Animal farm/ሕርሻ እንስሳ

Must Read

ቁሩብ እዋን ድሕሪ ናጽነት ተኪኤ ተስፋይ ነታ ብጆርጅ ኦርወል ዝተጻሕፈት Animal Farm ዘርእስታ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ተርጒሙ ንሕትመት ኣብቂዕዋ ኔሩ። እንተኾነ ግን ብመንግስቲ ብቕልጡፍ ካብ ዕዳጋ ተሳሒባ ከም’ትእገድ ተጌሩ ተባሂሉ ይውረ። ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ነታ መጽሓፍ ምስ እተንብብ ብቐሊሉ ክበርሃልካ ይኽእል። ኣብ’ዚ ጽሟቕ ትሕዝቶኣ ክንገልጽ ክንፍትን ኢና።

ጆርጅ ኦርወል ንባዕሉ ነዛ መጽሓፍ ንኸሕትም ብዙሕ እዩ ተሸጊሩ። ኮይኑ ግን ተዘርጊሓስ ሓንቲ ካብ ብሉጻት መጻሕፍቲ 20 ክፍለዘመን ኮይና ትርከብ።

ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ዝዛረቡ እንስሳታት ከም ተዋሳእቲ ብምግባር ብጽውጽዋያዊ መልክዕ ዝተሰርሐ ልብወለድ ኮይኑ ንሓደጋታት ሰውራ ራሻ ብጥበብ መልክዕ (allegory) ኣቕሪብዎ ይርከብ። ሰውራ ራሻ ብኸመይ ካብ ህዝባዊ ቃልሲ ናብ ውልቀ መላኺ ከምዝተሰጋገረት ትገልጽ ጥራሕ ዘይኮነት፡ ካብ ራሻ ሓሊፋ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየድ ብዙሕ ሰውራታት ንክትርዳእ ዓይኒ እትኸፍት መጽሓፍ እውን እያ።

ጽሟቕ ትሕዝቶ መጽሓፍ

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እዩ። ብሓደ ጆነስ ዝበሃል ብዙሕ መስተ ዘዘውትር ሰብ ዝውነን ሓደ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ይርከብ። ኣብ’ቲ ቦታ ዝተፈላልዩ እንስሳታት ይነብሩ። ጆነስ ከኣ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ጨኲኑ ይሕዞም። ሓደ መዓልቲ ሓደ ኦልድ ሜጀር ዝተባህለ ኣረጊት ሓሰማ ነቶም እንስሳታት ኣኪቡ ከነቓቕሖም ዝኽእል ተሪር ምኽሪ ይህቦም። እቲ ምኽሪ፡ ኣብ’ቲ ቦታ ሕርሻ እንስሳታት ብሰብ ማዕረ ክንደይ ይጭኮኑ ከምዘለዉ ብዝርዝር ዘብርህ ኮይኑ፡ ነዚ ንምስጋር ኩሎም እንስሳታት ሓቢሮም ኣንጻር እቶም ሰባት ክለዓሉን ናቶም ምምሕዳር ክተኽሉን ዝደፋፍእ ነበረ።

ኣይጸንሑን እንስሳታት ነቲ ረጋጺኦም ዝነበረ ወዲ ሰብ ሓቢሮም ብምግጣም ተዋጊኦም ሰዓርዎ። ጆነስ ከኣ ሃዲሙ ካብ’ቲ ቦታ ጠፈአ። እዚ ምንቅስቓስ እንስሳታት ብመንገዲ ክልተ ንቑሓት ሓሰማታት ይምራሕ ነበረ። ኣስማቶም ስኖውቦልን ናፖልዮንን ይበሃሉ።

ብድሕሪ’ዚ እቶም እንስሳታት ናቶም ምምሕዳር መስሪቶም ነቲ ደምበ ሰብ ዝብል ሽም እቲ ቦታ ናብ ደምበ እንስሳ ብምቕያር ብሰላም ክነብሩ ጀመሩ።

ካብ’ቶም ክልተ መራሕቶም ዝኾኑ ሓሰማታት፡ ስኖውቦል ብዝያዳ ተሰማዕነት ዝነበሮ ኮይኑ ሕግታት ኣብ ምንዳፍ፡ መደረታት ምሃብ፡ ንካልኦት እንስሳታት ምምሃርን ካልእን ተጸሚዱ ይመርሖም ነበረ። ናፖልዮን ከኣ ሓሓሊፉ ምስኡ ይከራኸር።

ኩሎም እንስሳታት ብማዕረ፥ ብፍትሒ ናብራኦም የካይዱ፡ ውሳኔታቶም ሰንበት መጸት ኣኼባ እንዳገበሩ ባዕላቶም ይፍጽሙ፡ 7 ዘይቅየር ሕግታት ኣውጺኦም፡ ሰንደቕ ዕላማ ዝመስል ነገር ከምኡ’ውን መዝሙር ጌሮም ከም ዓዲ ቆይሞም ክመሓደሩ በቕዑ። ብሰላም ይነብሩ።

ናፖልዮን ብልጽግና ደምበ እንስሳን እንስሳታትን ከይገደሶ፡ ባዕሉ ጠቕላሊ መራሒ ዘይኮንኩ ኢሉ ሕኒን ምባሉ ኣይገደፈን።

ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ሓደ ሰንበት ኣብ ኣኼባ እንከለዉ፡ ስኖውቦል ከምኣመሉ ነቲ ኣኼባ ይመርሕ፡ እንስሳታት ብጽሞና ይከታተሉ። ናፖልዮን ከኣ ሃንደበት ተንሲኡ ተቓውሞ የስምዕ። ስኖውቦል ስቕ ከብሎ ይፍትን። ናፖልዮን ዓው ብዝበለ ድምጺ ፋጽያ ይገብር’ሞ 9 ኣኽላባት ብድሕሪት እንዳነብሑ መጽዮም ንስኖውቦል ክጥሕርዎ ይደልዩ። ስኖውቦል ብስንባደ እንታይ መጽዩኒ ኢሉ ጸደፍደፍ እንዳበለ ይሃድም። ኣኽላባት ደድሕሪኡ እንዳሰዓቡ ይጎይዎ፡ ብእኡ ዝሃደመ ካብ’ቲ ደንበ እንስሳ ጠቕሊሉ ጠፈአ፡ ብድሕሪኡ’ውን ኣይተመልሰን።

ብድሕሪ’ዚ ናፖልዮን ናብ’ቲ ኣኼባ ተመሊሱ፡ ኣብ’ቲ ስቴጅ ብምድያብ፡ “ስኖውቦል ከዳዕ እዩ። ዝገርመኩም ናብ ጆነስ ክሸጠና እዩ ሓሲቡ ኔሩ።” ይብሎም። ገለ ሰንቢዶም ገለ ከኣ “እዚ ከመይ ኣቢሉ ይኸውን” ኢሎም ጉሪምሪም በሉ። ናፖልዮን እንደገና ፋጽያ ይገብር’ሞ እቶም ኣኽላባት ሑሕ እንዳበሉ ኣብ ጎድኑ ተገተሩ። እቶም እንስሳታት ከኣ ራዕዲ ገበረሎም። ካበይ ዝመጹ ኣኽላባት’ዮም ኢሎም ገሪምዎም። እቶም ኣኽላባት ግን ናፖልዮን ካብ ኣዴታቶም መንጢሉ ብሕቡእ ከዕብዮም ዝጸንሐ ናቱ ሓለውቲ እዮም።

ብድሕሪኡ፡ ናፖልዮን ስልጣን በይኑ ተቖጻጺሩ ይመርሕ። በቶም ኣኽላባት ኣቢሉ ንኹሎም እንስሳታት ሰጥ ለበጥ ከብሎም እንከሎ፡ ሓሰማታት ከኣ እሙናት ኣገልገልቱ ኮይኖም ዝበለጸ ሓለፋታት ክረኽቡ ጀመሩ። ካብዞም ሓሰማታት ሓደ ስኩይለር ዝበሃል ኣዝዩ ተዛራባይ መእመን ዝኾነት መልሓስ ዝውንን ነበረ። እሱ ከኣ ነቲ ናፖልዮን ዝደልዮ ነገራት ነቶም እንስሳታት ኣብ ምእማን ተጸምደ። ናፖልዮን ከኣ ብመንገዲ ስኩይለር ኣቢሉ ነቶም እንስሳታት ስኖውቦል ኣብ ዝኾነ እዋን መጺኡ ከጥቃዓና ይኽእል እዩ፡ ኣብ’ዚ ደምበ ብውሽጢ ውሽጢ ምስኡ ዝሰርሑን ዝደናገጹን ክቕተሉ ምዃኖም እንዳሓበረ ንገለ የእሚኑ ንገለ ኣፍሪሑ ስልጣኑ የጣጥሕ።

እንስሳታት ኣቐዲሙ ብመንገዲ 7 ሕጋጋት ተሓቢርዎም ዝጸንሐ ነገራት በብቑሩብ ክጠሓስ ጀሚሩ። ሓሰማታት ዝለዓለ ሓለፋ ይረኽቡ። ኣብ ዓራት ይድቅሱ፡ መስተ ይሰትዩ፡ ፍሉይ መግቢ ይምገቡ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ክዳን ክኽደኑን ብክልተ እግሮም ምኻድን ጀሚሮም። ስኩይለር እዚ ኩሉ ቅቡልን ፍትሓውን ምዃኑ ንዝተረፉ እንስሳታት ይሓባብሎም።

ኣባጊዕ፡ ናፖልዮን ኣቐዲሙ ምሂርዎም ዝጸንሐ ቴማ እንዳደጋገሙ ይነብሩ፡ “ኣርባዕተ መሓውር ጽቡቕ ክልተ መሓውር ሕማቕ” ክብሉ ይውዕሉ።

እቲ ልሙድ ስራሕ ናይ’ቲ ደምበ እንስሳ ብዝተዓጻጸፈ መልክዑ ቀጺሉ፡ ካብ’ቲ ኣብ ዘበነ ጆነስ ዝነበረ ዝገድድ ኮይኑ። እቲ ዝበዝሐ ስራሕ ከኣ ሓደ ቦክሰር ዝተባህለ ፈረስ ይሰርሖ። ሓደ መዓልቲ ከኣ ኣብ ስራሕ እንከሎ ቦክሰር ይጉዳእ እሞ፡ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተነግሮም ጥሮታ ክወጽእ እንዳተጸበዩ፡ ቦክሰር ናብ ሓደ ፋብሪካ ተሸይጡ፡ ተጣሒኑ መስርሒ ማስትሺ ንክኸውን ተፈርደ።

እንስሳታት ሓዚኖም፡ ክገብርዎ ዝኽእሉ ግን ኣይነበረን። ብፍላይ ሓደ በንጃሚን ዝበሃል ኣድጊ ካብ መጀመርያ ኩሉ ነገር ዝርደኦ ዝነበረ ኮይኑ፡ ነብሱ ካብ ኩሉ ነገር ኣግሊሉ ለውጢ ዝበሃል ከምዘይመጸ ዝፈልጥ ዝነበረ እንስሳ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ 7 ሕጋጋት ናብ ሓንቲ ወሪዱ “ኩሎም እንስሳታት ማዕረ’ዮም፡ ገለ እንስሳታት ግን ዝያዳ ማዕረ’ዮም” ብዝብል ተመሓይሹ።

ናፖልዮን ከኣ ምሉእ ምቁጽጻር እቲ ደምበ ስለዝተሰምዖ፡ ነቶም ከም ጸላእቶም ዝቑጸሩ ዝነበሩ ደቁ ሰባት ዓዲሙ ንግዲ ክገብርን ምስኦም ኮፍ ኢሉ ክሰትን ጀሚሩ። እንስሳታት ከኣ ብመስኮት እንዳተዓዘቡ ሰብን ሓሰማን ምፍላይ ተጸገሙ።

* * *

መጽሓፍ ሓዚላቶም ዘላ ባህርያት

ጆነስ – ን ሃጸይ ኒኮላስ ካልኣይ፡ መራሒ ራሻ ቅድሚ 1917 ዝነበረ ይውክል። እዚ ሃጸይ’ዚ ብሰንኪ ድኹም ኣመራርሑኡ ምስ ህዝቢ ራሻ ተባቲኺ ዝነበረ መራሒ እዩ። ድኽመቱ ከኣ ንሰውራ ራሻ ኣኸቲሉ።

ኦልድ ሜጀር – ንካርል ማርክስ ኣቦ ፍልስፍና ዴስነትን ንቭላድሚር ሌኒንን ይውክል። ሌኒን ንፍልስፍና ማርክስ ብናቱ መልክዕ ኣመሓይሹ ናብ ትግባረ ዝቐየረ መራሕ እዩ።

ናፖልዮን – ንጆሰፍ ስታሊን ይውክል። ስታሊን ውሑዳት ተረባሕቲ ኣብ ጎኑ ጌሩ ኣብ ህዝቢ ዘሳቕይ ዝነበረ መራሒ እዩ።

ስኖውቦል – ንሊያም ትሮትስክይ ይውክል። ሊያም፡ ገዲም መራሒ ቦልቾቪክ ዝነበረ ኮይኑ ድሕሪ ሰውራ ራሻ ስልጣን ናብ ሰልፊ ሶቬት ዘመሓላለፈ ሰብ እዩ። መወዳእትኡ ከኣ ብስታሊን ተኣልዩ።

ኣኽላብት – ነቲ ስታሊን ሰብ ንምእሳርን ምጭዋይን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ትካላት ቀይሕ ሰራዊት፡ ስለያ ከይጂቢ፡ ፖሊስን ካልእን ይውክሉ።

ቦክሰር እቲ ፈረስ – ነቶም ተራ ዝበዝሑ ህዝቢ ራሻ ይውክል። እዚኣቶም ከኣ ነቲ ሰውራ ክዉን ንምግባር ዘገልገሉ ህዝቢ ኮይኖም፡ ትምህርቲ ስለዘይብሎም ግን ብፕሮፖጋዳ ተታሊሎም ጻማ ከይረኸቡ ግዳያት ዝኾኑ ኣካል እቲ ሕብረተሰብ እዮም።

በንጃሚን እቲ ኣድጊ – እዚ ነቶም ንቑሓት ኣካላት ሕረተሰብ ራሻ ይውክል። ኩሉ እንዳተረደኦም ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ግን ስለዘይነበረ ስቕ ኢሎም ዝዕዘቡ ዝነበሩ።

ስኩይለር – ንጋዜጣታትን ፕሮፖጋንዳን ጆሰፍ ስታሊን ይውክል።

ኣባጊዕ – ነቲ ከይተረደኦ ምስ መንግስቲ ዘጣቕዕ ኣካል ይውክላ።

ብጠቕላላ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ስልጣን ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑን ሰውራ ተገልቢጡ ናብ ዝነበርካዮ ዝመልስ መንገዲ ከይከውን ጥንቃቐ ዘድልዮ ምዃኑን ከምተስተውዕልን ከም’ትሓስብን እትገብር ዓባይ መጽሓፍ እያ።

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -