ጫትን ጉድኣቱን

Must Read

ጫት ስነፍልጠታዊ ስሙ ካታ ኤዱሊስ ኮይኑ፥ ካብ ሴላስትራሼ ዝበሃሉ ዓሌት ኣግራብ እዩ። እዚ ከም ገረብ ወይ ቆጥቋጥ ዝጸንሕ ሓምላይ ዝኾነ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዘሎ ምብራቃዊ ሸነኽ ዝቦቅል እዩ። ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 18 ክፍለ-ዘመን ኣብ የመን፡ ካታ ኤዱሊስ ኢሉ ሳይንሳዊ ስም ዘጠመቀ ፔተር ፎርስካል ዝበሃል ናይ ስነ-ኣትክልቲ ክኢላ እዩ። ካታ ኤዱሊስ ቀስ ኢሉ ዝዓቢ ሓምላይ ገረብ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ቅናት ምድርን ሓውሲ ቅናት ምድርን ይቦቅል። ዛሕሊ ኣይጻወርን እዩ። ምቹእ ሙቀት ካብ 5 ክሳብ 35 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ የድልዮ። ቅሉዕ ናይ ጸሓይ ጩራ ንኽዓቢ ወሳኒ እዩ። ኣብ የመን ብዝዓበየ ደረጃ ተሰሪሕሉ፥ ካብ 23% – 30% ማይ ናይ ትሕቲ ምድርን ከባቢ 60% መሬትን፤ ኣብ መስኖን ምዕባይን ናይዚ ተኽልን ይውዕል። ንኽዓቢ ካብ 7 – 8 ዓመታት ይወስደሉ። እንትርፎ ብዙሕ ማይ ካልእ ፍወሳ ዘይደሊ ምዃኑ ኣብ ሓረስቶት ተፈታዊ ይገብሮ። ብተወሳኺ ሓረስቶት ካብ ኩቱር ድኻሞም ግዝያዊ ከምዘናግፎምን ጥሜቶም ከምዘረስዖምን ስለዝገብሮም እናቀመሱ እዮም ዝዓዩ።
ጫት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ቦታታትን፥ ብዝተፈላለዩ ኣስማት እዩ ዝልለ። ነኣብነት ኣብ የመን ቃት፡ ኢትዮጵያ ጫት፡ ሶማሊ ቃድ ወይ ጃድ፡ ኬንያ ሚራ፡ ኡጋንዳ ማይሩንጊ፡ ታንዛንያ ሙሁሎ፡ ሄብሪው ዳም ሃጊጋት ተባሂሉ ይፍለጥ። መዓልታዊ ብገምጋም ከባቢ 20 ሚልዮን ነበርቲ ምብራቅ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን፡ ሓድሽ ዝተቀንጠበ ቆጽሊ ጫት ይሕይኹ። ኣብዘን ሃገራት፤ ጫት ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ልምድታት ዝውቱርን ኣዐርዩ ዝሰረተን እዩ። መብዛሕትኦም ካብዞም ተጠቀምቲ ካብ ኣብ መንጎ ሃገራት ሱዳንን ማዳጋስካርን ደቡባዊ ምዕራብ ሓውሲ ደሴት ዓረብን ዝርከቡ እዮም።
ብፍላይ ኣብ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን የመንን ኣዝዩ ግኑንን ዝተዘርገሐን እዩ። ፍልሰት ተቀማጦ ናይዘን ሃገራት ቀንዲ ምኽንያት ምዝርጋሕ ጫት ናብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ኮይኑ ኣሎ። እቶም ዝበዝሑ ሓየኽቲ ናይዚ ቆጽሊ ኣብ የመን ዘለዉ ኮይኖም ከም ማሕበራዊ መነቃቅሒ ልምዲ ይወስድዎ። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ 80-90% ካብ ደቂ ተብዓትዮን 10-60% ካብ ደቂ ኣንስትዮን መዓልታዊ ጫት የህልኹ።

ጫት እንታይ ቀመማት ዝሓዘ እዩ፧

ዝተፈላለዩ ኬሚካላት ከም ኣልካሎይድስ፡ ተርፐኖይድስ፡ ስተሮልስ፡ ፍላቮኖይድስ፡ ታኒንስ ልዕሊ 10 ዓይነታት ኣሚኖ ኣሲድስ፡ ቫይታሚናትን ማዕድናትን ኣብ ጫት ይርከቡ። ካብዞም ኣልካሎይድስ ኬሚካላት ንብሎም ዘለና ካቲኖን፡ ካቲንን ኖርኤፈድሪንን ብቅርጽን ዝህብዎ ውጽኢትን ከም ኣምፌታሚን ዝበሃል መነቃቅሒ ባእታ ዝሓዙ እዮም። ብፍላይ ካቲኖን ቀንዲ መነቃቅሒ ባእታ ስለዝኾነ ከም ተፈጥሮኣዊ ኣምፌታሚን ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣሉታዊ ሳዕቤናት ጫት፧

ጫት ብዙሓት ኣእምሮኣዊ፥ ኣካላዊ፥ ማሕበራዊ፥ ጥዕናዊ ሃስያታት ከምጽእ ይኽእል። ምቅይያር ስምዒታት፥ ሕርቃን፥ ዝተመዛበለ ኣትሓሳስባ፥ ድቃስ ምስኣን፥ ሻቅሎት፥ ምርባሽ፥ ድቃስ ዘምጽኡ ሃተፍተፍን ዓጀውጀውን፥ ብሮንካይት፥ ቅልጡፍ ምስትፋስ፥ ክቱር ጽምኢ፥ ነዊሕ ዝወሰደ ነድሪ ከስዐ፥ ቁስሊ ከስዐ፥ ድርቀት፥ ምዕጻው ሸውሃት፥ ካብ ንቡር ምጉዳል ሚዛን፥ ዕንወት ጸላም ከብዲ፥ ምዕቋር ሽንቲ፥ እትምነት ወይ ለምሲ መትሎ ወዲ ተባዓታይ ኣብ ግዜ ጸታዊ ርክብ፥ ቅልጡፍ ህርመት ልቢ፥ ምምዝባል ህርመት ልቢ፥ ምጭባጥ ሰራውር ደምን ወቅዒ ልብን። እዞም ተጠቂሶም ዘለዉ ናይ ጫት ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምስ ምዝውታር ትንባኾ ዝያዳ ክገዱ ይኽእሉ።

ካቲኖን ቀንዲ ቀመም ጫት ስለዝኾነ ልክዕ ከም ኣምፌታሚን ኣነቃቅሒ ውጽኢት ኣለዎ። ሓየኽቲ ናይዚ ቆጽሊ ከምዝገልጽዎ ውሕድ ዝበለ ጫት ምስዝጥቀሙ እወንታዊ ዝኾነ ለውጥታት ከም ጽቡቅ ስምዒታት፡ ብርትዐ ሓይሊ ጸዓት ሰውነት፡ ውዕዉዕ ስምዒታትን ምድሳታን፡ ምውሳኽ ንቅሓት፡ ምንያት፡ ኣተኩሮ ምውሳኽ፡ ኣብ ጾታዊ ርክብ ድሌታት ምውሳኽ፡ ስእላዊ ርድኢት ሓንጎል ይውስኽ፡ ዕላልን ርክብን ይውስኽ፡ ሓሳባት ኣብ ምትሕሓዝ ይብርትዕን ኣብ ዕዮ ቅልጣፈ ይመጽእን።

እንተኾነ ግና ኣዘውተርቲ ናይዚ ቆጽሊ ዝተፈላለዩ ካልኦት ምልክታት ክስምዖም ይኽእሉ። እዚኣቶም ምልክታት ካብ ነኣሽቱ ስምዒታት ከም ካብ ንቡር ንላዕሊ ምዝራብ፥ ምዕያይ፥ ድቓስ ምስኣን፥ ምቁጣዕ፥ ኣልዕል ኣቢልካ ብዘይ ዝኾነ ነገር ምሽቃል፥ ምርባሽን ምሕራቅን ክሳብ ክብድ ዝበሉ ምልክታት ከም ምጽላልን ወይ’ድማ ቅዛነትን እዮም።

ጫትን ስርዓተ ሰራውር ደምን ልብን

ጫት ብሰንኪ ዘይቀጥታዊ ኣበራባሪ ጽልዋ ናይ ካቲኖን፥ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ሰራውር ደምን ልብን ብርክት ዝበሉ ሳዕቤናት ከም ምውሳኽ ህርመት ልብን ጸቅጢ ደምን ኣለዎ። ጸቕጢ ደም ካብ 3 ክሳብ 4 ሰዓታት ድሕሪ ምሕያኽ ይቅጽል። ሓየኽቲ ወቕዒ ልብን ምምዝባል ህርመት ልብን ናይ ምምዕባል ተኽእሎታት ኣዝዩ ግኑን እዩ። ኣብታ ጫት ብብዝሒ ዝዝውተረላ የመን ንኣብነት ካንቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቂቦም ዝነበሩ ወቅዒ ልቢ ዘጋጠሞም እቶም 79 % ኣዘውተርቲ ጫት ክኾኑ ከለዉ እቶም 20 ሚእታዊት ድማ ጫት ዘየዘውትሩ እዮም። ስለዚ ነዚ እንዳሰማዕካስ ምሕያኽ ሞት ከም ምጽዋዕ እዩ።

ጫትን ስርዓተ ምሕቃቅ መግብን

መጺጽ ባህሪ ናይቲ ታኒን ዝበሃል ኣብ ጫት ዘሎ ኬሚካል ብርክት ዝበሉ ናይ ስርዓተ መግቢ ሕማማት ከም ምቡኽቧኽ ስንን ግርጻንን፥ ነድሪ ሻሕለለን ከስዐን ቁስሊ ቀጢን መዓንጣን የስዕቡ። ብተወሳኺ እቲ ቀንዲ ግኑን ሳዕቤን ኮይኑ ብሓየኽቲ ጫት ዝልለ ድርቀት ቀልቀል ብሰንኪ ታኒንን ኖርሲዩዶኤፈድሪን ይስዕብ። ካቲኖን’ውን ኣብ ምውራድ መግቢ ምድንጓይ የኸትል። ኣብ ኣፍ፥ ብርክት ዝበሉ ናብ መንሽሮ ክቅየሩ ዝኽእሉ ናይ ቲሹ ለውጥታት የስዕቡ። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ካብ ካልኦት ሰባት ብዛያዳ መንሽሮ ክሳድን ርእስን ኣብ ጫት ዘዘውትሩ ይርአ።

ሳዕቤናት ጫት ኣብ ሸውሃትን ሚዛን ሰውነትን

ጫት ሸውሃት ናይ ምዕጋት ባህሪ ከምዝፈጥር ነማኢት ዓመታት ዝተፈልጠ ነገር እዩ። እዚ ድማ ብምኽንያት ጽልዋ ካቲኖን ኣብቲ ሸውሃት ናይ ምቁጽጻር ዕዮ ዝነጥፍ ሃይፖታላመስ ዝበሃል ክፋል ሓንጎል እዩ። ብተወሳኺ ናይ መግቢ ካብ ከስዐ ብመዓንጣ ከይወርድ ስለዘደናጒ መግቢ ናይ ምምጋብ ድሌታት የጥፍእ። ኣብ ወልንተኛታት ሓየኽቲ ጫት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ነኣብነት፥ ጫት ንጥሜት ኣረሲዑ ጽጋብ ከምዘሎ ኮይኑ ከምዝስምዖም ይገብር።

ጫትን ሕማም ሽኮርያን

ኣብ ጫት ዝርከብ ካቲኖን ንኣብ ደምና ዘለዉ ነዝዕታት ካቴኮልኣማይን ከምዘልዕሎን፥ ነቲ ሽኮር ናይ ደምና ከምዝቅንስ ዝገብር ኢንሱሊን ውሑድ ከምዝፈሪ ብምግባርን ሽኮር ናይ ደም ካብ መጠን ንላዕሊ ክብ ከብሎ ይኽእል። ስለዚ ንሽኮሪያ ዝሓመሙ ሰባት ብፍላይ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።

ጽልዋ ጫት ኣብ ጸላም ከብድን ኮላሊትን

ንንውሕ ዝበለ ጫት ምስዝዝውተር ነድሪ ጸላም ከብዲ ኣኸቲሉ ናብ በሰላ ማዕቢሉ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ክገብራ ይኽእል እዩ። ካብ መዛግብ ሕክምና ከምዝፍለጥ ንንውሕ ዝበለ ጫት ዝጥቀሙ ሰባት ኣደዳ ዕንወት ጸላም ከብዲ ይኾኑ። ኣብ ኩሊት’ውን ካብኡ ብዘይንእስ ዕንወት ናይ ንኣሽቱ ትቦታት ሽንቲ ኮላሊት የስዕብ።

ጫትን ስርዓተ ምፍራይን

ጫት ብብዝሒ ምሕያኽ እትምነት ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ መትሎ ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘይምቅናዕ የኸትል። ድሕሪ ምሕያኽ ጫት ዘሎ ግዜ ኣብታ ቀዳመይቲ ሽንቲ ማይ ዝሽየነላ ግዜ ዘርኢ ወዲ ተባዓታይ ብኸንቱ ንግዳም ይጎሓፍ። ምስ ካልኦት ነዚ ቆጽሊ ዘየዘውትሩ ደቂ ተባዓትዮ ክወዳደሩ ከለዉ ሓየኽቲ ዝወሓደ ቁጽሪ ዋህዮታት ዘርእን ዓቀን ፈሳስን ኣለዎም።

ጫትን ኦክሲዳቲቭ ስትረስን (Oxidative Stress)

ሪኣክቲቭ ኦክሲጅን ስፒሽስ (Reactive Oxygen Species) ዝበሃሉ ካብ ናይ ዋህዮታት ኣካላትና ዝምስርሑ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ጀነቲካዊ ምዕባለታት ዝነጥፉ ኬሚካላት ኣለዉ። እዞም ኬሚካላት ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ኣካላትና እንተተኣኪቦም ንዓበይቲ ሞለኩላት ናይ ኣካላትና ከም ፕሮቲናትን ስብሕን ዲ.ኤን.ኤ (DNA) ክሃስዩ ከበላሽዉን ይኽእሉ። እዚ ብተዘዋዋሪ ዋህዮታት ናይ ኣካላትና ክሞቱ ይዕድም። ኣብ ኣካልትና ገለ ኬሚካል ኢንዛይማት (enzymes) ብዝሒ ናይዞም ጎዳእቲ ኬሚካላት ዝቆጻጸሩ ኣለዉ። ስርሖም ጠጠው ምስ ዝብል እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ጉድኣት ይስዕብ።
ጫት እምበኣር ነዞም ፍሪ ራዲካልስ (Free Radicals) ከይበዝሑ ዝቆጻጸሩ ኬሚካላት የጉዱሎም። ብ ፍሪ ራዲካልስ ዝሰዓበ ጠንቂ ድማ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም መንሽሮ፥ ምስማም ጸላም ከብዲ፥ ኩሊት፥ ሰራውር ደምን ልብን፥ ዕንወት ናይ ስርዓተ መትንታት የኸትል።

ጥቅምታት ጫት

ብዘይካ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ዓበይቲ ጉድኣታት፥ ገለ ገለ ሓየኽቲ ከምዝምስክርዎ ጫት ባህላዊ ፈውሲ ናይ ቅዛነት፥ ክቱር ድኻም፥ ምኽሳዕ፥ ነድሪ ከስዐ፥ ሰዓል፥ ኣዝማ፥ ቅርጸት፥ ውጽኣት፥ ዓሶ ተባሂሉ ይእመነሉ። እዚ ግን ዝኾነ ብስነፍልጠት ዝተረጋገጸ ደገፌታ የብሉን።

መደምደምታ

ጫት ምሕያኽ ረባሺ ስምዒታት ፈጢሩ ንሓሳባት ዘራጊ፥ ጎነጻዊ ባህሪን ኣኸቲሉ ንክትፍውሶ ኣጸጋሚ ይኸውን። ጸቅጢ ሰራውር ደምን ህርመት ልብን ኣልዒሉ ናይ ልብን ሰራውር ደምን ሕማማት ብፍላይ ኣብ ጸቅጢ ደም ዘለዎም ሰባት ከምዝዛይዱ ይገብር። ኣብ ነድሪ ከስዐን ናይ ስርዓተ ምሕቃቅ መግቢ ሕማማትን ቀንዲ ጠንቂ’ውን እዩ። መንሽሮ ናይ ኣፍን ሻሕለለን ክምዕብሉ ጸላዊ ባእታ ምዃኑ ይፍለጥ። ሸውሃት ምዕጻውን ድርቀትን የኸትል። ን ጸላም ከብድን ኩሊትን ሃሳይን ሰማምን ኬሚካላት ኣለዎ። ኣብ ደቂ ተባዓትዮ ናይ ምቅናዕ መትሎ ጸገማት የኸትል፥ በንጻሩ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ስጋዊ ርክብ ድሌታት የልዕል። ብዛዕባ ጫት ብዙሕ ዘይተጸንዐ ነገራት ስለዘሎ ኣብ መጻኢ ተመራመርቲ ብዝያዳ ኣጽኒዖም ጉድኣቱ ኣስፊሖም ክትንቱኑልና ተስፋ ንገብር።

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -