ኪንዮ ሰናይን እኩይን፡ ስእለ ሓሳባዊ ዕላል ገለ ጠቢባን

Must Read


ጸሓፊ፡ ሽመለስ ስዩም

ትርጉም፡ ዮናስ ባይረ

“እታ መጽሓፍ ኣቐብለኒ ሰበይ። ዋላ ዋላ እዚ ዕላልኩም ኣይተበረሃንን ኣነስ!! ሙድ ዘለዎ ሕክያ’ባ ኣምጽኡ፡ ሳክት እዚ evolution ዘይወድአ ሕክያኹም ኣሰልኪዩና’ኮ፡ በጃኻ እታ መጽሓፍ ግዳ ሃበና?” በለ ቻርልስ ዳርዊን። ኣብ ሓደ ዝኾነ ግዜን ቦታን ዘጋጠመ እዩ፣ ቻርልስ ዳርዊን፡ ፍረደሪክ ኒቸ፡ ሲግመንድ ፍሮይድን ካርል ማርክስን ተጀሚዖም ዳ’ሐከዩ።

ኣብ ሞንጎ’ዞም ኣርባዕተ ሰባት፡ ሓደ ማእከላይ ዕብየት ዘለዎ ጣውላ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ጣውላ ከኣ ሓንቲ ጸሊም ገበር ዘለዋ መጽሓፍ ትረአ። ኦሪትን ሓዲሽ ኪዳንን ዘጣመረት መጽሓፍ ቅዱስ።

“ያኣኸ ሓቅኻ ኢኻ ዳርዊን፡ እስኪ ኬፍ ዘለዎ ሕክያ ኣምጽኡ።” በለ ኒቸ፡ ከም ጸርጸር ኢሉ።

“እሞ ብዛዕባ ዶና ዘይንሕኪ?” ፍሮይድ ሓሳቡ ምሃብ ጀመረ። “ምኽንያቱ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ማእሙና ዶና ኣላ፡ በቃ ብዛዕባ ዶና ነሕኪ።” ፍሮይድ ክዛረብ ከሎ ርእሱ ብኣጻብዕቱ ምትንካፍ ኣመል ኮይንዎ’ዩ።

“ኣታ ፍሮይድ ‘ታኾንካ’ታ?” ማርክስ ተቖጠዐ። “እንታይ ሕክያ ተሳኢኑ ኢና ደኣ ብዛዕባ ዶና ዘሐከና? ስለምንታይ ብዛዕባ ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን ዘይንዛረብ?” ማርክስ እንክቁጣዕ ንሱን ጭሕሙን ልክዕ ኣንበሳ’ዩ ዝመስል።

“ኣይትረብሹና ሳክት ኣይትካትዑ። ብቐደሙ ኣይሁድ ትባሃሉ ኣይትብርሁንን ኢኹም።” ኒቸ ናይ ፍሮይድን ማርክስን ኣርእስቲ ኬፍ ስለ ዘይሃቦ ንክልቲኣቶም ተሳፈዮም።

“እዋይ ኣደይ ትሙት!! ኒቸ ግን psychological complexity ኣለካ፡ ማራ ኢኻ ዓሌታዊ።” ፍሮይድ ንኒቸ ዘለፎ።

“ዓሌታዊ? ንስኹም ኣይሁድ ኬፍ ኣይትህቡንን ኢኹም ሐራይ። ንስኻ አዚ…ፍሮይድ፡ ማርክስ፡ በዓል ኣንስታይን፡ ሙሴ ደስ ኣይትብሉን ኢኹም። ማራ ኢኹም ከምገለ።” በለ ኒቸ ገጹ ብየማናይ ኢዱ ተደጊፉ።

ዳርዊን ኣብዚ ጉዳይ የለን፡ ብስቕታ ኦሪት ዘፍጥረት የንብብ።

ማርክስ ግን ንኒቸ ዓጸፋ ክምልስ “ኣየ ኒቸ! ክያሮ ደኣ ኣኸር ዓሌታዊ’ኳ ኢኻ። ኣብ መጽሓፍካ super man፡ super man.. እናበልካ ለፍሊፍካ፡ ሂትለር ናትካ ፍልስፍና ተኸቲሉ master race ዶ ገለ ዶ፡ ካብ ሰብ ንላዕሊ ሰብ ብምባል ነዛ ኹላ ናይ ኣይሁድ ዘርኢ ጨፍጪፍዋ። ሓቂ ክነግረካ ኒቸ ኣነ ስለ ኣይሁዳዉነተይ ሓሲበ ኣይፈልጥን እንትርፎ ስለ መላእ ወዲ ሰብ።” በቲ ኹነታት ዝሓዘነ ይመስል ማርክስ።

“ኣነ ግን ብኣይሁዳውነተይ ኩሩዕ’የ።” ፍሮይድ ኩርዓቱ ገለጸ። “ንሕና ኣይሁዳውያን ብኸመይ መንፈሳዊ ኣገባብና ሓሊና ከም ዝጸናሕና ንፈልጥ ኢና፡ ተረዲእካ? እመን ኣይትእመን ብምሉኡ ናይ’ዛ ዓለም ታሪኽ ናትና ናይ ኣይሁዳዊያን ዉጽኢት እዩ።” ፍሮይድ ተተርጀገ።

“ሰክት ሕጂ ኣይሁድ ኣይሁድ እናበልካ ምኒን ኣይትበል ኮይስ? በቃ ሕክያ ቀይሩ ኣይተዝዕጁና። ዳርዊን በጃኻ ኢለካ እስኪ ወረ ኣምጽእ ሰኪትካ ዲኻ ተንብብ?” ኒቸ ኣማረረ።

“እዛ መጽሓፍ! በጃኹም እዛ መጽሓፍ ዘንበባ ኣለኩም?” ዳርዊን ብጸጥታ ከንብብ ድሕሪ ምጽናሕ ሓተቶም።

“ኣየ ዳርዊን እንታይ ዝንበብ ተሳኢኑ ኢኻ በል እስኪ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ዘለኻ?” ማርክስ ከምዘይሕብያ ገለጸ።

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ እወ ወደይ መጽሓፍ ቅዱስ ክለዓል ኣቦይ እዩ ትዝ ዝብለኒ” ፍሮይድ ቆዘመ። “ክገርመኩም እቲ ናብ ፕሮተስታንት ዝተለወጠ ኣቦይ፡ ኣብ መበል 35 በዓል ልደተይ ብገጸ በረከት መልክዕ መጽሓፍ ቅዱስ ክህበኒ ከሎ ከም’ዚ ቢሉኒ ኔሩ።”

“ያ ኾለል ኣይትበል ኣሕጽር ኣቢልካ ሓክየና።” ኒቸ ንፍሮይድ ኮለፎ።

ፍሮይድ ግን ብኒቸ ከይተዓናቐፈ ዘረብኡ ቀጸለ። “ኣቦይ ከም’ዚ በለኒ። ዝተፈተኻ ዉሉደይ፡ ገና ብ7ይ ዓመትካ እዩ መንፈስ እግዛብሄር ኣባኻ ዝወረደ። እዚ ካብ ኩሎም መጸሓፍቲ ዝዓበየ መጽሓፍ’ዩ ንበቦ ፍልጠት ገሊጹ ምስትውዓል ከጓናጽፈካ እዩ።” ቢሉኒ ነበረ ከም ገጸ በረከት ክህበኒ ከሎ። “መጽሓፍ ቅዱስ ነቢበዮ፡ ጽቡቕ ስነ ምግባር ይምህረካ እዩ፡ ካልእ ነገሩ ግን ሱቕ ምባል ይሓይሽ።”

“ኣነ ዉን መጽሓፍ ቅዱስ ነቢበዮ’ለኹ” ኒቸ ቀጸለ “መጽሓፍ ቅዱስ’ኮ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ደቂ ሰብ ዝጸሓፍዎ ተራ መጽሓፍ እዩ። ብሉይ ኪዳን ይሓይሽ ከማን እምበር ኣብ ዓለም ምሉእ ካብ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ዘይርይሓኒ ተሎ ሓዲሽ ኪዳን እዩ።” ኒች ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዘለዎ ርድኢት ገለጸ።

“ኣነ ትገርመኒ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳመይቲ መስመር’ያ፡ ከም’ዚ ከኣ ትብል፡ ‘መጀመሪያ እግዚኣብሄር ሰማይን ምድርን ፈጠረ’።” ብምባል ዳርዊን ናይ ዘፍጥረት ቀዳማይ ምዕራፍ ፍቕዲ ሓደ ነበበሎም። “እዛ ጥቕሲ ምስ ረኣኹ’የ ምንባብ ቀጺለያ። ብዝኾነ እግዚኣብሄር መን’ዩ? ሃይማኖት እንታይ’ዩ? ሳክት ካብ ትጨቓጨቑ ግዳ በዛ ጉዳይ ዘይንሕኪ?” ዳርዊን ናይ ሕክያ ኣጀንዳ ክጸድቀሉ ሓተተ። ኩሎም ድማ ተሰማምዑ። ነዞም ኣርባዕተ ሰባት ዘመሳስሎም ነገር እንተሎ ብህላውነት እግዚኣብሄር ዘይምእማኖም እዩ።

“ሕራይ እምበኣር ብዛዕባ ሃይማኖት ወይ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ነሕኪ።” ዳርዊን ዘረባ ጀመረ።

“እግዚኣብሄር ዝበሃል ነገር የለን።” ፍሮይድ’ዩ ዝነበረ ናይ’ቲ ሕክያ ጀማሪ። “እግዚኣብሄር ብናይ ወዲ ሰብ ኣእምሮ ዝተፈጥረ ነገር እዩ።” ፍሮይድ ሓሳቡ ንምብራህ ቀጸለ፡ “The future of an illusion ኣብ ዝብል መጽሓፈይ ከም ዝገለጽክዎ፡ ወዲ ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝፈጠሮ፡ ስነ ልቦናዊ ድልየታቱ ንኸማልእ ክብል እዩ። ናይ ወድ ሰብ ሓይሊ ድማ፡ ኣብ ድልየታቱ ብዘለዎ ጥንካረ ዝተመርኮሰ እዩ። እንሆ ከኣ ንሕንቅል ሕንቅሊተዩ መልሲ ምስ ሰኣነሉን ሽግር ምስ ተደራረቦን ሃይማኖት ፈጢሩ።”

ኒቸ ገጹ ብየማናይ ኢዱ ደጊፉ ንፍሮይድ የዳምጽ፡ ዳርዊን ተመሰጠ፡ ማርክስ ጭሕሙ እናፈሓሰ ብጽሞና ይከታተል።

ፍሮይድ ቀጸለ፡ “ንኣብነት ሓደ ህጻን ናይ ኣቡኡ ምንክብኻብን ሓለዋን ይደሊ። እዚ ህጻን ዝኾነ ነገር ይገጭዎ’ሞ፡ ኣቦኡ ‘ ንዓ’ሞ ዝወደይ ቱፍ በለለይ!’ እዚኣ ድያ ሃሪማትካ ብምባል ነታ ዝገጨወቶ ነገር ምስ ዝሃርመሉ ደስ ኢልዎ ብኽያቱ የቋርጽ። ብተመሳሳሊ መልክዕ እዛ “ቱፍ በለለይ መነዲኡ እዩ ሃሪሙካ’ሞ!?” ትብል ሓገዝ ወይ ምትሕብባል ኣብ ዉሽጢ ባህርና ሒዝናያ ንዓቢ’ሞ በዚ ምኽንያት ፍርዲ ክጎድለና ከሎን ክንፈርሕ ከለናን መከሓሓሲ ክኾነና ንእግዚኣብሄር ንፈጥር። ልክዕ ከም’ታ ብህጻንነትና ድጋፍ ናይ ወላዲና ደስ ትብለና ምስ ዓበና ድማ ይሃሉ ኣይሃሉ ንእግዚኣብሄር ፈጢርና ደስ ይብለና። ንዓይ ናይ እግዚኣብሄር ነገር ብኸምዚ’ዩ ዝርደኣኒ።” ፍሮይድ ዘረብኡ ዓጸወ።

“ኣጀማምራኻን ኣወዳድኣኻን ኬፍ ኣለዎ።” ኒቸ ንፍሮይድ ርእይቶኡ ምሃብ ጀመረ። “እቲ ኣብ ሞንጎ ዘምጻእካዮ ናይ’ቲ ዕያልን ፋዘሩን ዝኸለምካዮ ግን ኣይረየሓንን ምናልባት ትንታነኻ ከም’ቲ ንስኻ ትብሎ psychological ሽቶኡ ይወቅዕ ይኸውን፡ ብዓይኒ ፍልስፍና ግን falacy ሰሪሕካ፡ ማራ weak analogy እዩ።”

“ክላእ! ንዓኻ’ሞ psychoanalysis ኣበይ ክረድኣካ ኢሉ?” ማሉ ከማልስ ፍሮይድ ንኒቸ ኮተመሉ።

“ብዝኾነ ንፍሮይድ ርእያቶይ ክህብ።” ማርክስ ዘረባኡ ጀመረ። “ኣብ ትንታነኻ class antagonism ብዉሑድ ኢኻ ተጠቂምካ። historical, dialectical and materialism ብፍጹም የለን። እዚ ዓቢ ድኽመቱ’ዩ፡ እኳ ደኣ dialectical idealism ዝተጠቐምካ ይመስል። እዚ ድማ ከምቲ ሄግል ዝገበሮ ሓቂ ብርእሱ ከተኺዶ ፈቲንካ፡ እዚ ድማ ዓቢ ጌጋ እዩ፡ ተረዲኡካ? ብድምዳሜኻ ግን እሰማማዕ’የ።” ማርክስ ጭሕሙ ብኣጻብዕቱ ምፍታል ኣመሉ’ዩ። ጭሕሙ እናፈሓሰ “ናብ ናተይ ርእይቶ ክመጽእ እንቶኾይነ፡ ሃይማኖት ንህዝቢ መደንቆሪ ነገር እዩ፡ ኣብ መጻሕፍተይ das kapital and communist manifesto ከም ዝገለጽኩዎ፡ ሃይማኖት ንባዕሉ ከም ካፒታላዊ ስርዓት ንህዝቢ ዝምዝምዝ ነገር’ዩ። ሃይማኖት ማለት ድኻ ከይሰርሕ ድኽነቱ ጼሩ ንሰማይ እናኣንቃዕረረ ምስ ሽግሩ ተላሚዱ ከም ዝነብር ዝገብር ስርዓት’ዩ። ሃይማኖታዊያን ኣብ ዝበዝሕሉ ግዜ ድማ ቁጽሪ ድኻታት ብኡመንጽር ይውስኽ። ኣፍሪቃን ኣውሮጳን እንዶ ኣነጻጽሩ!! ብኣጣቓላሊ ንዓይ ፈጣሪ ዝበሃል የለን። ኣብ ማኒፈስቶይ ከም ዝገለጽክዎ ኩሉ ነገር ናይ ምዱብ ቃልሲ ዉጽኢት’ዩ። እዞም ኩሎም ተኸተልቲ ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ሳክት እዮም ነዛ ኣዳም ዘደንቁርዋ ዘለዉ።” ማርክስ’ውን ከም ፍሮይድ ዛዘመ።

“እንታይ እዩ እዚ class antagonism ዶ ገለ ትብሎ ዘለኻ?” ፍሮይድ ንማርክስ ክሽምጥጦ ፈተነ።

“ሰክት እስኻ ከም’ዚታት ኣይርደኣካን እዩ።” ክብል ኒች ኮለፎ፡ “class antagonism ማለት ዓለም ብምልእታ ብግጭት ዝተመልአት’ያ፡ ናይ ዓለም ኬፍ ዘለዎ ገጽ ከኣ ግጭታ’ዩ። ከም’ዚታት ግን ኣይርደኣካን’ዩ፡ ማኪያቬሊ ዳህስሶ። ንስኻ ሰኪትካ ከም’ቲ ዘሃርካ ሳይኮኣናሊስስ ገለኒውሮሲስ እናልካ ገዓር። ብዛዕባ ዓለም አንታይ ትፈልጥ?” ኒቸ ንፍሮይድ ኣራኸሶ።

“ኣየ ኒቸ ኮምፕሌክሳም ነገር እኳ ኢኺ ክያሮ ደኣ፡ ብቐደሙ እዞም ፈላስፋታት ትበሃሉ፡ ቃላት ጨራሪሕኩም ዝኾመርኩሞ ጽሑፍ ትርጉሙ ምስ ጠፍኣኩም ክትሸናኽሩ ዘይትገብርዎ ነገር የለን። ኣስታሕምል ያኣኽ ኣምሰሉ።” ፍሮይድ ዕዳኡ ክመልስ ፈተነ።

“Survival of the Fittest” ዳርዊን ብናይ ፍሮይድን ኒቸን ዳዕዋ ተኸየፈ፡ “ፊት ዝኾነ ይዕወት ኣንፊት ዝኾነ ይሰዓር። ማርክስከ እንታይ ትብል ኣብ’ዛ ጉዳይ?” ክብል ዳርዊን ንማርክስ ጠመቶ።

“ዳርዊን ዓርከይ፡ class antagonism ማለት ከም’ዚ እዩ” በለ ማርክስ። ማርክስን ዳርዊንን ብኒቸን ፍሮይድን ኣባጨዉ።

“ሕጂ ኩሉ ረጅዕዎ’ሞ ንዓይ ስምዑኒ።” ዳርዊን ከረጋግኦም ፈተነ። ቀኒዕዎ ድማ ጸጥ በሉ። “ኣብ’ታ The orgin of species እትብል መጽሓፈይ ስለ ዘገምታዊ ለውጢን (evolution) ኣመጻጽኣ ወዲ ሰብን ብዙሕ ኢለ ኣለኹ። ከም’ቲ ዝበልክዎ ዝኾነ ይኹን ነገር ከምዘይተፈጥረን ህላወ ፈጣሪ ዘመልክት ምንም ነገር ከምዘየለን ግልጺ’ዩ። ፈጣሪ ይኹን ተፈጣሪ የለን፡ ኩሉ ነገር ናይ ዝግመተ ለውጢ ዉጺት’ዩ፡ ኣኸለ!!” ዳርዊን ዘረባኡ ዓጸወ። ብዙሕ ምዝራብ ውን ኣይፈቱን’ዩ።

“ኣየ ዳርዊን!!” ኒቸ ምንቃፍ ጀመረ። “ክያሮ ክሕክየካ እዛ Survival of the Fittest ትብልያ ነገር ሓሪፍ እያ፡ ኣብ ብዙሕ ነገር’ውን ትውዕል’ያ ይቕበላ’የ። እንተኾነ ግን እዛ ዘገምታዊ ለውጢ እትብል ጉዳይ ንባዕላ ዘገምታዊት ነገር እያ። ቀዳማይ ነገር ስለ ምህላውን ዘይምህላውን ናይ እግዚኣብሄር መረጋገጺ ክትከውን ኣይትኽእልን’ያ፡ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ሃልዩ ኩሉ ነገር ብዘገምታዊ ለውጢ ይኹን ኢሉ ፈቒዱ እንተኾይኑ ናትካ ትዮሪ ሓመድ በሊዓ ሞይታትካ ማለት እዩ’ኮ። ካልኣይ ነገር ኢቮሉሽን ንባዕሉ ሳይንስ ዘይኮነ ካልእ ሃይማኖት ኮይኑ’ዩ ዝስመዓካ፡ ገና’ኮ ክልሰ ሓሳብ’ዩ ጀለሴ? መረጋገጺ ዝበልካዮም በዓል ዓሳ፡ ህበይ ገለ እዮም፡ ኣእማኒ ኣይኮነን ናይ ሕማመይ።”

“ኒቸ ማራ’ዶ ገጽ ሪኢኻ?” ዳርዊን ከም ቁጥዕ በለ። ኒቸ ካብ’ታ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ናብ ዳርዊን ቅርብ በለ’ሞ ኩሎም እክብ በሉ። 1 ቆሮ 1፥19 ገንጸሉ’ሞ ከም’ዚ ዝብል ድማ ኣንበቡ። “ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ’ውን ከፍርስ እየ። ዚብል ጽሑፍ እዩ’ሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ ንዓና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።” ንባቦም ናብ’ታ ትስዕብ ፍቕዲ ከጸሉ፡ “ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ? ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ? መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ? ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ?”

“እንታይ’ዩ ዝብል ዘሎ’ታ፡ በጃኻ ኢለካ ንቕድሚት ቀጽል ኣበይ ኣላ ኢልካ ዘይትርይሓካ ጥቕሲ ተውጽእ ያኣኽ” በሉ ተጠማሚቶም።

ዳርዊን ግንጽል ግንጽል ኣበለ’ሞ፡ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ከይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።” ተነበበ።

“ገደደ!! ናብ’ቲ ብሉይ ኪዳን እስከ ውሰደና በጃካ” በለ ኒቸ ጻርጻር ኢሉ።

ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ናብ መዝሙር ዳዊት ኣበሉ። “ዓሻስ ብልቡ ኣምላኽ የልቦን ይብል..”

ኒቸ ኩልፍ ኣቢሉ፡ “ኣታ እንታይ ጌርናዮ ኢና? ናብ ጸርፊ እምበር ኣትዩ? ገንጽል ንቕድሚት በጃኻ።”

ገናጺሎም ምሳሌ በጽሑ፡ “ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ መጀመርያ ጥበብ እዩ።”

“ዕጸዎ በጃካ ዕጸዎ፡ ኣፈራሪሑ’ኮ ወዲእና። ከመይ’ዩ ወደይ’ዚ?”

ከምኡ’ናበሉ ብዙሕ ተኻትዑን ተዘላለፉን።

ኣብ መወዳእታ ኒቸ ህድእ ኢሉ፡ “ክላእ ሱቕ ኢልካ’ዩ’ዚ። ኪንዮ ሰናይን እኩይን ካልእ ኣማራጺ እንተዝነብር ክንደይ ኮን ምጠዓመ?” ክብል ኣስተንተነ።

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -