ክልተ ሰብ ርእስኻ የላን እንተበሉኻ ሃሰስ በላ፡ መኣስን ኣበይን፧

Must Read


ኣወንታውነትን ኣሉታውነትን እዛ ምስላ ኣብ ሓንቲ ዘንቢል።


እዛ ኣበሃህላ’ዚኣ ኣብ ሕብረተሰብና ካብተን ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ብብዝሒ ንጥቀመለን ኣበሃህላታት ሓንቲ ኢያ።ተጠቃምነታ ውን ብብዝሒ ኣብ መንእሰያት ከይኮነ ኣይተርፍን። 
ምስላታት ትርጉሞምን ድሕረባይትኦምን ኣጠቓቕምኦምን ብግቡእ ምስ ዘይፍለጡ ዘውርድዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣዝዩ ዓብን ብዙሕን ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ መኽንያት ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብና፡ ንምስላታት ልዕሊ እቲ ኣዛናጋዒን ኣስሓቕን ባህሪኦም ከም ውጹኣት ሓቅታት ስለዝሓስቦም እዩ። ንመሳላይ ውን ለባም ዝብል ቅጽል ዘሕንግጡ ውሑዳት ኣይኮነኑን። ድሕሪ ምስላ ዳርጋ ዘረባ የለን። ካብ ብዙሕ ምግያይ ክሳድ ምሓዝ ኢሎም ክንደይ ግዜ ብምስላ ጌሮም ሓሳባትና ከይንህብ ደው ዘየበሉና፣ሓቂሓይሽ ምስላታት ኣብ ዕላላቱ እና ሰኾዐ ዝዛረብ ማራ እየ ዝፈቱ፣ብዋጋ ኣተሓሳስባይ ክኸውን ግን ከፍቅድ ኣይደልን። ኣፍቂደ ውን ኣይፈልጥን። ምስላታት ከም ውጹኣት ሓቅታት ምስዝሕሰቡ ፡ቤት ፍርዲ ዊዒልካ ፡ፍርድኻ ተቐቢልካ፡ ብውሳነ ቤትፍርዲ ከምዝተሳዓርካ፡ ርእስኻ ኣድኒንካ ዝበልኩሞ ይኹን ከም ምባል እየ ዝቖጸሮ ። ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ኣሽንካይ ዶ ግዜ ዘይቅይሮ ምስላታት ሲ፣ ግዜ ዘይቅይሮ ስነፍልጠታዊ ሕግታትን ሓቅታትን’ኳ የለን። እቲ ሕቶ ቀያሪ ሰብ ዲኻ ኣይኮንካን እዩ።ገስጋሲ ዲኻ ዓቃባዊ ኣብ ንነብስኻ እተምጽኣላ ለውጢ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።

እቲ ቀደም ዘመንሲ እዛ ንነብረላ ዘለና ምድሪ ዘይኮነት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ትዘውርሲ ጸሓይ ንባዕላ እያ ኣብ ዙርያ ምድሪ ትዘውር ይበሃል ነይሩ።ደሓን ይእቶ ፖላንዳዊ ኒኮላስ ኮፐርኒከስ ኣብ ምቕያር እዚ ሓቂ’ዚ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ። ዓለም ምስ ተፈጥረኣዊ ሕግታት ምቕያር ትቃለስ ንሕና ካኣ ኣብ ሰልሚ ብኣሉታውነት ዝዘቕበቡ ምስላታት ተዋሒጥና ንነብር።መዋጽእቲ ደኣ ይፍጠር እምበር። ስለምንታይሲ፡ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም ብእትብል ኣባሃህላ ከም ሓቂ ወሲዱ ዓዱ ዝገድፍ ኣይምተረኽበን። ምስ ሰብካ ጸበባ ዳርጋ ጸባ ኢሉ ኣብ ኣርዑት ሕሰምን ሽግርን ዝነብር ውን ኣምበይ ምተረኽበን ። መኣስ እዚ ጥራይ፣ኣደይን ዓደይን ዝብል ኣይከብርን ኢዩ ኢሉ ዓዱ ገዲፉ ሃጽ ዝብል ውን ሽታ ማይ ምኾነ ነይሩ።እምባእ ኣደይን ዓደይን ዘየኽበራኒ ደኣ መን ከኽብረኒ ይኽእል።ነቲ ዓድኻ ከም ሰይተቦ ኮይና ንኽትራኣየካ ብተዘዋዋሪ ዲዩ ብቐጥታ ብዘየገድስ እጃሙ ዘበርክት ኣካል ፡ ኣብ ክንዲ ምስዚስ ኣይንበርን እዩ ኢልካ ትገጥምስ፡ ዓድኻን ኣዴኻን ገዲፍካ ሃጽ። ይዋእካ! እዚ ኣባሃህላ እዚ ናብ ካልእ ክትርጎም እካ ዝካኣል እንተኾነ፡ ክብደት ኣሉታዊ ጽልውኡ ግን ነቲ ጽቡቑ(እንተልዩዎ) ፈይ ፈይ ከም ዝብል ገሩዎ ኣሎ። ካልእ ውን ብዙሕ ክጥቀስ ይከኣል እዩ። ምስላታት ነጸብራቕ ናይቲ ግዜ ዝተመሰልሉ ዝነበሩ ወይዘለዉ ሕብረተሰብ እዮም ። ኣሉታውያን፡ ኣወንታውያን፡ ኣተባባዕቲ ፡ኣቆናጸብቲ ፡ ትርጉሞም ዝሰሓቱ፡ ምስ ግዜ ዝኸዱ ወይ ዘብቅዑ(outdated ንኣብነት ብዕራይ ኣብ መልሲ ሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ) ወዘተ ነቲ ዝነበረ ማሕበረ ቁጠባዊን ባህላውን ደረጃ እዮም ዝገልጹ፣ካብዚ ሓሊፎም ውን ነቲ ዝነበረ ምዕባለ ወይ ዕቤት ኣተሓሳስባታት ከም ዝገልጹ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ናብታ ኣርእስቲ እስከ ክንምለስ። ክልተ ሰብ ርእስኻ የላን እንተበሉኻ ሃሰስ በላ ወይ ጉዳም ዘረባ ርእስኻ እታ ትላዘበላ ወይ ትካታዓላ ዘለኻ ርእስስ ሃሰስ ክትብላ መስደመም እዩ። እዚ ኣበሃህላዚ ትርጉሙ ምስ ርእሲ ሃሰስ ምባል ዘተኣሳስር እካ እንተዘይብሉ ነቲ ትብሎ ዘለኻ መርገጺ ጽቡቕ ጌርካ ክትጠራጠረሉ ከምዘለካ ዝገብር እዩ። ርእስኻ ሃሰስ በላ ምስተባህሉ፡ ኣብ መስትያት ከይዶም ህላውነት ርእሶም ዘረጋግጹ ውን ኣበይ ክሳኣኑ ኢሎም። ንምዃኑ ግን እዛ ኣበሃህላ ኣበይ እዩ ክንጥቀመላ ዘለና? ኣበይ ከ የብልናን?ሓደ ሓደ ክብል ኣፍቅዱለይ።

እንገብሮም ክትዓት ዓይነቶም ብዙሕ እዩ ፣ ንኣብነት እንገብሮ ክትዕ ሓቂ ወይ ሓሶት ከም መልሲ ናይ ሓደ ሕቶ ምስዝኸውን፡ መልስና ሓንቲ ምዃና ጽቡቕ ጌርና ስለ ንፈልጥ፣ 2 ወይ ልዕሊ 2 ሰብ ምሳኻ ምስዘይሰማምዑ ንሶም ትኽክል ናይ ምህላው ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ክትዓት ኣብ ዝጸንሓካ መርገጺ ክትጠራጠር ዘለካ። ምጥርጣርን ከም ዝተጋገኻ ምቕባልን ግን በበይኑ እዩ ። እቲ ዘሕዝነካ ምጥርጣር ከይኣክል ብብዝሒ ሰብ ተዳሂልካ ተጋግየ ኢልካ ርእሰ ምትሓት ክትገብር ከለኻ እዩ ። እቲ ክትንከፍ ዘይግበኦ ክብሪ ነብስኻ ዝኾነ፡ ርእሰ ምትእምማን፡ ኣብ ሕሱር ዕዳጋ ኣውሪድካ ፡ኣልባቡ ኣጥፊእካሉ።

ከም ካልኣይ ውን ንመን፡ እንታይ፡ኣየኖት (ስለምንታይን ብኸመይን ዝብሉ ሕቶታት ገዲፍካ)ዝብሉ ሕቶታት መልሶም ኣብ ሓሳባት ዝምርኮስ ምስዘይከውን፡ እዛ ኣበሃህላ ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና ። እዚ ንኽኸውን ግን ፍሉጥ ዝኾነ መልሲ ዘለዎ ሕቶታት ክኸውን ኣለዎ፣ ንኣብነት ርእሲ ከተማ ሕመኣ መን ትበሃል ንዝብል ሕቶ ፡ ካብ 3 ሰብ እቶም 2 ዋሽንግተን ዲሲ ምስ ዝብሉ እቲ ንበይኑ ኒውዮርክ ዝበለ ክጠራጠር ናይ ግድን እዩ ፡ ንምንታይ ሓደ መልሲ ዘለዋ ሕቶ ምዃና ፍሉጥ ስለዝኾነ ።ኣብ ሓንቲ ሃገር 2 ርእሲ ኸተማ ምህላው፡ በዚ ዘለናዮ ግዜ ፡ ኣብሓደ ሰብ 2 ርእሲ ከም ምህላው ማለት ከምዝኾነ ኣንዳዕዲዕካ ስለትፈልጥ ፣ ስለዚ ኣብዘን 2 ኣብነታት በቲ ዝግበር ዘሎ ክትዕ እንተተጣራጠርካ ቅቡል እዩ ንምንታይሲ ብዛዕባ ሓቂ(fact) ኢኻ ትካታዕ ዘለኻ ።

እዘን ዝሓለፋ 2 ኣብነታት ናይ ክትዕ ወይ ርትዕ ምስቲ debate ዝብል ናይ እንግሊዝ ቃል ዘሰማምዕ የብሉን፣ ዲቤት ናይ ኣራእያታት፣ሓሳባት ፍልልይ ብዘለዎም ሰባት ክግበር ከሎ ፡ እዚ ኣብ ክንዲ ዲቤት(debate ) ንጥቀመሉ ናይ ትግርኛ ትርጉሙ ከኣ ክትዕ እዩ ፣ ዲቤት ኣብ ውሽጢ ክትዕ(ብናይ ትግርኛ ኣጠቓቕማኣ)ክትኣቱ ትኽእል እያ ፣ክትዕ ግን ብዲቤት ኣይትውከልን ኢያ ። ”Debate is a formal discussion on a particular matter in a public meeting or legislative assembly, in which opposing arguments are put forward and which usually ends with a vote”.google dictionary. Debating ኩልና ከም ንፈልጦ ንሓደ ሕቶ ብብዙሕ ሸነኻቱ እና ጠመትካ ዝግበር ናይ መን ሰዓረ ኣፋዊ ውድድር እዩ።

ኣብ ኣራኣእያኻ ብንጹር ኣቐሚጥካ Debate ኣብ ትገብረሉ ግዜ 2 ወይ 3 ሰባት ምስ ኣታሓሳስባኻ ስለዘይተሰማምዑ ኣብ ኣራኣእያኻ ናይ ተሰዓርነት መንፈስ ምስተርኢ ፡ ብኡንብኡ ርእሰ ምትእምማንካ ካብ ነብስኻ መሊቛ ከምትሃድም ምስክርነት ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። ኣራኣእያ ሓቂ ወይ ሓሶት ኢልካ ክትከፋፍሎ ዝከኣል ኣይኮነን።ኣብ ኣራኣእያኻ ብዝሒ ተሰማማዒ እንተረኺብካ ድንቂ። ውሑድ ሰዓቢ ምስትረክብ ከኣ ብድምጺ (vote)ከም ዝተሰዓርካ ጥራሕ እዩ ክትፈልጥ ዘለካ፣ካብኡ ሓሊፉ ምስ መርገጺኻ ምብኣስ ናይ ድኹማት እዩ። ሰባት በቲ ዘለዎም ርድኢት ናይ ሓደ ኩነት(phenomenon) ብሰንኪ እዛ ኣበሃህላ እዚኣ ሓፊሮም ነብሶም ከውድቑ ክርኢ ከለኹ ብዙሕ ይሓዝን። ግን እንታይ ዘይገበሩ ግዳይ ብግቡእ ኣጠቓቕምኡ ዘይፈለጡዎ ኣባሃህላ ኮይኖም። መብዛሕትኡ ግዜ ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ፡ከም ተመኩሮይ፡ክብሪ ፍልልይ ናይ ኣራኣእያታት ዘይፈልጡ እዮም።ዋላ እካ ቀንዲ ሽግር እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት፡ጅሆ እዛ ምስላ ዚኣ ጥራሕ ምኻን እዩ ክበሃል እንተዘይተኻእለ፡ ምስ ካልኦት ረቓሒታት ተጎዝጊዛ ዓቢ እጃም ከም ተበርክት ግን ዘጠራጥር የብሉን። ካብዛ ኣባህላ እዚኣ ፈንጢሱ ክወጽእ ዝሓስብ ወይ ዝፍትን ከኣ እሞ ‘ዓይኒ ኣውጥኣ እንድዩ’ ከይበሃል ማራ እዩ ዝፈርህ። መስኪናይ ብኹሉ ኬላታት ኣብዚሑ ። ሮግራግ ዓጢነ እንተበልኩዎስ መን ይቕየመለይ ይኸውን? ሰብሲ ብኼላታት ብዙሓት መርትዖታት እንተተሓጽረ እዩ እመበር፣ብሰነፍ ባዕላውያን ሓጹራት ዶ ምተሓጽረ! ካብዞም ጉጅለ ውጹኣት ኢና ዝብሉ ሰባት ውን ኣለዉ። ንሶም ካብ ጭብጥታት ፡መርትዖታት ወይ ርትዓውነት ናይቲ ኣርእስቲ ወጺኦም ዓይኒብለይ ስኒ ብለይ ኢሎም ኣብ ባህሪ(ዝዓሞቐ ክፋል ናይ ቀላይ) ናይቲ ክትዕ ድርግም ዝብሉ እዮም። እዚኦም ዓይነት ሰባት ግዳያት ተባዕ ኣይሞተ ፈራህ ኣይሞተ ዝብል ኣባሃህላ ዝኾኑ ኮይኖም ይስምዑኒ።

ልክዕ ከምቲ ባህልና ብሕማቕን ጽቡቕን ኣብ ኣተሓሳስባና ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎ፣ ምስላታትና ውን ንኡስ ክፋል ናይ ባህልና ብሙኻኖም መጠን ጽልወኦም ዓቢ ከምዝኾነ ርዱእ ይመስለኒ። ምስላታት ወይ ኣባሃህላታት ካብቶም መንነቶም ዝተቐልዑ ንድሕሪት ዝጎቱ ብዙሓት ውን ተረፍመረፍ ስለ ዘለዉ ንምቅልዖም ሓባራዊ መጽናዕቲ ወይ ተፍትሽ እንተተኻየደ ጽቡቕ ውጽኢት ምተረኽቦ ኢለ ይኣምን ። ቡኡንቡኡ ከኣ ካብቶም ከይፈለጥናዮም ግዳዮም ገሮሙና ዘለዉ ባህላውያን ምስላታትና ይኹኑ ልምድታት ምተናገፍና።

ወድሓንኩም!

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -