ጽልዋ መጽሓፍ “ዴስነታዊ ማኒፈስቶ”

Must Read

ዴስነት(communism) እንታይ’ዩ?

ዴስነት ማለት፡ ኩሉ ንብረትን ሃብትን ሓንቲ ሃገር ብኹሉ ዜጋ እታ ሃገር ክውነን፡ ድኻታት ጥራሕ ዝርህጹሉ ሃብታማት ጁባኦም ዘኻዕብቱሉ ኣመራርሓ ክፈርስን ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ክነብርን ዝብል ዓንዲ ሕቖ ዘለዎ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ እዩ።

እቲ ሓሳብ ካብ’ታ ብጀርመናዊያን ካርል ማርክስ ምስ ተሓጋጋዚኡ ፍረደሪክ ኢንግልስ ኮይኑ ዝጸሓፋ “ዴስነታዊ መኒፈስቶ” ዘርእስታ መጽሓፍ እዩ ዝብገስ። ብልምዲ ከኣ ማርክስነት ተባሂሉ ይፍለጥ። እዛ ሰራም መጽሓፍ እዚኣ “ጠንቂ ብዙሕ ህልቂት ደቂ-ሰባት እያ” ተባሂላ’ኳ ትሕመ እንተኾነት፡ ኣብ 1848 ክትሕተም ከላ ግን ነቲ ባህልን ፖለቲካዊ ልምድን ናይ’ቲ እዋን እቲ ተባሂላ ዝተጻሕፈት ተራ መጽሓፍ ምዃና ክዝንጋዕ የብሉን።

ካርል ማርክስ፡ ኣብ 19 ክፍለ-ዘመን ናይ ፖለቲካን ስነ-ቁጠባን ፈላስፋ እዩ ኔሩ። ኣብ’ዛ መጽሓፍ እዚኣ ክገልጽ ከሎ፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ዓይነት ኣመራርሓ ኣዝዩ ዘማረረ ይመስል። ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ማልነት (capitalism) ዘነበሮ ነቐፌታ መወዳእታ የብሉን። “ፈላላዪ፡ ንሕብረተሰብ ብርጅዋን ሸቃልን ጌሩ በብደርቢ ዝመቓቕል፡ እቲ ድኻ ሸቃሊ ክርህጽ፡ እቲ ብርጅዋ ከኣ መመሊሱ ክህብትም ዝነብረሉ ዘይፍትሓዊ ዓይነት ኣሰራርሓ” ክብል ይገልጾ። ነዚ ንምቕያር ከኣ፡ እቶም ሸቃሎ ተላዒሎም ብጎነጽ ዋላ ውን ብደማዊ ሰውራ ይኹን፡ ክቕይርዎ ኣለዎም ይብል። ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዘሎ ሓደ ዓለምለኻዊ ተማሳሳሊ ሽግር ክብል ከኣ ይገልጾ። እዚ ሃብታምን ድኻን ከም ብርጅዋን ሸቃላይን ወይ ዓማጽን ተዓማጽን ኢልካ ምፍልላይ ሓደ ካብ’ቲ ሓደገኛነት ናይ’ታ መጽሓፍ ኔሩ። ቀጺሉ፡ እቶም ሸቃሎ ሓንቲ መዓልቲ ክነቕሑ እዮም፡ ተላዒሎም ከኣ ብጎነጽ ነቲ ምሕደራ ክዓልውዎ እዮም ይብል። ሃብቲ ሃገር ኩሉ ሰብ ብማዕረ ዝውንኖ፡ ኩሉ ማዕረ ኮይኑ ዝነብረላ መንግስቲ ዘየድልያ ብልጽግቲ ዓለም ከኣ ክትፍጠር እያ፡ ክብል ስምዒት ብዘለዓዕል መንገዲ ፍልስፍንኡ የቐምጥ፡ ማርክስ። ነዚ ከኣ ዴስነት ኢሉ ይጽውዖ።

ርእሰ – ማልነት (capitalism) ግን እንታይ’ዩ?

ርእሰ – ማልነት፡ ክበሃል ከሎ፡ ብዛዕባ ውድድርን ነጻ ዕዳጋን እዩ። ከም’ዚ ናይ ኣሜሪካ ኣካይዳ ኮይኑ፡ ኣብ ቁጠባ ኣሜሪካ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ዓይነት ኣሰራርሓ እዩ። ከም ስሬኻ ዓይነት። ገለ ካብ’ቲ ከም ኣሉታዊ ጎድንታቱ ተባሂሉ ዝጥቀስ እምበኣር፡ ንኣብነት ኣብ ብሉጽ ቤት ትምህርቲ ንኽትመሃር ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ክትከፍል ኣለካ። እቲ ሃብታም ከፊሉ ይመሃር እቲ ድኻ ኣይመሃርን። ከም ውጻኢቱ ከኣ እቲ ዝለዓለ ናይ ስራሕ ዕድል ዘጋጥሞ እቲ ወዲ ሃብታም ይኸውን ማለት’ዩ። በዚ ከም’ዚ ዓይነት ጠባያቱ ከኣ ዘይፍትሓዊ ውድድር ክበሃል ይከኣል። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርእሰ-ማላዊት ሃገር፡ ድኽነት ይኹን ሃብቲ ንወለዶታት ዳተወራረሰ እዩ ዝኸይድ። ማርክስ እምበኣር ነዚ ዓይነት ኣሰራርሓ እዩ ናይ ደርቢ ፍልልይ እንዳበለ ብዙሕ ዝነቕፎ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ብዙሓት ሃገራት “መንገዲ ብልጽግና” እንዳበላ ንማርክስነት ናብ ግብሪ ክቕይረኦ ፈቲነን።

ማርክስነት፡ ንዴስነት ክወልዶ ከሎ፡ ንማሕበራውነት (socialism) ከኣ ቀንዲ ተጻራሪ ርእሰ-ማልነት ቀይርዎ። ማሕበራውነት ምስ ዴስነት ብዙሕ ምምስሳል ዘለዎ፡ አረ ምፍላዩ ዘሸግር ዓይነት ኣካይዳ እዩ። ኣብ ማሕበራውነት፡ መኽሰብን ዋኒን ንብረትን ኩሉ ብማዕረ ይምቀል። ኩሉ ብህዝቢ ይውነን፡ ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዴስነት ግን ዋኒን ንብረት ይኹን ገንዘብ ጠቕላላ የለን። መንግስቲ ባዕሉ ንሕብረተሰብ ከምዝጥዕም ከከፋፍሎ፡ ማለት፥ ክሳብ ዝከኣለካ ትሰርሕ’ሞ እቲ ዘድልየካ ነገር ከኣ መንግስቲ ባዕሉ ይህበካ።

ማሕበራውነት ተኸቲለን ዝዕወታሉ’ውን ኣይተሳእናን። ንኣብነት ንምጥቃስ፡ ሃገረ ፊንላንድ ጥርዚ ብሉጽነት ዘለዎ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኹሉ ዜጋኣ እተብጽሕ’ሞ ማዕረ ናይ ስራሕ ዕድል እትፈጥር ሰላማዊት ሃገር’ያ። ሽወደን’ውን ምጥቃስ ይከኣል። እዘን ማሕበራውነት ኣካይዳ ዝኽተላ ናይ ስካንድኔቪያ ሃገራት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳያቱ ምስ ዲሞክራሲ ሓዊሰን፡ ኣብ ቁጠባዊ ኣካይደአን ከኣ ርእሰ-ማላዊ ተኸቲለን ተዓዉተናሉ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ 20 ክፍለ ዘመን፣ ወዲ ሶቬት ሕብረት ዝኾነ ቭላድሚር ሌኒን እዩ ነቲ ናይ ማርክስ ፍልስፍና ናብ ግብሪ ክቕይሮ ዝፈተነ። በዓል ቻይና፡ ካምቦድያ፡ ኩባን ካልኦትን ከኣ ነዚ ናይ ሌኒን ተኸቲለን ኣብ ህዝበን ፈቲነንኦ፡ ግዳ ህልቂት ዜጋታተን ደኣ ኣኸተላ እምበር ናብ መንገዲ ብልጽግና ገጸን ፈልከት ኣይበላን።

* 1917 – ኣብ ሕብረት ሶቬት፡ ብቭላድሚር ሌኒን ዝምራሕ “ሰውራ ቦልሾቪክ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢ ተቓውሞ ይግበር እሞ፡ መንግስቲ ይግምጠል፡ ሌኒን ይነግስ። ስልጣን ምስ ሓዘ ኣይጸንሐን ቀይሕ-ራዕዲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምንቅስቓስ ፈጢሩ፡ ልዕሊ1.5 ሚልዮን ህዝቢ የህልቕ። ድሕሪኡ ጆሴፍ ስታሊን ይነግስ፡ እሱ’ውን ከባቢ 20 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ የህልቕ። ብድሕሪኡ ግን ሶቬት ሕብረት ተዛማዲ ሰላም ኔርዋ ክበሃል ይከኣል፡ ተገደደ ሓያል ሃገር ኮይና ንነዊሕ ጸኒሓ፡ ኣብ ዓለም ከኣ ንብዙሓት ሃገራት “ማርክሲዝም – ሌኒኒዝም” ዓይነት ምሕደራ ክተኽላ ክትሕግዝ ኣብ ብዙሕ ተንቀሳቒሳ ጽልዋ ጌራ ኔራ፡ መወዳእትኡ ግን ብዝተደማመሩ ሽግራት ፈሪሳ።

* 1945 – ሰሜን ኮሪያ፡ ድሕሪ ካለኣይ ኲናት ዓለም ኣሜሪካ ምስ ሶቬት ሕብረት ብምዃን ንኮርያ ናብ ሰሜንን ደቡብን መቒሎማ። ሰሜን ኮርያ ካብ ሽዑ ግዜ ጀሚራ ክሳብ ሎሚ ብዴሳዊት ሃገር እያ ትፍለጥ። ክሳብ ሎሚ’ውን ዳተወራረሱ ስድራ “ኪም” ብዘይ መብረ ይመርሑዋ ኣለዉ። ሰሜን ኮርያ ወላ’ውን ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ብራዕዲ እትምራሕ ሃገር እያ። ስምን ኣቀማቕማን ደቅኻ ከይተረፈ ዝእዝዝ ጨፍላቒ ኣመራርሓ።

* 1949 – ቻይና፡ ዴሳዊ ማኦ ዘ ዶንግ ስልጣን ሒዙ። ኣይጸንሐን ከኣ ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ባህሊ’ታ ሃገር ሓግሒጉ ከልግሶ ተዓጢቑ። ድሕሪ 10 ዓመት “ዓቢ ዝላ ንቅድሚት” ዝተሰምየ ናይ ቁጠባ ምንቅስቃ ጀሚሩ፡ ኣይተዓወተን። ዘይምዕዋቱ ምኽንያት ንህዝቢ ከላግበሉ ፈቲኑ። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ከኣ ከም’ዚ ክብል ኣዊጁ። “እዞም ብርጅዋ ምስራሕ ከሊኦምና፡ ነዚኣቶም ብሓይሊ ጥራሕ ክንድርዕሞም ኣለና”። ኣብ 1966 ቀይሕ-ሓለዋ ዝተሰምየ ናይ ቆልዑ ምንቅስቓስ ፈጥሩ። ኩሉ ቤት ትምህርትታት ክዕጾ ኣዊጁ። ነታ ዓዲ ናብ ህልቂት ክወስዳ ኣይዓጀቦን። ብዘስካሕክሕ መንገዲ ከኣ ልዕሊ 20 ሚልዮን ህዝቢ ተቐቲሎም። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ቻይና፡ ቁጠባዊ ኣካይዳኣ ናብ ርእሰ-ማልነት ብምቕያር፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣምሪሓ ትርከብ።

* ኣብ 1975 – ካምቦዲያ፡ ብፖል ፖት ዝምራሕ ካሜር ሩዥ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዴሳዊ ምንቅስቓስ ስልጣን ሒዙ። ኣፍቃሪ ማኦ ምዃኑ ዝንገረሉ ፖል ፖት ኣብ ውሽጢ 4 ዓመት ጥራሕ፡ 2 ሚልዮን ህዝቢ ካምቦድያ የህሊቑ። ዳርጋ ሓደ ርብዒ ናይ’ቲ ህዝቢ ምዃኑ እዩ። እዞም ዘህለቖም ህዝቢ፡ ብርጅዋ ኢሉ ዝገለጾም እዮም። ምሁራትን ርኹባትን ኣካላት።

* 1959 – ኩባ፡ ፊደል ካስትሮ ስልጣን ምስ ሓዘ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ነታ ሃገር ዳርጋ ን60 ዓመት መሪሕዋ፡ ኣሪጉ ስጋብ ዝመወት። ኩባ ዴሳዊት ሃገር ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ ብፍርሒን ጭኮናን እትምራሕ ሃገር እያ።

ዴስነት፡ ንምልኪ ምቹእ ባይታ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ብጭካነ ዝካየድ ሓደገኛ ኣመራርሓ እዩ። ሓደ ካብ’ቲ ዝኸፈአ ቁጠባዊ ጠባያቱ ከኣ፡ ደቂ ሰባት ዝሰርሐን ዘይሰርሐን ብማዕረ ከም ዝምቀል ምሰረጋገጹ፡ ናይ ምውድዳርን ጽዒርካ ምንባርን መንፈስ ኣጥፊኡ ነታ ሃገር ናብ ምልማስ ገጻ ዝወስድ እዩ ክበሃል ይከኣል።

* ኣብ ዓድና ኸ?

ኣብ ዓድና’ውን እዚ ሃልሃልታ ማርክስነት ጽልዋ ከይነበሮ ኣይተርፍን እዩ። መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን፡ ማርክስነት ፋሽን ኮይኑ፡ ዳርጋ ከም ሃይማኖት ተወሲዱ ሰባት ኣምሊኾሞ ዝነበሩሉ ግዜ እዩ ኔሩ።

ኣብ ዓድና ጥልያን ወጸ ወጸ እንግሊዝ መጸ መጸ ምስ ኮነ፡ ኣብ ሓምሳታት ቁሩብ ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ሓሳብካ ምግላጽ ዕድላት ኔሩ ይበሃል። ኣብ’ዚ እዋናት እምበኣር ኣብቶም መጻሕፍቲ ዘንብቡ መንእሰያት ጽልዋ ኔርዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ተቓውሞ መንፈስን፡ ደማዊ ሰውራ ጌርካ መንግስቲ ናይ ምግምጣል ሓሳብን ካብቶም ዝተማህሩ ሰባት ዝመጽእ ዝነበረ ሓሳባት እዩ።

ገለ ካብቶም ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ እዋንን ሱሳታትን ዝዓበዩ፡ ከም በዓል ኢሰያስ ኣፈዎርቂ፡ ሳሕል ምስ ከዱ’ውን ኣይጸንሑን ንፖለቲካዊ ትምህርቲ ንቻይና እዮም ተላኢኾም። ምስ ተመልሱ ከኣ ንዴስነታዊ ኣካይዳ ይሰርሑሉ ከምዝነበሩ ንዕዘብ። ንኣብነት ኣብ 1973 ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ነቶም ምሁራት፡ ብርጅዋ ወይ ናኡስ-ብርጅዋ ይብሉዎም ከም ዝነበሩን፡ ነቶም ደቂ ሓረስቶት ከኣ ከም ውጹዓት ጌሮም፡ ናይ ብርጅዋን ሸቃላይን ጠባያት ኣላቢሶም፡ ኣብ ነንሓድሕዶም ጽልኢ ብምርኳዕ፡ ከምዘጥፍኡዎም መቸም ብናይ ቃል መሰኻኽር ሰሚዕናዮ ኣለና። እዚ ከኣ ብርግጽ ጠባያት ናይ ዴስነት ምዃኑ ብሩህ ይመስለኒ።

እቲ ዘሕዝን ግን ዴስነት ዝተማህዘ ነተን ብርእሰ-ማልነት ዝምረሓ ሃገራት፡ ካቡኡ ንምን’ጋፍ ተባሂሉ እዩ። ኣብ ዓድና ግን ከም ባህሊ እንተ ርኢናዮ ናይ ብርጅዋን ሸቃላይን ጠባያት ኣይነበረን። እቲ ሕብረተሰብ፡ ብባህላዊ ሕጊ ዝመሓደር፡ መሬት ብማዕረ ንኹሉ ዝምቀል፡ ኮታ ብቐደሙ ብማዕርነት ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ እንታይ ዴስነት ኣድለዮ? ኣብ ከተማታት ዝነብር ውሑድ ህዝቢ ገዲፍካ። እንተ እቲ ናይ መግዛእቲ ግን ካልእ ሕቶ እዩ። ኣብ ኣፈታትሑኡ እዩ ዘሎ ቅሬታይ።

ብዝኾነ ገለ ካብ’ቲ ኣብ ቃላቶም ክንረኽቦ ንኽእል ኣሰራት ምስ እንርኢ፡ ከም መዓርነት፡ ብርጅዋ፡ ደርቢ፡ ገባር፡ ውልቃውነት፡ ማሕበራውነት፡ ዴስነት፡ ቀይሕ ዕምበባ… ወዘተ እዞም ቃላት እዚኣቶም ካብ ባህላዊ ኣጸዋውዓ ዘይኮኑስ፡ ካብ’ታ ናይ ማርክስ መጽሓፍ “ዴስነታዊ ማኒፈስቶ” ዝቦቐሉ ዓይነት ኣጸዋውዓ ምዃኖም ንግንዘብ።

እቲ ደማዊ ሰውራ ዝብል ኣምር’ውን ንባዕሉ ካብ ማርክስነት እዩ ዝብገስ። ካብኡ ተበጊሱ ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ምናልባት ካልእ ግዜ ንምለሶ ንኸውን። በዚ ኮይኑ በቲ ግን ብደቂቕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እምበኣር፡ ማርክስነት ገፊሕ እዩ። ሕማቕ ኢዩ ኢልካ ክትድምድሞ’ውን ኣይከኣልን። ናብ ብልጽግና ክመርሕ ዝኽእል ስነ ሓሳብ ክኸውን ይኽእል፡ ናብ ህልም ዝበለ ገደል ሒዝካ’ውን ክጸድፍ ይኽእል፡ ኣብ ኣተገባብራኡ እዩ ዘሎ እቲ ቁምነገር።

ማርክስነት መንግስቲ ክትዓሉ እዩ ዘተባብዕ፡ ለውጢ ተደሊኻ ብደም ጥራሕ ከምዝመጽእ ይመክር። ንልዕሊ ሓደ ዘመን ከኣ ኣብ ዓለምና ዓቢ ጽልዋ ዝገበረ ስነ ሓሳብ ኮይኑ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ተሓቑፉ ይርከብ።

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -