ሕጽበተ ኣእምሮ (Brainwash)

Must Read

ኣብ 1950 እዩ፡ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ኣሜሪካ ተማሪኾም ኣብ ቤት ማእሰርትታት ቻይና ተሓይሮም ነበሩ። እዞም ወተሃደራት፡ ሰሜን ኮርያ ብቻይና እንዳተሓገዘት ንደቡብ ገጻ ምስ ወረረት፡ ኣሜሪካ ንደቡብ ኮርያ ብምሕጋዝ መልሲ መጥቃዕቲ ጌራ ተሳጉጎም ኣብ ዝነበረትሉ ኲናት ዝተማረኹ እዮም።

እዞም ምሩኻት ኣሜሪካውያን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ተለቒቖም ምስ ተመልሱ ሓደ ዘገርም ነገር ተራእዩ። ኣብ ኣሃዱታቶም ማእሰርቶም ከመይ ከምዝነበረ ኣብ ዝተሓተቱሉ ግዜ፡ ስቓይን ጭካነን ቻይና ከዘንትዉ እዩ ኔሩ እቲ ትጽቢት። ብኣንጻሩ ግን እዞም እሙናት ዝነበሩ ወተሃደራት ኣሜሪካ፡ ንኣካይዳ ቻይና ክምጉሱን ኣሰራርሓ ዴስነት (communism) ከመይ ድንቂ ንዓለም ዝጠቅም ስነሓሳብ ምዃኑ ከረድኡን ዲግ ኢሎም ተማጎቱ። መራሕቲ ኣሜሪካ “ወይለከ ናጤባ!” ኢሎም ገሪምዎም ከስተንትኑ ጀመሩ። ቻይና ከመይ ጌራ ፍጹም ክትቅይሮም ከምዝኸኣለት ንምፍላጥ ከኣ ኣሜሪካ ብመንገዲ CIA፡ ሓደ “ኤድዋርድ ሃንተር” ዝተባህለ ሰላይ ሰደደት።

ኤድዋርድ ሃንተር ናይ ስለያ ስርሑ ኣከናዊኑ ብሰላም ምስ ተመልሰ መጽሓፍ ምሉእ ኣሕተመ። ነቲ ቻይና ዝተጠቕመትሉ ኣገባብ “ሕጽበተ ኣእምሮ (Brainwashing)” ክብል ሰይምዎ። ኣብ መጽሓፉ ክገልጽ ከሎ፡ ዕላማ ቻይና ነዞም ወተሃደራት ናታ ኣገልገልቲ ንምግባር እዩ። ግዳ ኣብ ክንዲ ከም’ቲ ብልምዲ ንባራዩን ንምሩኻትን ዝግበር ንኣካሎም ምእሳር ዘይኮነ፡ ሓንጎሎም ፍጹም ብምቁጽጻር ናብ ዘስተንፍሱ ሮቦት ምቕያር ነበረ። ነቲ ምስኣቶም ዝነበረ ኣተሓሳስባ ፍጹም ደምሲስካ ሓድሽ መተካእታ ብምስኳዕ ናትካ ምግባሮም። ተዓዊታትሉ ከኣ።

እምበኣር ምሕጻብ ኣእምሮ ክግለጽ ከሎ፡ ኣተሓሳስባን እምነትን ሰባት ኮነ ኢልካ ንምጥምዛዝ ዝግበር ጥበብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ጥበብ ዝትግበር፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓጺር ግን ከኣ ጽዑቕ ጻዕሪ ዝተሓወሶ ግዜ እዩ። ዊልያም ሰርጀንት ዝተባህለ ተማራማሪ ክገልጽ ከሎ፡ እዚ ንፖለቲካዊ መዓላ ተባሂሉ ዝግበር ምሕጻብ ሓንጎል ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕክምና (psychotherapy) ዝግበር ንሕሙም ኣተሓሳስባኡ ንምቕያር ዝግበር ጥበብ ወይ ከም’ቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብስብከት ካብ ሓደ ሃይማኖት ናብ ካልእ ንምቕያር ዝግበር ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥበብ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ግን ቁሩብ ግፍሕ ዝበለ ኮይኑ፡ ኣተሓሳስባን እምነትን ናይ’ቲ ግዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ጠቕላላ መንነቱን ናይ ኣነባብራ ኣካይድኡን ከይተረፈ ንምቕያር እዩ።

ወዲ ሃገረ ራሻ ዝኾነ ተማራማሪ ኢቫን ፓቭሎቭ ኣቐዲሙ ተዓዋቲ ኖበል ሽልማት ኣብ ካልእ ዓውዲ ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሒሩ ኣብ’ዚ ዓውዲ ምሕጻብ ኣእምሮ ጥልቕ ዝበለ ናይ ሓንጎል (nervous system) መጽናዕትታት ኣካይዱ ኔሩ። ኣብ እንስሳታት ብምፍታን ኣብ ዝረኸቦ ውጽኢት ከኣ ነቲ ቻይናን ራሻን ኣብ ዒስራ ክፍለዘመን ዝጥቀማሉ ዝነበራ ጥበብ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢሉ ይገልጾ።

መጀመርያ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸቕጢ ይግበር። ብድሕሪኡ እቲ ግዳይ ጸቕጢ በርቲዕዎ ክቋጻጸሮ ዘይክእል ናይ ስምዒት መንፈስ ምፍጣር። ባዕሉ ዝውስኖም ሓሳባትን መደባትን ከምዘይህልውዎ ምግባር። ጸቕጢ እንዳቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ከኣ፡ እቲ ግዳይ ምስኡ ዝነበሩ ኣተሓሳስባ ንግዚኡ ደው ምባሎም ይከኣል (psychological breakdown)። ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ሓድሽ ሓሳባት ኣምጺኻ ምስ እትሰኹዓሉ፡ ኣብ ውሻጠ-ውሽጣ ሓንጎሉ ኣትዩ ብስነስርዓት ከም ዝሰርጽ ይግበር። ብድሕሪኡ ነዚ ድሒሩ ዝተነድቀ ስነ ሓሳብ ንምቕያር ኣዝዩ ከቢድ ይኸውን።

ኣብ ሂወትና ኣዝዮም ንስምዒት ዝትንክፉ ኩነታት ኣብ ዘጋጥሙሉ፡ ኣተሓሳስባና ብኡ መጠን ክጽሎ ይረአ እዩ። ብፍላይ ምስ ኣካላዊ ጉድኣት ዝተሓሓዝ ምስዝኸውን። ብርቱዕ ጓሂ፡ ሕርቃን፡ ራዕዲ፡ ጣዕሳ፡ ፍቕሪ ወይ ቅንኢ ከስዕቡልና ዝኽእሉ ናይ ሞራል ምትንኻፋት ነስተብህል ንኸውን። ብኡ መጠን ተስፋ፡ ሓጎስ፡ ውሕስነት ወይ ዓወት ከኣ ሞራልና ሓፍ ከብልዎ ንቡር እዩ። እዞም ናይ ስምዒት ኣካላት እዚኣቶም እምበኣር ቀንዲ መሳርሒ ምሕጻብ ሓንጎል እዮም።

እዚ እኩይ ጥበብ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ክትግበር እንከሎ፡ ንግዳይ መጀመርያ ናይ ራዕዲ መንፈስ ከምዝሓድሮ እዩ ዝግበር። ንመጻኢ ዘፍርሕ ነገር ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ይጽበዮ ከምዘሎ ጌርካ ናይ ምእማን መስርሕ። ብናይ ፍርሒ ስምዒት ምስ ተዋጠረ ንዝወሃቦ መርትዖታት ከኣ ወላ ነቲ ኣቐዲሙ ኣሚንሉ ዝነብር ዝነበረ ሓሳባት ከምዝጠራጠር ይኸውን። ብድሕሪኡ ነቲ ዘፍርሕ ነገር መፍትሒ ዝኸውን ሓሳባት ብጥበብ ይቕረበሉ’ሞ እቲ ግዳይ ብተስፋ ሞራሉ ሓፍ ይብል። ብድሕሪኡ ነዚ መፍትሒ ዝበሃል ዘሎ ነገር ንኸይትግበር ዝዓግት ነገራት ብምዝርዛር ናይ ሕርቃን ስምዒት ከምዝለዓዓሎ ይግበር። ብድሕሪኡ ንዝወሃቦ ስነ-ሓሳባት ከምዘለዎ ንክቕበልን ኣሚኑ ንኽሰርሕን ኣብ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቁጽጽር ከምዝኣቱ ይኸውን።

ሓንጎል ምሕጻብ፡ ብህዝቢ ደረጃ

ሓንጎል ምሕጻብ፡ ብሓባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ’ውን ክትግበር ይከኣል እዩ። ኣብ ታሪኽ ምስ እንዕዘብ ከኣ ዝተፈላልዩ መንግስታትን ውድባትን ንህዝቢ ናይ ፍርሒ ስምዒት ብምፍጣር ናብ ድላየን ክዝውረኦ ተራእየን እየን። ንኣብነት ሂትለር ንኣይሁዳውያን ንምጥቃዕ ዝተጠቕመሉ መንገዲ መጀመርያ ሓንጎል ጀርመናውያን ብምሕጻብ እዩ ኔሩ። ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጀርመናውያን ተላዒሎም ከምዘለዉ፡ ዓዲ ክወርሱዋ ይደናደኑ ከምዘለዉን ንህዝቡ ብምእማን እከይ ተግባራቱ ክፍጽም እንከሎ ኢዶም ኣጣሚሮም ከምዝዕዘቡ ክገብሮም ከምዝኸኣለ ብዙሓት ተንተንቲ ታሪኽ ዝሰማምዑሉ መግለጺ እዩ። ኣሜሪካውያን ፕረዚደንትታት ጆርጅ ቡሽን ዶናልድ ትራምፕን እውን እዚ ናይ ፍርሒ ጥበብ ብዝግባእ ተጠቒሞምሉ እዮም።

ሓደ መንግስቲ ቀጻሊ ዝገብሮ ነገር እንተሃልዩ፡ ብመንገዲ ፖለቲከኛታቱን (propagandists) መራኸቢ ብዙሃንን ኣቢሉ እኹል ፕሮፖጋንዳ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሓደ ናይ ሓባር መረዳእታ ኣብ ልዕሊ መንነትን ስርዓተ መነባብሮን ክፈጥር ይጽዕር። ብመንገዲ ተጻራሪ ውድብ ወይ ኣካል ኣቢሉ ንዝመጽእ ሓበሬታታት ከኣ ብዝተኻእለ መጠን ይዕፍን። መንግስቲ ንፕሮፖጋንዳ ብዝግባእ ምስ ዝሰርሓሉ ኣተሓሳስባ ህዝቡ ብምቁጽጻር ሰጥ ለበጥ ኢሎም ዝኸዱ ኣባጊዕ ክቕይሮም ይኽእል። ንጽርግያታት እንዳኾለሉ ዝሕልዉ ወተሃደራት’ውን ኣየድልይዎን እዮም።

እዚ መስርሕ ፕሮፖጋንዳ ዝግበር ብሓሶት ዘይኮነ፡ ንሓደ ሓቂ እቲ መንግስቲ ንዕኡ ብዝጥዕም መንገዲ ጌሩ ንህዝቢ ብምርዳእ እዩ። ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላታት ብዘዳልውዎ ጥበብ ኣቢሉ ከኣ ነቲ ክትግበር ዝደለ ነገራት ህዝቢ ባዕሉ ብምርጭኡ ዝኣተዎ ኮይኑ ከምዝስመዖ ይግበር።

ፕሮፖጋንዳ፡ ብዛዕባ እንታይ ከምትሓስብ ክገብር እንከሎ፡ ቤት ትምህርትታት ከኣ ብኸመይ ከም ትሓስብ ኣብ ምግባር ዓቢ ተራ ይጻወታ። ንቖልዑ ካብ ንኡስ ዕድሚኡም ኣብ መባእታዊ ደረጃ ቤት ትምህርትታት ብዛዕባ እታ ሃገርን መንግስትን ዘለዎም መረዳእታ ሓደን ዘይቅየርን ንምግባር ይመሃሩ። በዚ ምኽንያት እዩ ከኣ ሓደ ንቡር ነገር ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለ።

ከም’ቲ ጆን ኣዳምስ ዝበሎ፡ “ፍርሒ መሰረት ኩሎም መንግስትታት እዩ።”

ኣብ ዓድናኸ?

ኣካይዳን ጠባያትን ዘመነ ሰውራ ከመይ ከምዝነበረ መቸም ብዋናታቱ ሰሚዕናዮ ኣለና። ተጋደልቲ ነቲ ሰጌሮሞ ዝበሃል መስገደላት ብትብዓት ንኽሰግሩ ዘኽኣሎም ነገራት ክጽብጽቡ እንከለዉ ዝርደኣካ ነገር እንተሃልዩ ማዕረ ክንደይ ረቂቕ ናይ ኣእምሮ ምሕጻብ ስራሓት ከምዝተገብረ ክትግምት ትኽእል። እቲ ምንታይ፡ ሓደ ተጋዳላይ ነቲ ዝገብሮ ክገብር ብኣፈ-ሙዝ እንዳተሓለወ ዘይኮነ ካብ ልቡ ኣሚንሉ እዩ ዝገብሮ ዝነበረ። ንኣብነት ከምገለ ኢሉ ኣብ ኢድ ጸላኢ ምስ ዝዓልብ ንኸይለፋከፍ እሞ ምስጢር ንኸየምሉቕ ኣቐዲሙ ብኢዱ ሂወቱ የቃብጻ፡ ንኽስዋእ ከም ሓላል ወሲዱ ኩሉ ግዜ ድሉው ይኸውን፡ ካልእ ብዙሕ’ውን ክዝርዘር ይከኣል። ካብ ገዝኡ ክነቅል እንከሎ ግን ከምኡ ዓይነት ነብሰ-ጭካነ ኔርዎ ዶ ይኸውን?

ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ውን እዚ ተግባር ሕጽበተ ኣእምሮ ብጥበብ ተሰሪሕሉ’ዩ ክንብል ንኽእል። ኣብ መደበር ታዕሊም፡ ልዑል ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸቕጢ ብምፍጻም ናይ ራዕዲ መንፈስ ከምዘንጸላሉ ይግበር’ሞ፡ ብድሕሪኡ ብመንገዲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኣቢሉ ኣብ’ቲ ተዓላማይ ሓደ ቅርጺ ኣተሓሳስባ ከምዝህሉ ንምግባር ጻዕርታት ይካየድ። መወዳእትኡ ከኣ “ወራሲ-ሕድሪ-ጀጋኑ” ኮይኑ እንዳተሰምዖ ከምዝምረቕ ይኸውን።

ኣብ ኩሉ ተዓላማይ ተዓዊቶምሉ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ’ቲ ቅድሚ 2001 ዓ.ም ዝተዓለመ ኣካል ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተተዓዚብና ግን ኣብ ግዚኡስ ብዝግባእ ኣብ መብዛሕትኡ ሰብ ተዓዊቶምሉ እዮም እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ሓደ ካብ’ቲ ውጽኢታት ናቱ እዩ ከኣ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ከም’ቲ እቶም ምሩኻት ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝገበርዎ፡ ሓደ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብዘይ መብረ ኣገልጊሉ እሞ ቤቱ ብዘይምሉስ በሪሳ ፈቐዶ ስደት ፋሕ ጭንግራሕ ኢላ እንዳሃለወት ጠንቂ ከርተቱ በዕይንቱ ምርኣይ ስኢኑ ባንዴራ ተጎልቢቡ መንግስተይ ደው ይበለለይ እናለ ከውደልድል ድንብርጽ ዘይብሎ።

እንታይ’ዩ ደኣ ዝግበሮ?

ሓደ ሓንጎሉ ዝተሓጽበ ሰብ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊኡ ከምዝተፈጸመ ክኣምንን ክርእዮን ኣይክእልን እዩ። ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ ነብሰ-ፍተሻ ክገብር ከምዘለዎ እዮም ዝመኽሩ። ገለ ካብ’ቲ ክግበር ዘለዎ ነገራት ከኣ ከም’ዚ ዝስዕብ የጠቓልል።

* ነቲ ካብ ልብኻ እትኣምነሉ ነገር ብነቐፌታዊ ዓይኒ ምምርማር። “እዚ ዝሓስቦ ዘለኹስ ብርግጽ ሓቂ ድዩ?” ኢልካ ነብስኻ ምሕታት።
* ነቲ ምሉእ ብምሉእ ኣንጻርካ ዝሓስብ ዘሎ ኣካል፡ ንምንታይ ከምኡ ይሓብል ኣሎ ኢልካ ብኽፉት ልቢ ምፍታሽ።
* ክልተ ዝጻረሩ ነገራት እንዳወዳደርካ ክትመሃር ምፍታን።
* ኣብ’ቲ ዝበሃል ነገራት ኣፍልጦኻ ምዕባይ።
* ነቲ ብድሕሪ ሕጂ ፍርሒ ከእትወልካ ዝፍትን ከኣ ናበይ ገጹ ምዃኑ ኣስተብሂልካ ፍሽኽ ኢልካዮ ምሕላፍ።

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -