ሓዳርን ዓራትን

Must Read

ገለ ሰባት፣ “ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም እንተ ዘይደሊኻ ተመርዖ” ክብሉ ሰሚዐ። “ወይለከ ማይ ዘይጠዓመ ዘረባ” ዶ በልኩም፡ ከምኡ’ዩ ዘሎ እቲ ወረ። ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን፡ ጾታዊ ርክብ ሓደ ካብቶም ሓዳር ክብትኑ ዓቕሚ ዘለዎም ሽግራት ኮይኑ፡ ድሕሪ ቁጠባ ኣብ ካለኣይ ድረጃ ተሰሪዑ ንረኽቦ። ገለገለ ሰብ ሓዳር ብዘይ ጾታዊ ርክብ ንሰሙናት፡ ገለ’ውን ንኣዋርሕ ከይተተናኸፉ ዝጸንሑ ኣለዉ። ኣብ ሓዳሮም ሕጉሳት ክሳብ ዝኾኑ ግን ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ሽግር ዝጅምር፡ ሓዲኦም ክደልዩ ከለዉ ሓዲኦም ግን ፍጹም ድሌታቱ ክዕጾ ከሎ እዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ብሓንቲ ሃገራዊት ጋዜጣ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ 10,000 ሰባት መጽናዕቲ ተጌሩ ኔሩ። ካብዚኣቶም እቶም 75% ኣብ ሓዳሮም ሕጉሳት ክኾኑ ከለዉ፡ ካብዞም 75% ድማ እቶም ፍርቆም ኣብ ሓዳሮም ናይ ጾታዊ ርክብ ሽግራት ከምዘለዎም ሓቢሮም። ሰብ ሓዳር፡ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናይ ሓዳሮም፡ ክሳብ ክልተ ጊዜ ኣብ ሰሙን ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ። ምስ ጊዜ ግን ዳቐነሱን ዳዛሕተሉን ይኸዱ። 20% ካብ ሰብ ሓዳር ከኣ ትሕቲ 10 ጊዜ ንዓመት ርክብ ይፍጽሙ።

ንምንታይ ኢና ግን ኣብ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ክንፍጽም ንግደድ? መልሱ፡ ኣብ ሓንጎልና ሓደ PEA ዝበሃል ቀመም ወይ ኬሚካል ኣሎ። እዚ ቀመም ስርሑ፡ ብዓይኒ ርክብ ንጥምቶም ደስ ዝብሉና ሰባት ክንርእይ ከለና፡ ነቲ ናይ ፍትወትን ሕጉስ መንፈስን ስምዒታት ዘለዓዕል ቀመም እዩ። ኣብ ኣካላትና፡ ብደምና እንዳተዛወረ ደስ ዝብል ስምዒት ይፈጥር። እንተኾነ ግን ድሕሪ ከባቢ ክልተ ዓመት ኣቢሉ እዚ ቀመም እዚ እንዳጠፈአ ይኸይድ’ሞ፡ ሽዑ እቲ ቆየቛን ባእስን ሰብ ሓዳር እንዳበኣሰ ዝኸይድ። እቲ ጾታዊ ርክብ’ውን ቡኡ መጠን ይዝሕትል። ኣብ’ዚ እምበኣር ንስድራቤት ከድሕን ዝኽእል መፍትሕ እንተደኣ ሃልዩ፡ ጽቡቕ ናይ ምዝርራብ መንፈስ እዩ።

ንምንታይ ኢዩኸ ገለ ሰባት፡ ሰብ ሓዳር ክንሶም ቀጻሊ ከም’ቲ ዝድለ ርክብ ዘይፍጽሙ ወይ ዘይሕጎሱ? እሱ ከኣ ምስ ዘይእኹል ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ዝተሓሓዝ እዩ። ብፍላይ ንደቀንስትዮ ክዓብያ ከለዋ፡ ባህልን ሃይማኖትን ስለ ዝግድደን። ብወለዲ ይኹን ካልእ መቕርብ፡ ጾታዊ ርክብ ከም ሓደ ኣነዋሪ፡ ዘፍርሕን ዘሕንኽን ኮይኑ ጥራይ እንዳተነግረን እየን ዝዓብያ። ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ማለት ከም ዘሕጉስን ደስ ዘብልን፡ ከምኡ’ውን ንኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ጥዕናና ጠቓሚ ነገር ኮይኑ ስለ ዘይንገረን ከኣ፡ ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ደቀንስትዮ ከም ሕማቕ ስእሊ ተቐሪጹ ይተርፍ። ገለ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝፈጥሮ ባህታ ክገልጻ ኣብ ዝሕተታሉ፡ “ወዲ ንዓይ ቅድም ዘየወዳኣኒ ኣይብልን እየ፡ ምኽንያቱ እቲ ጉዕዞ ናብ’ቲ መወዳእታ፡ ንባዕሉ እኹል ሓጎስ እዩ” ክብላ ጥርዘ-ጾታዊ-ዕግበት ዋጋ ከምዘይብሉ ይዛረባ። እዚ ኣበሃህላ ግን ጌጋ እዩ። ንኣብነት፡ ክልተ ፍቑራት ኣብ ሓንቲ ባቡር ተሰቒሎም ጉዕዞ ናብ ሓደ ኣዝዩ ደስ ዘብል ቦታ ይተሓሓዙዎ። ኣብ’ታ ባቡር ተሓቛቒፎም እንዳዕለሉን ብሓጎስ እንዳተዘናግዑን ይኸዱ። ባቡር ኣብ መዕረፊኣ ክትበጽሕ ልክዕ ሓንቲ ፌርማታ ክትተርፋ ከላ ግን እቲ ወዲ ዘሊሉ ይወርድ እሞ፡ እታ ጓል በይና ኣብታ ባቡር ትተርፍ። ጽቡቕ ዶ? ኣበሃህላይ ርዱእ ይመስለኒ። ንመጻምድትኻ ጥርዘ-ጾታዊ-ዕግበት ከተብጸሓ ከም ግዴታኻ ክትወስዶ ኣለካ። ስለ’ዚ ግቡእ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ዘይምህላው፡ ድሕሪ መርዓ ኣብ ዝግበር ርክብ ሳዕቤን ኣለዎ።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘበነ ኢንተርነት፡ ትምህርቲ ጾታ ብዝሓሸ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ነኣሽቱ መናእሰይ ብዝቀለለ መንገዲ ካብ ኢንተርነት ብዛዕባ ትርጉም ጾታዊ ርክብ፡ ጥቕሚ፡ ሜላ፡ ከመይ ጌርካ ንመጻምድትኻ ዝለዓለ ሓጎስ ትፈጥርን፡ ካልእን ክመሃሩ ዕድል ኣለዎም። ብግቡእ ክድፈኣሉ ዘለዎ እዩ ኸኣ። ምኽንያቱ እዚ ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ቀለልቲ ነገራት ሰኣን ምፍላጥን ምትግባርን፡ ሓዳር ካብ ቅዱስ ኪዳን ናብ ቅዱስ ገሃነም ክቕየር ጊዜ ስለ ስለዘይወስደሉ።

ክኢላን ኣመኻሪትን ኣብ’ዚ ዓውዲ ዝኾነት ማውሪን ማክግረት ክትገልጽ ከላ፡ ሰብ ሓዳር በበይኖም ጌራ ኣብ ዘዛራረበትሉ፥ ገለ ሰብኡት ካብ ምስ ኣንስቶም ዘይምቅርራቦም ዝተላዕለ ሕሉፍ ሓሊፎም ግብረ-ሕቡእ ክገብሩ ከም ዝግደዱ ይሕብሩ። ጸገም ይህልዎ ዶ? ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ግብረ-ሕቡእ እዩ ኸ ጸገም የብሉን ዝበሃል? ክሳብ ስራሕካ ክትከይድ ዝኸኣልካ ጸገም የብሉን። ኣብ ስራሕ ኮይኖም ዝገብሩ ኸ ደኣ እንታይ ክበሃሉ እዮም? ወይለከ። ጉድ’ዩ ዘይንሰምዖ የለን። ካልእ ካብ ስምዕታ ደቂ ተባዕትዮ ኸኣ፡ ስራሕ ውዒሎም ኣብ ዝመጹሉ ሰዓት፡ በዓልቲ ቤቶም ምስ ረኣዩ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ይሓስቡ እኳ እንተኾኑ። የግዳስ፡ እግሮም ኣብ ኣፈፌት ርግጽ ምሰበሉ፡ ሰበይቲ ከም ግርጭ ኢላ፡ “ጸባ ተማሊእካ ዶ? ባዕልኻ ዘይትሓስቦ?” ምስ እትብሎም ስምዒታቶም ክስበር ይኽእል’ዩ። እዚ ጥራሕ ግን ኣይኮነን ሽግራቶም፡ ሰበይቲ ብናይ ጉልበት ስራሕ ልባ ጠፊእዋ ትውዕል፡ በቲ ቆልዑ በቲ ስራሕ ገዛን ካልእን ሸውሃታ ትዕጾ’ሞ ክዳና ሓፍ ከተብለልካ ዓቐብ ይኸውን። ሰብኣይ ከኣ ኣይርደኣን፡ “ክትዘውር ጢልጢል ክትብል ግን ኣይትደክምን ኢያ” ኢሉ ኮርፈፍ ይብል፡ ሓሻኩ!! ንሳኸ ቁሩብ ልምልም ተበለት ወጀብጀብ ገዲፋ እንታይ ከይትኸውን እያ?

ሓደ ጊዜ ንሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ዝኾነት መቕርበይ ገዝኣ ከብጻሓ ኢለ ይኸደልኩም፡ ኣብ’ቲ ጥቓ ገዝኣ ምስ በጻሕና፡ ሉቸ ናይ መደቀሲኣ ተወሊዓ ትርእያ’ሞ፡ “እንድያሞ እንድያሞ ኣብ ገለ ዘወር ኢልና ንምጻእ፡ እዚ ሰብኣይ ይጽበየኒ እዩ ዘሎ፡ ይደቅስ ቅድም” ትብለኒ። ምስ ሰብኣያ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ድሌት ከምዘይብላ ትነግረኒ ኣላ ማለት’ዩ። ኣነ ከኣ፡ “ንዒ ደኣ እተዊ ገዛኺ፡ እዚ በዓል ቤትኪ ከኣ ኣብ መደቀሲኡ ኬድኪ ፍቕሪ ፍቕሪ ኣጻውትዮ፡ ተዘየለ ካልኦት ዘፍቅርኦ ክህልዋ እየን” በልኩዋ ቁሩብ እንተቀንአት ኢለ’የ። ሓሲባትኒ! ኣይተገደሰትን። ናብ ካልእ ጸብጻብ ጥዕና ኣትየ፡ ገለ ካብ ጥቕምታት ጾታዊ ርክብ ክነግራ ጀሚረ፡ “እንዳነኣስኪ ትኸዲ፡ ቆርበትኪ ልምጽምጽ የብሎ፡ ጥዑም ድቃስ ትድቅሲ…” ዘርዘርኩላ’ሞ፡ “እንድያሞ ጥራሕ” በለትኒ ትርር ኢላ። ፍጹም ኣብኡ ከምዘየላ ተገንዚበ ከኣ መንገደይ ቀጸልኩ ከዛውራ ክሳብ ሰብኣይ ዝድቅስ። ተጠራጢረ ግን፡ ምናልባት ዶ ገለ ክትዛረበሉ ዘይትደልይ ጸገማት ይህልዋ? ከም ብህጻንነትካ ከለኻ ዘጋጥሙ ጾታዊ ዓመጽ? ምኽንያቱ ናይ ኣእምሮ ቁስሊ ጾታዊ ዓመጽ፡ ክሳብ ምሉእ ሂወትካ ክጸንሕ ስለ ዝኽእል።

ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ከኣ፡ አረ ገሊኦም ሲ ኣብ ክሊ ዕድመ ሰላሳታት ዝርከቡ፡ ናይ ምቕናዕ ጸገም ኣለዎም። ምቕናዕ መትሎ ማለተይ እየ። ሓደ ፓይሎት፡ ነፋሪት ካብ መሬት ኣተንሲኡ ኣብ ላዕሊ ጸምበለል ኣቢሉ ኣብ መሬት ከውርዳ ተዘይክኢሉ፡ ኣብ ሞተር ናይታ ነፋሪት ጸገም ኣሎ ማለት እዩ። ኣበሃህላይ ሲ፡ ጸገም ምቕናዕ መትሎ እንተደኣ ሃልዩ ኣብ ሞተር ጸገም ኣሎ ማለት’ዩ፡ እታ ሞተር ልቢ እያ። እዚ ሕማም፡ ጠንቁ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ዝኣክል ግን፡ ሕማማት ልብን ሰራውር ደምን ከምኡ’ውን ሽኮሪያ (Cardiovascular disease & Diabetes)፡ እዚኦም ክልተ ዓበይቲ ሽግራት፡ ተወሳኺ’ውን ከም ትሑት መጠን ነዝዒ ተስተስትሮን፡ ጭንቀት፡ ወልፊ መጠኑ ዝሓለፎ መስተን ሽጋራን፡ ዘይተፈትሑ ግጭት፡ ናይ ገንዘብ ሽግርን ካልእን ተደማሚሮም ካብ ድሌታት ጾታዊ ርክብ ጠጠው ከብሉኻ ይኽእሉ። ኣብ ርክብ ዘይብሉ ሓዳር ከኣ ጥሒልካ ክትተርፍ ትኽእል ማለት’ዩ።

ኣብ ሓዳር፡ ጾታዊ ርክብ ሓደ ኣዝዩ ዓብን ኣገዳሲን ክቃለል ዘይብሉ ነገር እዩ። ኣብ ርክብ ዘይፍጽሙ ሰብ ሓዳር ዘሎ ሽግራት ብክኢላታት ክግለጽ ከሎ፡ እቲ ዝስምዖም ስምዒት፡ ጽምዋ ወይ ብሕትውና እዩ። ቁጡዓት ይኾኑ። ንነብሶም ከኣ ከም ዘይጠቕሙ፡ ዘይምልኩዓት፡ ዘይፍቑራት ጌሮም ይወስድዋ። ብሕትውና ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛ ነገር እዩ፡ ጸቕጢ ደምካ ወሲኹ ኣብ ዘይዕድሜኻ ክወስደካ ይኽእል።

ብዙሓት ደቀንስትዮ ምኽሪ ኣብ ዝደልያሉ ጊዜ፡ “ሰብኣይክን ምስ ካልእ ክዘውር እንተዘይደሊኽን፡ ኣብ መደቀሲ ኣይትሕመቓ፡ እንተዘይኮይኑ ናብ ካልኡ ከይዱ ክረኽቦ ክፍትን እዩ።” እንተ ኢልካየን፡ ይኹርያ እየን። “እሞ ሰብኡት ዝዞሩስ ብሰንኪ ኣንስቶም እዮም በሉና ኣግሂድኩም” ይብላኻ። እሞ መዓስ ሓሶት ኮይኑ። ዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕቲ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቲ ሓቂ ናብኡ ገጹ እዩ። ሰብኡት፡ እቲ ሓዳር ይደልይዎ እቲ ጾታዊ ርክብ ከኣ የድልዮም፡ ከም ነገሩ ከኣ ክፈትሕዎ ይፍትኑ። ደቀንስትዮ ዝዞራ ውን ኣይተሳእናን እቲ ምኽንያት ግን በበይኑ እዩ። ደቀንስትዮ ክዞራ ተጀሚረን፡ መብዛሕቱኡ ጊዜ ንሰብኣየን ይገድፈኦ እየን፡ ምኽንያቱ ምስ ቀበጸኦ እየን ናብ ዙረት ዝኣትዋ። ሽማግለ ክዓርቁ ምስ ተኣከቡ ከኣ፡ “ብነብሰይ’የ” ይብላ’ሞ እዚ ከኣ መብዛሕቱኡ ጊዜ ንጾታዊ ዘይዕጋበት ስለ ዝገልጽ ወላ እቶም ሽማግለ ክደፍሩዎ ዘይክእሉ ኣርእስቲ ኮይኑ ንኸፋትሑዎም ይግደዱ። በዚ ኮይኑ በቲ፡ ዙረት ብክልቲኡ ወገን ኣሎ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ዘመነ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መሊሱ ብኢሱ ክበሃል ይከኣል። ብፈይስቡክ ዕላል ይጅመር፡ ናይ ቪድዮ ዝተሰነየ ዕላል ይቕየር፡ ክዳንካ በብሓደ ምውጻእ ይቕጽል፡ ብኣካል ትራኸብ፡ ከምቲ ዝገብሩዎ ትገብር። ክትሰርቕ ምስ ተተሓዝካ ከኣ ን GENE DN4N ተላግበሉ። (እዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ተወርሶኣዊ ባእታ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተፈልጠ፡ ዙረት ብውርሻ ኣብ ውሽጥና ምሳና ክፍጠር ይኽእል እዩ ንዝብል ኣበሃህላ ዘራጉድ እዩ።)

እቲ ቀደም ዘበን ሓዳር ዝግበር ዝነበረ፡ መጻምድቲ ክትረክብ፡ ቆልዑ ክትወልድ፡ ኮታ ንቡር ዝበሃል ክትገብር እዩ። ሕጂ ግን እቲ ንቡር ዝበሃል እንዳተቐየረ መጺኡ። ናይ ምዕራብ ፊልምታትን መጻሕፍትን ተኸቲልካ፡ ዘይውዳእ ፍቕሪን ሃነይነይታን ኣብ ሓዳር ክህሉ ንጽበይ ኣለና። እዚ ከኣ ንተፈጥሮ ልዕሊ ዓቕሙ ነገር ምሕታት፡ ይኸውን ኣሎ። እቲ ዝተመነናዮ ምስ ዘይከውን ከኣ ኣብ ዘይተደልየ ጓሂን ሕማምን ንኣትው ኣለና።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ጾታዊ ርክብ ጽቡቕ እዩ። ንጥዕና ፈውሱ፡ ንሓዳር ሰላሙ። ጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ዑደት ደም እዩ። ክንገብሮ ዝግበኣና እምበኣር፡

* ወዲ ተባዕታይ! ኣብ እዋን ርክብ መጻምድትኻ ናይ ቃንዛ ድምጺ ምስ ትገብር፡ ምስትብሃል ከድልየካ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ትሰምዖ ዘለኻ ድምጺ፡ ንስኻ ዝፈጠርካዮ ናይ ባህታ ድዩ ወላስ ብሰንኪ ረኽሲ ማህጸን ስለ ዝጎዳእካያ እያ ትቕንዞ ዘላ? ምንጋርካ የሕፊርዋ ስቕ ተበለት፡ የሕጒሰያ፡ ብቃንዛ ኔው ነጀው ኣቢለያ ኢልካ ከይትንየት እሞ፡ ምዕንጅሉ ኮንካ ከይትተርፍ። ኣስተውዕል! ምዝርራብ ኣብ’ዚ ጥቕሚ ኣለዎ።

* ምዝርራብ! ምዝርራብ ዓቢ ነገር እዩ። ባህልና ናጻ ኴንና ሓሳብና ክንገልጽ ኣየድፍረናን እዩ። ኣዋልድ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክዛረባ’ሞ በቃ ምጾታት እዩ፡ ዋሑዳት ሰባት ገዲፍካ። ንሳተን ከማን “ኣይናውጣ” ተባሂለን ይግናሓ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ገለ ደቀንስትዮ ደቂ ዓድና ኣብ እዋን ርክብ፡ ብሰንኪ ሕፍረት ወላ እቲ ስምዒታተን ክገልጻ ድምጺ ክገብራ እየን ዝቑጠባ፡ ተነፊሐን ይሞታ መሳኪን። ኣንሶላ ጨቢጠን፡ ጎታቲተን ጥራሕ ስምዒተን ዝገልጻ ብዙሓት ከምዘለዋ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዓው ኢሎም ዝዛረቡሉ ኣርእስቲ እዩ። ኣብ’ዚ ግን ደፊርና ክንዘራረበሉ እንተንኽእል ክንደይ ኮን ምጸበቐ? ደቂ ተባዕትዮ’ውን ካብ ምስ የዕሩኽትኹም ኮንኩም ትሓምዩወን፡ ንዓኣተን እንተ ተተባብዑወን ዶ ኣይምሓሸን?

* መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር። ምትዕጽፃፍካ የዛይድ፡ ቅልጣፈኻ ይውስኽ።

* ንመጻምድትኻ ዝያዳ ኣተኩሮ ምሃብ፡ ቴለፎንካ ኣቐምጣ፡ ፈይስቡክ ኣብ ቅድሚ መጻምድትኻ ዘይኮነ ኣብ ካልእ ጊዜኻ ግበሮ።

* ኣብ ገዛ ኣብ ትህልወሉ፡ ዝበዝሐ ጊዜኻ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ከተሕልፎ ይመኽሩ፡ ሊቃውንቲ።

* ኩሉ ጊዜ ሓደ ፍሉጥ ናይ ድቃስ ሰዓት ክህልወካ ጽቡቕ እዩ። ምስ መጻምድትኻ ብሓንሳብ ኣብ ሓደ እዋን ንዓራት ምምራሕ ግርም።

* ኣእምሮና መፍትሕ ኩሉ እዩ፡ ኣብ ጾታዊ ርክብ ከኣ እቲ ዝዓበየ መሳርሒ ኣእምሮና እዩ።

* እንተተኻኢሉ ከኣ፡ ናይ ሓዳር ዝርርብ ብሙሉኡ፡ መደቀሲ ክፍሊ ዓጺኹም ክዳንኩም ኩሉ ምስ ኣውጻእኩም እንተተገብረ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ምፍትሑ ዝለዓለ ዕድላት ኣሎ።

ካብ Tedx ideas ምርኩስ ብምግባር ዝተጻሕፈ

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -