Filmon Netsereab

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።

ይኣክል፡ ምስትምቓር ደርፊ ዮሃንስ ትካቦ

ወዲ ትካቦ ብለካቲት 24, 2019 ሓንቲ ሓጻር ቪድዮ ኣብ ፈይስቡክ ዘርጊሑ ኔሩ። ትሕዝቶ'ቲ ቪድዮ መቐጸልታ ናይ'ቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝቐነየ "ይኣክል" ዝብል ሰላማዊ ጭርሖ ዝሓዘለ ኮይኑ፡ ወዲ ትካቦ ብሓጺር መግለጺ ጀሚሩ ቀጺሉ ብክራሩ ኣሰንዩ ሓንቲ ደስ ትብል ደርፊ ብምድራፍ ዛዚሙ።

ዘመነ ጽገና (THE REFORMATION)

" ማርቲን በዚ ግብሩ ህይወቱ ክትጠፍእ ከምትኽእል ኣይዘንገዐን ግዳ "ኣንጻር ሕልናኻ ምኻድ፡ ውሑስ ኣይኮነ ቅኑዕ ኣይኮነ" ብምባል ኣደልዲሉ ረገጸ። ማርቲን ሉተር ዝሓሰቦ፡ ቤት መቕደስ ኣሰራርሓኣ ከተመዓራሪ፡ ዘይተጸበዮ ግን ንኤውሮጳ ክርቢት ሸርጢጥላ ክበሃል ይከኣል። ህዝቢ ናብ ክልተ ተገሚዑ ክኳሳተር ጀመረ። ፈቐዱኡ ህዝባዊ ናዕቢ ተላዒሉ ማእለያ ዘይብሉ ደም ፈሰሰ። ጸጸኒሑ ዝለዓል ህዝባዊ ናዕቢ!..." " ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ንጽገና (Reformation) ኣብ እምነት ምስልምና ንምትግባር ዝጽዕሩ ብዙሓት ተኸተልቲ ምስልምና ዝኾኑ ምሁራት ኣስላም ከምዘለዉ ይፍለጥ ..."

Animal farm/ሕርሻ እንስሳ

"ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ዝዛረቡ እንስሳታት ከም ተዋሳእቲ ብምግባር ብጽውጽዋያዊ መልክዕ ዝተሰርሐ ልብወለድ ኮይኑ ንሓደጋታት ሰውራ ራሻ ብጥበብ መልክዕ (allegory) ኣቕሪብዎ ይርከብ። ሰውራ ራሻ ብኸመይ ካብ ህዝባዊ ቃልሲ ናብ ውልቀ መላኺ ከምዝተሰጋገረት ትገልጽ ጥራሕ ዘይኮነት፡ ካብ ራሻ ሓሊፋ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየድ ብዙሕ ሰውራታት ንክትርዳእ ዓይኒ እትኸፍት መጽሓፍ እውን እያ።"

ሕጽበተ ኣእምሮ (Brainwash)

"ሓደ መንግስቲ ቀጻሊ ዝገብሮ ነገር እንተሃልዩ፡ ብመንገዲ ፖለቲከኛታቱን (propagandists) መራኸቢ ብዙሃንን ኣቢሉ እኹል ፕሮፖጋንዳ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሓደ ናይ ሓባር መረዳእታ ኣብ ልዕሊ መንነትን ስርዓተ መነባብሮን ክፈጥር ይጽዕር። ብመንገዲ ተጻራሪ ውድብ ወይ ኣካል ኣቢሉ ንዝመጽእ ሓበሬታታት ከኣ ብዝተኻእለ መጠን ይዕፍን። መንግስቲ ንፕሮፖጋንዳ ብዝግባእ ምስ ዝሰርሓሉ ኣተሓሳስባ ህዝቡ ብምቁጽጻር ሰጥ ለበጥ ኢሎም ዝኸዱ ኣባጊዕ ክቕይሮም ይኽእል። ንጽርግያታት እንዳኾለሉ ዝሕልዉ ወተሃደራት’ውን ኣየድልይዎን እዮም።"

ቢትኮይን (Bitcoin)

ኣብ ጥሪ 2009 ዓ.ም፡ መን ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈልጠ “ሳቶሺ ናካሞቶ” ነዚ ዝተጠቕሰ ቢትኮይን ዝበሃል ገንዘብ ኣብ ሓደ ምዕቡል ብሎክቸይን ዝበሃል ሶፍትወየር ኣንጺፉ ኣብ ኢንተርነት ዘርገሖ። ቢትኮይን፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዓለምና ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተቖጻጻሪ ኣካል ዝንቀሳቐስ፡ ምስ’ዚ መንግስቲ ይኹን ማእከላይ ባንኪ ክቆጻጸሮ ብዘይክእል መልክዕ ዝተሰርሐ ዓይነት ሶፍትወየር ተሳንዩ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ከንሳፍፍ ጀመረ።

ስቶይሲዝም (Stoicism)

“ሶቅራጦስ፡ ነዚ ፍልስፍና ስቶይሲዝም ብልክዕ ዝነብሮ ዝነበረ ይመስል።” ብምባል ይጠቕሶ ፈላስፋ በርትራንድ ራስል። ኣማውታ ሶቅራጠስ እንተተዓዚብና፡ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐቢሉ መርዚ ክጭልጥ እንዳተቓረበ፡ ድምብርጽ ከይበሎ ነቲ ሞት ከይተረፈ ብሓጎስ ተቐቢሉ፡ “ኣብ’ታ ካልእ ዓለም ከማን ከምድላይና ሕቶታት ንሓተላን ንካተዓላን ዓለም ቀልጢፍና ንኸይድ” እናለ ሓሊፉ።

ቅዛነት ( Depression)

ኣብ ገለ ገለ እዋን ዳርጋ ኩሉ ሰብ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከቢድ ጓሂ ከጋጥሞ ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ካብ ስራሕ ምስጓግ፡ ትፈትዎ ሰብ ምኽሳር፡ ተስፋ ዘንበርናሉ ነገር ከም ሃፋ ክበንን ከሎን ካልእን ኣብ’ዛ ዓለም ምንባርና ከምዘብቀዐ ርእስና ኣድኒንና ብጓሂ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን ኩሉ ነገር ተረሲዑ እቲ ሕማቕ ስምዒታት ባዕሉ ይጠፍእ’ሞ “ከም ሻሙ!” ኢልና ናብ ንቡር ሂወትና ንምለስ። እዚ ግን ተራ ጓሂ ወይ ጸቕጢ (stress) ድኣ’ምበር ሕማም ቅዛነት ክበሃል ኣይከኣልን። ቅዛነት ግን ካልእ እዩ።

ጽልዋ መጽሓፍ “ዴስነታዊ ማኒፈስቶ”

"ሃብቲ ሃገር ኩሉ ሰብ ብማዕረ ዝውንኖ፡ ኩሉ ማዕረ ኮይኑ ዝነብረላ መንግስቲ ዘየድልያ ብልጽግቲ ዓለም ከኣ ክትፍጠር እያ፡ ክብል ስምዒት ብዘለዓዕል መንገዲ ፍልስፍንኡ የቐምጥ፡ ማርክስ። ነዚ ከኣ ዴስነት ኢሉ ይጽውዖ።"

ሓዳርን ዓራትን

"ንምንታይ ኢና ግን ኣብ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ክንፍጽም ንግደድ? መልሱ፡ ኣብ ሓንጎልና ሓደ PEA ዝበሃል ቀመም ወይ ኬሚካል ኣሎ። እዚ ቀመም ስርሑ፡ ብዓይኒ ርክብ ንጥምቶም ደስ ዝብሉና ሰባት ክንርእይ ከለና፡ ነቲ ናይ ፍትወትን ሕጉስ መንፈስን ስምዒታት ዘለዓዕል ቀመም እዩ። ኣብ ኣካላትና፡ ብደምና እንዳተዛወረ ደስ ዝብል ስምዒት ይፈጥር። እንተኾነ ግን ድሕሪ ከባቢ ክልተ ዓመት ኣቢሉ እዚ ቀመም እዚ እንዳጠፈአ ይኸይድ’ሞ፡"

About Me

10 POSTS
0 Comments
- Advertisement -spot_img

Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -spot_img