ጾታዊ ርክብ፡ ገለ ካብ ኣጠቓቕማ

Must Read

ትሕቲ ዕድመ ምንባብ ኣይፍቀድን እዩ።
(© readers discretion is advised)

ኣብ ሕብረተሰብና ብሰንኪ ናይ ጾታዊ ርክብ ጸገማት ብዙሓት ሰብ ሓዳር’ዮም ናብ ፍትሕ ዘምርሑ። እቲ ጸገም ድማ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ኣጠቓቕምኡን ዝምልከት ጽሑፋት ምቕራብ ከም ነውሪ ስለ ዝርአ፡ ዝበዝሑ ሰብ ሓዳር ንእሽተይ ፍልጠት ኣገባብ ኣጠቃቅማ ጾታዊ ርክብ ሒዞም ጥራይ እዮም ኣብ ሓዳሮም ዝጎዓዙ። እዝን ከም’ዚ ኣተሓሳስባታትን ድማ ኣብ ሕብረተሰብና፡ ኣብ ሓዳርናን ናብራናን ጽልዉኡ ይገድፍ ኣሎ። ንሎሚ ኣብ ገለ ጽሑፋት ካብ ዘንበብክዎ፡ ብዛዕባ ኣገባባት ጾታዊርክብ ዝምልከት’የ ከቅርበልኩም። ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ምንባብ ግን ኣይፍቀድን እዩ። ሰናይ ንባብ!!

ጾታዊ ርክብ ዝበዝሑ ሰባት ስምዒትካ ኣርዊኻ ናይ መጻምድትኻ ስምዒታት ኣብ ግምት ከየእተኻ ከም ምፍጻም እዮም ዝርድእዎ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ተመራመርቲ ኣብ ብዙሓት ዕዉታት ሰብ ሓዳር ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕትታትን ዝጥቀሙሉ ኣገባባት ጾታዊ ርክብን ዘዳለውዎ ጽሑፋት ነዚ ይመስል።

1) ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምጅማር፡ ካብ ክልቴኹም መጻምድቲ ወይ ኣብ ሓዴኹም ዝኾነ ጸቓጢ (stress)፡ ጭንቀት ወይ ድማ ናይቲ ዝወዓልኩሞ ስራሕ ምሒር ድኻም ከይህልወኩም ኣረጋግጹ። ጓለንስተይቲ፡ በዓል ቤትኪ ድኻምን ጭንቀትን ከም ዘለዎ ኣብ ገጹ እንተንቢብኪ ንስለ ንዓኺ ዕግበት ኢሉ ጾታዊ ርክብ ይገብር ከይህሉ ኣረጋግጺ። ምኽንያቱ፡ ከምኡ እንተኾይኑ ንዓኺ ኢሉ እዩ ክገብር እምበር ኣብ ነብሱ ዘሎ ስምዒታት ብጥዓሚ ትሑት ስለዝኸውን፡ ከም’ቲ ዝድለ ኣየዕግበክን።

2) መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ናይ ወዲ ስምዒታት ቀልጢፉ ይለዓል ቀልጢፉ ድማ ይዝሕል። ናይ ጓል ኣንስተይቲ ግን ብኣንጻሩ ቀስ ኢሉ እዩ ዝረስንን ዝዝሕልን፡ ግዜ የድልዮ። ስለ’ዚ ወዲ ተባዕታይ ቅድሚ ጾታዉ ርክብ ምጅማሩ ምስ’ታ መጻምድቱ ኣብ ሓደ መስመር መታን ክመጹ ስምዒታ ዘለዓዕል ከም ምስዓም፡ ኣጥባታ ምድርራዝ፡ ውሽጣዊ ወገን ሰለፋ ምድራዝን ርሕሚ ምትንኻፍን ከዘውትር ኣለዎ። ምኽንያቱ ናይ ጋል ኣንስተይቲ ስምዒታታ ቀልጢፎም ዘለዓዕሉ ክፋል ኣካላታ ንሶም ስለዝኾኑ። ወዲ ተባዕታይ ግን ስምዒቱ ክለዓል ግዜ ስለ ዘይወስደሉ ምስዕዓም ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ገለ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከም’ዚ ህሞት ናይ’ቲ መጻምድተን መትሎ ይተናኽፍኦ’ሞ እተን ኣብ ቀረባ ዝጸንሓ ፈሳሲ ስምዒት መጻምድታ ኣብ ኩሉ ከይበጽሓ ኣብ ኩስቱምኡ ወይ ስሪኡ ይተርፋ። ስለ’ዚ ኣብ ከም’ዚ ኩነታት መትሎ ወዲ ተባዕታይ ዘይምትንካፍ ተመራጺ ይኸውን።

3) ብድሕርዚ ክልቴኹም ብስምዒት ብረስኒ ምስ ተቓጸልኩም ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምጅማርኩም እንተውሓደ ንክልተ ደቓይቅ ብዘይ ምትንኻፍ ስቕ ክትብሉ ኣለኩም። ሽዑ ንሽዑ ርክብ እንተጀሚርኩም ናይ’ቲ ወዲ ስምዒታት ኣብ ጥርዚ በጺሑ ስለ ዘሎ ቀልጢፉ ይሰደን’ሞ፡ መጻምድትኻ ገና ከይጀመረት ንስኻ ወዲአ ክትብላ ንዓኣ ውን ጽቡቅ ኣይስምዓን። ስለ’ዚ ቁሩብ ነብስኻ ንክልተ ደቓይቅ ዝኸውን ንፋስ ተህርሞ፡ ስምዒታትካ ድማ ተረጋግኦ።

4) ድሕሪ እዚ ኹሉ፡ ጾታዊ ርክብ ትጅምሩ። ኣብ ግዜ ርክብ ምህዋኽ ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ። ስለ’ዚ ቀስ ኢልካ ሃዲእካ ምስ ትፍጽሞ ተመራጺ ይኸውን። ምስኡ’ውን ነታ መጻምድትኻ ምስዓምን ምድርራዝን ኣይትብቀቐላ።

5) ኣብ ሓዳር ግሉጽነት ክህሉ ኣለዎ። ሰብኣይን ሰበይትን ብኽፉት ልቢ ድሌታቶምን ስምዒታቶምን እንተዘይተነጋጊሮም ብሓንሳብ ናይ ምንባር ተኽእሎኦም ጸቢብ እዩ። ኣብ ሞንጎ ርክብ ሰበይትኻ ከመይ ይስምዓ ኣሎ ወይ ሰብኣይኪ ከመይ ይስምዖ ኣሎ ክትተሓታተቱ ኣለኩም። ግና ዝበዛሕና ደቂ ሰባት ኣብ ግዜ ርክብ ንኸምዚታት ክንዝክር ዓቅሚ የብልናን። ምክንያቱ ጾታዊ ርክብ ናብ ካልእ ዓለም ስለ ዝወስደና ብዝተኻእለና መጠን ዋላ ኣብ ሞንጎ ርክብ ነብስና ክንፈልጥ ኣለና።

6) ሓደ ወዲ ተባዕታይ ስምዒቱ ንኸርዊ ካብ 10 ክሳብ 20 ደቂቅ እኹላት እየን። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ግን ስምዒታ ንኸተርዊ ብገምጋም ካብ 30 ክሳብ 45 ደቃይቅ እዩ ዝወስደላ። ብኸመይ ደኣ ደቂ ተባዕትዮ ስምዒታቶምን ምስ መጻምድቶም ዘለዎም ናይ ግዜ ፍልልይን ከናውሕዎ ይኽእሉ?

* ኣብ ሞንጎ ርክብ ስምዒታቶም ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ መትሎ ካብ’ቲ ኣትይዎ ዝጸንሐ ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ ኣውጺኻ ነቲ ክወጽእ ዝሓሰበ ስምዒታትካ ምትህድዳእ። ምኽንያቱ ንሰን እንተኸይደን፡ መጻምድትኻ ገና ኣይወድአት ንስኻ ስምዒታትካ ወዲእካ ኣለኻ። ስለ’ዚ ክሳብ ንሳ ትውድእ ናብ ሞንጎ እንዳውጻእካ ከተጻንሖ ኣለካ።

* ካልኣይ ድማ ኣብ ግዜ ርክብ ዝግበር ዓይነታት ኣቃውማ ኣካላት (position)። ጓለንስተይቲ፡ ምስ መጻምድኺ ብሓንቲ ዓይነት position ርክብ ምግባር ማለት ንመጻምድትኺ ቀልጢፉ ንኽውድእ ነዳዲ ምሃብ ማለት እዩ። ብዝተኻእለኪ መጠን ምስ መጻምድትኺ ፖዝሽን እንዳቀያየርኪ ርክብ ክትፍጽሚ ኣለኪ። ምኽንያቱ ብዘይካ እቲ ኣብ ክልቴኹም ዝፈጥሮ ባህታ ፖዝሽን ክትቅይሩ ከለኹም እቲ ወዲ ተባዕታይ ሓጻር ናይ ዕረፍቲ ግዜ ይረክብ ስለ ዘሎ ስምዒታቱ ንኽቆጻጸሮምን ከተሃዳድኦምን ግዜ ትህብዮ ኣለኺ ማለት እዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ኣብ ግዜ ርክብ ክትበራረ ኣለካ፡ ወዲ ተባዕታይ ጥራይ ነቲ ርክብ ዝቕልሶ እንተኾይኑ ክደክም እዩ፡ እታ መጻምድቱ’ውን ከተብርዮ ኣለዋ።

7) ኣብ ሞንጎ ርክብ፡ መጻምድትኺ ስምዒታቱ ከተሃዳድእ ክብል ስምዒታቱ እንተመይቶሞ ኸ ብኸመይ ኣገባብ ናብ’ቲ ዝነበሮ ትመልስዮ? ናብ ከናፍሩ ለጊብኪ ክትስዕምዮን ክትደራርዝዮን ጀምሪ። ኣእዳውኪ ናብ ሞትሉኡ ብምስዳድ ክትተናኽፍዮ ጀምሪ። መጽናዕትታት ኣብ ጽሑፋቶም ከምዘስፈርዎ፡ ወዲ ተባዕታይ ጓል ኣንስተይቲ ብልዕቱ ክትትንክፎ ምስ እትጅምር ስምዒታቱ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ደቓይቅ ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ እዩ ዝድይብ።

8) ኣብ መወዳእታ ድማ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ኣብ ገለገለ መጻምድቲ ዝርአ ጉድለታት፡ ውድእ ምስ ኣበልካ ሽዑ ንሽዑ ኣብኡ ከለኻ ሕቖ ንሕቖ ተወሃሂብካ ምድቃስ። ድሕሪ ርክብ’ውን ከም’ዚ መኪና ካብ ሓሙሻይ ማርሺ ኣንጢርካ ናብ ቀዳማይ መሊስካ ቀልጢፍካ ደው ከተብላ ወይ ከተዝሕላ ዘይትኽእል ንስኹም’ውን ገና እቲ ረስኒ ናይ ኣካላትኩም ናብ ንቡር ስለዘይተመለሰ ርክብ ምስ ወዳእኩም ክንዲ ተቐላጢፍካ ምድቃስ እንተወሓደ ንክልተ ደቓይቅ ክትሰዓዓሙን ክትተናኸፉን ይግባእ። ብድሕሪኡ ክንዲ ሕቖ ንሕቖ፡ ተሓቛቒፍኩም ትድቅሱ።

ከም ተወሳኺ: – ምስ ኣፍቃሪትካ ይኹን መጻምድትኻ ኮፍ ኢልካ ቅድሚ ምድቃስኩም ፍቕራዊ ዓይነት ፊልምታት ምርኣይ ኣብ ሓዳርካ ይኹን ፍቅራዊ ህይወትካ ኣብ እትፍጽሞም ርክባት ብዙሕ ጥቕምታትን ትምህርትን ኢኻ ትኸስብ። ሕጉስን ፍቕሪ ዝመልኦ ናብራን ንኽትመርሕ ድማ ይሕግዘካ።

ምንጪ:- ኣብ google ካብ ዝተረኽቡ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ዘንበብኩዎ እዩ።

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -