ሽሻን ጉድኣቱን፥ (“ሓደ ሽሻ ማዕረ 100-200 ሽጋራ ምትካኽ እዩ” ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO))

Must Read

“ሽሻ እንተኣትኪኸስ ካብ ካልኦት ዓይነታት ወልፍታትን ትንባኾታትን ዝሓሸ ድዩ???” 

ዝብል ሕቶታት ዘለኩም/ክን ውሑዳት ዘይክትኾኑ ትኽእሉ። ሽሻ ዝበሃል ኣገባብ ምትካኽ ትንባኾ ግኑን እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ ልምዲ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም’ውን ብብዝሒ ክዝውተር ይጀማምር ኣሎ። ኣብ ሃገርና ዋላ’ኳ ልሙድ ኣይኹን ነቲ ዘሎ ጥዕናዊ ጸገማት ተገንዚብና ምጥቃሙ ከነወግድ ንላቦ። ብሓፈሻ ሽሻ ላዕለዋይ ክፋል ርእሲ፡ ማእከላይ (ትኪ ካብ ርእሲ ንታሕቲ) ዝወስድ ኣካል፡ ታሕተዋይ ማይ ዝሓዘ ፍያስኮ ወይ ብርለ፡ ካብኡ ዝነቅል ትቦ መምጸዪ ትክን ዘጠቃለለ እዩ። ኣብ ላዕሊ ናይቲ ርእሲ ዝፍለጥ ክፋል ብፍሩታዊ ምኡዝ ሽታ ዝተቃመመን ዝተመቃቀረን ጥሉል ትንባኾ ይግበር። ንዕኡ ብምንዳድ ኣብ ርእሲ እዚ ጥሉል ትንባኾ መንፊት ዘለዎ ኣልሚኑም ሽፋን ገጢሙ ጓህሪ ይግበረሉ። እቲ በዚ ምቅጻል ዝፍጠር ትኪ ድማ ናብ ፊያስኮ ብ ማእከላይ ዓቢ ትቦ ጌሩ ይኸይድ። ኣብ ፊያስኮ ዘሎ ማይ ተሓዊሱ ፍሪቅርቅታ ፈጢሩ ብካልእ ካብ ፊያስኮ ዝብገስ ትቦ ተመጽዩ ብኣፍ ናብ ሳንቡእ ይሰሓብ። 
እዚ ኣገባብ ምትካኽ ትንባኾ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለምና ብዝተፈላለዩ ኣስማት ይልለ። ንኣብነት ኣብ ቱርክን ሶርያን ናርጊለ ትባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ግብጽን ሰሜናዊ ክፋል ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራትን ሽሻ ወይ ጎዛ ይበሃል። ኣብ ሃገረ ህንዲ ድማ ሁካ ይጽዋዕ። 
በንጻር ናይቲ ካብ ጥንቲ ዝእመነሉ ርድኢት፡ ካብ ሽሻ ዝወጽእ ትኪ ብዙሓት ተጓዳእቲ መርዛማት መንሽሮ ሳንቡእ፡ ሕማም ልብን ካልኦት ሕማማትን ከምጽኡ ዝኽእሉ ኣለዎ። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ዓይነታት ትንባኾ፡ ኒኮቲን ዝበሃል ኬሚካል ስለዘለዎ ተደጋጋሚ ምጥቃም ወልፊ እንዳሓየለ ክማዕብል ይኽእል። ኣብ ግዜ ምትካኽ ሽሻ ካብ ሽጋራ ብተዓጻጻፊ ዝዛይድ ልዕሊ ዓቀን መጠን ትክን ንውሓት ግዜን ይሰሓብ። ኣትከኽቲ ሽጋራ ካብ 8-12 ( ካብ 40 ክሳብ 75 ሚሊሊትር ኡፍታ ኣብ ውሽጢ ገምጋም 5-7 ደቓይቅ) ይስሕቡ። ስለዚ ካብ 0.5 ሊትር (ፍርቂ ሊትሮ) ክሳብ 0.6 ሊትር (600 ሚሊሊትር) ናብ ሳንቡኦም ይስሕቡ። በንጻሩ ሽሻ ካብ 20 ክሳብ 80 ደቃይቅ ዝወስድ ኮይኑ፡ ካብ 50 ክሳብ 200 ኡፍታ ይሰሓብ። ናብ ሳንቡእ ድማ ገምጋም ካብ 150 ሚሊሊትር ክሳብ 1 ሊትር ይኣቱ። ሰለዚ ክልቲኡ ኣገባብ ምትካኽ ከነወዳድር ከለና ሓደ ሽሻ ዘትክኽ ሰብ ክንዲ 100ን ልዕሊኡን ሽጋራ የትክኽ ማለት እዩ።
ገለ ካብቲ ኒኮቲን ዝበሃል ወልፊ ከምጽእ ዝኽእል ኬሚካል ኣብ ማይ እኳ እንተተረፈ፡ ሽሻ ዘትክኹ ሰባት ወልፊ ከምጽእ ዝኽእል ዓቀን ክወስዱ ይኽእሉ። ኒኮቲን ካብ ዓቀን ንላዕሊ እንተተወሲዱ ዕግርግር የምጽእ። ኣትከኽቲ ሽጋራ ከትክኹ ከለዉ ነቲ ዘለዎም ወልፊ ሽጋራ ዘዕግብ ዓቀን ምስ ረኸቡ ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይ ብዝሒ ኒኮቲን (ማለት ዕግርግር) ከይመጸ ኸሎ የቋርጽዎ። ኣብ ሽሻ ግን ነቲ ኣብ ማይ ዝተረፈ ኒኮቲን ንምትካእ ተባሂሉ ዝያዳ ትኪ ይሰሓብ። ኣብቲ ትኪ ብዙሓት መንሽሮታት ከምጽኡ ዝኽእሉ ኬሚካላትን እቲ መርዛም ኣደንዚዙ ክቀትል ዝኽእል ካርቦን ሞኖክሳይድን ኣሎ። ስለዚ ኣትከኽቲ ሽሻ ካብ ኣትከኽቲ ሽጋራ ንላዕሊ ነዞም ኬሚካላት ናብ ሳንቡኦም ይስሕብዎም። ጎዳእነቱ ድማ ብዕጽፍታት ይውስኽ። በዚ መሰረት ኣትከኽቲ ሽሻ ልክዕ ከም ኣትከኽቲ ሽጋራ ብዙሓት ዓይነት መንሽሮታት፡ ሕማም ልቢ፡ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስን ኣብ ግዜ ጥንሲ ኣሉታዊ ጸገማትን ይረኽቡ/ባ። ካብ 1990 ጀሚሩ ሽሻ ግኑን እንዳኸደ ይዝውተር ኣሎ። ኣብ ዓለምና፡ ዋላ’ኳ ኣብ ኩሉ ወገናት የስፋሕፍሕ እንተሎን ናይ ሽሻ ካፈታት ይምስረታ እንተለዋን፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቓ፡ ምብራቃዊ ሜዲተራንያን ክፋልን ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ብብዝሒ ይዝውተር ኣሎ።

ስነ-ፍልጠታዊ ሓቕታትን መደምደምታታትን

ምትካኽ ሽሻ ከም ምትካኽ ሽጋራ ጌሩ ብሰፊሕ ኣይተጸንዐን። ካሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ኣገባብ ምትካኽ፡ ኬሚስትሪ ናይቲ ትክን ጥዕናዊ ጸገማቱን ግን፡ ሃሳይነቱ ማዕረ ምትካኽ ሽጋራ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። እዞም መጽናዕትታት እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቕታትን መደምደምታታትን ክበጽሑ ኪኢሎም።
1. ሽሻ ምትካኽ ንኣትካኽን ጥቅኡ ኮይኑ ዝወጸ ትኪ ዝስሕቦ ዘሎ ሰብን ሓደገኛ ዝኾነ ጥዕናዊ ጸገማት የስዕቡ። 
2. ሽሻ ተጠቂምካ ትንባኾ ምትካኽ ውሕስነት ዘለዎ ምተካእታ ምትካኽ ሽጋራ ኣይኮነን።
3. ኣብ ልሙድ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ምትካኽ ሻሻ ዝጠፈእ ክፍለ-ግዜ ካብ 100 ክሳብ 200 ዕጽፊ ዓቀን ትኪ ናይ ሓንቲ ሽጋራ ትኪ ንሳንቡእ ይሰሓብ። ስለዚ ሓደ ሽሻ ማዕረ 100-200 ሽጋራ ምትካኽ እዩ። 
4. ዋላ’ውን ትኪ ናይ ሽሻ ብማይ እንተሓለፈ፡ መርዛማት ኬሚካላት ከም ካርቦን ሞኖክሳይድ፡ ሜታልስን፡ መንሽሮ ዘስዕቡ ኬሚካላትን ይሰሓቡ።
5. መንደዲ እቲ ጥሉል ትንባኾ ዝሕግዝ ፈሓም ውን ምስተቃጸለ ኣዝዮም መርዛማት መንሽሮ ዘምጽኡ ኬሚካላትን ካርቦን ሞኖክሳይድን ዝሓዘ እዩ።
6. ጥኑሳትን ኣብ ማህጸን ዘለዉ ዕሸላትን ነቶም መርዛማት ኬሚካላት ዝተቃልዑን ተነቀፍትን ኮይኖም ከቢድ ጥዕናዊ ጸገማት ክመጾም ይኽእሉ።
7. ካብ ሽሻ ዘትክኽ ሰብ ዝመጸ ትኪ ሓደገኛን ብዙሕ ጥዕናዊ ጸገማት ከምጽእ ዝኽእልን እዩ።
8. ዝኾነ ናይ ሽሻ ትቦታት ዝገጥም መሳርሒ ወይ ሓጋዚ ኣካል፡ ንምትካኽ ሽሻ ውሑስ ክገብሮ ኣይክእልን።
9. ኣብ ኣፍ ዝኣቱ ንእሽተይ ምስሓቢ ትኪ ዝኸውን ተሰኳዒ ነገር ጌርካ ኣብ ብዝሓት ሰባት ምክፋልን ምጥቃምን ንብርክት ዝበሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከም ሕማም ቲቢን ወይቦን ዘስዕቡ ቫይረሳትን ከስዕቡልና ይኽእሉ።
10. ትንባኾ ናይ ሽሻ ብ ምኡዝ ጨና ዝመቀረን ዝጠዓመን እዩ። ማራኺ ምኡዝ ጨናን ምቑር ጣዕምን ስለዘለዎ፡ ብዙሓት ትንባኾ ዘየዘውትሩ ሰባት፡ ብፍላይ ንኣሽቱ መንእሰያት ሽሻ ከዘውትሩ ይጅምሩን ይውለፉን። ነዚ ፈሊጥና ክንጥንቀቀሉ ንምዕድ።

ምንጪ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ዘካየዶ መጽናዕቲ ዝተወስደ
ትርጉም ዶ/ር ሓድነት ዑቕባይ

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -