጽዕሩ ብዙሓት ተኸተልቲ ምስልምና ዝኾኑ ምሁራት ኣስላም ከምዘለዉ ይፍለጥ ..."

ጠንቅታት ዘይዕዉት ሓዳር

"ሰንበት ተመርዕዮም ሰኑይ ተፋቲሖም።" ዝብል ዕላላት ፈቀዱኡ እንሰምዖን ዳርጋ ልሙድ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎን ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ'ሎ። ስለ'ዚ ብዛዕባ ጠንቂ ናይ'ዚ ፍትሕ ወይ ድማ ዘይዕዉት ሓዳር ምዝታይ ኣገዳሲን እዋናዊን ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ እየ ሎሚ ካብ ገለ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ካብ ትዕዝብትታተይን ዝረኸብክዎም፡ ገለገለ ጠንቅታት ዘይዕዉት ሓዳር ክዝርዝር ፈቲነ ዘለኹ።"

Animal farm/ሕርሻ እንስሳ

"ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ዝዛረቡ እንስሳታት ከም ተዋሳእቲ ብምግባር ብጽውጽዋያዊ መልክዕ ዝተሰርሐ ልብወለድ ኮይኑ ንሓደጋታት ሰውራ ራሻ ብጥበብ መልክዕ (allegory) ኣቕሪብዎ ይርከብ። ሰውራ ራሻ ብኸመይ ካብ ህዝባዊ ቃልሲ ናብ ውልቀ መላኺ ከምዝተሰጋገረት ትገልጽ ጥራሕ ዘይኮነት፡ ካብ ራሻ ሓሊፋ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየድ ብዙሕ ሰውራታት ንክትርዳእ ዓይኒ እትኸፍት መጽሓፍ እውን እያ።"

ሕጽበተ ኣእምሮ (Brainwash)

"ሓደ መንግስቲ ቀጻሊ ዝገብሮ ነገር እንተሃልዩ፡ ብመንገዲ ፖለቲከኛታቱን (propagandists) መራኸቢ ብዙሃንን ኣቢሉ እኹል ፕሮፖጋንዳ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሓደ ናይ ሓባር መረዳእታ ኣብ ልዕሊ መንነትን ስርዓተ መነባብሮን ክፈጥር ይጽዕር። ብመንገዲ ተጻራሪ ውድብ ወይ ኣካል ኣቢሉ ንዝመጽእ ሓበሬታታት ከኣ ብዝተኻእለ መጠን ይዕፍን። መንግስቲ ንፕሮፖጋንዳ ብዝግባእ ምስ ዝሰርሓሉ ኣተሓሳስባ ህዝቡ ብምቁጽጻር ሰጥ ለበጥ ኢሎም ዝኸዱ ኣባጊዕ ክቕይሮም ይኽእል። ንጽርግያታት እንዳኾለሉ ዝሕልዉ ወተሃደራት’ውን ኣየድልይዎን እዮም።"

ቢትኮይን (Bitcoin)

ኣብ ጥሪ 2009 ዓ.ም፡ መን ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈልጠ “ሳቶሺ ናካሞቶ” ነዚ ዝተጠቕሰ ቢትኮይን ዝበሃል ገንዘብ ኣብ ሓደ ምዕቡል ብሎክቸይን ዝበሃል ሶፍትወየር ኣንጺፉ ኣብ ኢንተርነት ዘርገሖ። ቢትኮይን፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዓለምና ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተቖጻጻሪ ኣካል ዝንቀሳቐስ፡ ምስ’ዚ መንግስቲ ይኹን ማእከላይ ባንኪ ክቆጻጸሮ ብዘይክእል መልክዕ ዝተሰርሐ ዓይነት ሶፍትወየር ተሳንዩ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ከንሳፍፍ ጀመረ።

A satire: To learn from and unlearn

"Entay eu zbl zelo ata ezi" said, loudly, in an interjectional tone the twig he was using to brush his teeth with, nearly to fall. It was around seven in the morning as I could see from the digital clock blinking at the minibuses dashboard."

MEDIA DECEPTION: SEEING IS NOT BELIEVING

"...This brainwashing and societal stupidity is socially engineered by highly trained psychologists and implemented by hired expert journalists to control what you think, what you believe, what you eat and drink, what you consume (buy) and even how you behave; ..."

ጾታዊ ርክብ፡ ገለ ካብ ኣጠቓቕማ

"...ጾታዊ ርክብ ዝበዝሑ ሰባት ስምዒትካ ኣርዊኻ ናይ መጻምድትኻ ስምዒታት ኣብ ግምት ከየእተኻ ከም ምፍጻም እዮም ዝርድእዎ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ተመራመርቲ ኣብ ብዙሓት ዕዉታት ሰብ ሓዳር ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕትታትን ዝጥቀሙሉ ኣገባባት ጾታዊ ርክብን ዘዳለውዎ ጽሑፋት ነዚ ይመስል።..."
- Advertisement -

Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -