ቢትኮይን (Bitcoin)

Must Read

ኣብ 2008 ዓ.ም፡ ኣብ ሕ/መ/ኣሜሪካ ቁጠባዊ ውድቀት ኣጋጢሙ ኔሩ። ቁሩብ ሰሙናት ካብ’ዚ እዋን እዚ፡ ሓንቲ bitcoin. org እትበሃል ዌብሳይት ናብ ኢንተርነት ተመዝገበት። ስም ወናኒኣ ከኣ “ሳቶሺ ናካሞቶ” ይንበብ። እዛ ዌብሳይት ሓደ መልእኽቲ ሒዛ’ያ ዝተቐልቀለት፡ ቢትኮይን (Bitcoin) ዝተሰምየ ብመንገዲ ኢንተርነት ዝሰርሕ ገንዘብ ክትዝርግሕ ምዃና ኣፍለጠት።

ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ ዓመተ 2017፡ ብሃንደበት ዋጋ ሸርፊ 1 ቢትኮይን – 20,000 ዶላር ኣሜሪካ በጺሑ ንዓበይቲ ባንክታትን መንግስትታትን ሸቐልቀል ከብል ይረአ’ሎ። እንታይ ዘሻቕል ኣለዎም ባዕላቶም ከምድላዮም ዝገብርዎ ሸርፊ? እንታይ እዩ’ኸ ቢትኮይን? ዝብል ሕቶታት ክልዓል ይኽእል። ቢትኮይን እንታይ ምዃኑ፡ መን ፈጢርዎ፡ ብኸመይከ ዋግኡ ሰማይ ክዓርግ ክኢሉ ንዝብልን ካልእን ብሕጽር ዝበለ ንኽትገልጾ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኣርእስቲ’ኳ እንተኾነ፡ ሓፈሻዊ ኣፍልጦ ንምኽሳት ግን ብዝተኻእለ መጠን ኣቕሊለ ክገልጾ ክፍትን እየ።

ኣብ ጥሪ 2009 ዓ.ም፡ መን ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈልጠ “ሳቶሺ ናካሞቶ” ነዚ ዝተጠቕሰ ቢትኮይን ዝበሃል ገንዘብ ኣብ ሓደ ምዕቡል ብሎክቸይን ዝበሃል ሶፍትወየር ኣንጺፉ ኣብ ኢንተርነት ዘርገሖ። ቢትኮይን፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዓለምና ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተቖጻጻሪ ኣካል ዝንቀሳቐስ፡ ምስ’ዚ መንግስቲ ይኹን ማእከላይ ባንኪ ክቆጻጸሮ ብዘይክእል መልክዕ ዝተሰርሐ ዓይነት ሶፍትወየር ተሳንዩ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ከንሳፍፍ ጀመረ።

ኣብ መጀመርያ ዓመቱ በጀካ እቶም ኣብ ዓውዲ ኢንተርነት ዝነጥፉ ሊቃውንቲ ኮምፒተር ሳይንስ እተዘይኮይኑ መብዛሕትኡ ተራ ህዝቢ ብዙሕ ኣይግደሰሉን ዝነበረ። ብኡ መጠን ከኣ ተጫረቕቲ፡ “ገንዘብ ደብተራ (Nerd Money)” እንዳበሉ ይጽውዕዎ ነበሩ። ቢትኮይን ግን ኣብኣቶም ተሓጺሩ ኣይተረፈን፡ ምኽንያቱ ክትግደሰሉ ዘገድድ ጠባያት ዝሓዘለ ብምዃኑ።

ቢትኮይን፡ ዝቆጻጸሮን ዝዝውሮን ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት የብሉን። እዚ ሶፍትወየር’ዚ ሓንሳብ ምስ ተዘርገሐ ዝኾነ ክቆጻጸሮ ዝኽእል ኣካል የለን፡ ወላ እቲ መስራቲ። ብመንገዲ ኢንተርነት ኣቢልካ ዕድጊ ከተካይደሉ እትኽእል፡ ናብ ድላይካ ክፋል ዓለም ብዘይዝኾነ ክፍሊት ትሰድድ። እንታይ ትገብር ከምዘለኻን መንነትካን ዝኾነ መንግስቲ ኣይቆጻጸሮን። እዚ ጠባያት እዚ ከኣ ነቶም ብኣሰራርሓ ባንክታት ላሕ ኢሎም ዝጸንሑ ኣውፈርቲ ኣዕይንቶም ክስሕብ ጀመረ።

እንታይ’ዩ ግን ዋጋ ዝህቦ ዘሎ?

ክሳብ እዚ እዋን ዝጸንሐ ኣሰራርሓ፡ ብኢንተርነት ዝኾነ ነገር ክትሰድድ ከለኻ ቅዳሕ ናይ’ቲ እትሰዶ ምሳኻ ይተርፍ እዩ። ንኣብነት ሓንቲ ደብዳበ (email) ናብ ዝተፈላለዩ ሰባት ክትሰዳ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብሎክቸይን ዝበሃል ሶፍትወየር ግን ንነብሲወከፍ ገንዘብ ቢትኮይን ናታ ዋጋ ዘለዋን ዘይትቕዳሕን ጌሩ የቐምጣ። ዕድጊ ክትገብር ወይ ናብ ካልኦት ሰባት ክትሰዳ ምስ እትደልይ ከኣ ቅዳሕ ዝበሃል ከየትረፈት ንባዕላ ክትገዓዓዝ ትኽእል። እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ንቢትኮይን ከም ንብረት ንኽትቀውም የኽእላ።

ከም እንፈልጦ ገንዘብ ወይ ሰልዲ ኣብ መንጎ ሰባት ዕድጊ ወይ ለውጢ ንብረት ንምፍጻም ዝጠቅም ሓደ መሳርሒ ኣካል እዩ። ሰልዲ እዚ’ኳ ቁራጽ ወረቐት፡ ብስእልን ምስልን ሰብ ታሪኽ ስለዘጌጸ ኣይኮነን ዋጋ ክህልዎ ክኢሉ። እንታይ ደኣ፡ ብስምምዕ ርእሰ ሓያላን መንግስታት ዋጋ ከምዘለዎ ጌርካ ንኽረአ ስለዝተገብረ እሞ ኩሉ ሰብ ከኣ ምስ ግዜ ዋጋ ከምዘለዎ ኣሚኑ ስለዝተቐበሎ እዩ ገንዘብ ኮይኑ።

ወርቂ፡ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ጀሚሩ ከም ክቡር ነገር ኮይኑ ዝነብር ዘሎ ኣቕሓ እዩ። ገንዘብ ቅድሚ ምጅማሩ ዕድጊ ክቡር ንብረት ብወርቂ ኣቢልካ እዩ ዝነበረ። ኣብ መጀመርያ ዕስራ ክፍለዘመን ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ኣሰራርሓ ተኣታትዩ። ባንክታት ወርቂ የቐምጣ፡ ሰብ ከኣ ኣብ ክንዲ ወርቂ ሒዙ ዝዛወር፡ ቅሙጥ ወርቂ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ ቅብሊት ወረቐት ሒዙ ይዛወር። ዝኾነ ዕድጊ ክገብር ምስ ዝደሊ ከኣ በታ ቅብሊት ወረቐት ኣቢሉ የካይዶ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ማዕቢሉ እታ ቅብሊት ወረቐት ብገንዘብ ተቐይራ። ኣብ እዋኑ ከኣ ዝኾነ ናይ ወረቐት ገንዘብ ኣብ ባንኪ ኬድካ ናብ ወርቂ ክትቅይሮ ይከኣል ኔሩ (Gold Standard)። ገንዘብ ናብ ወርቂ ክንደይ ከምዝሽረፍ ብሕጊ ዝተተመነሉ ዋጋ ነይርዎ። ድሕሪኡ ከኣ ማዕቢሉ ነቲ ገንዘብ ሰብ ለሚድዎ ናብ ወርቂ ስለ ዝቕየር ጥራሕ ዘይኮነ ንባዕሉ እቲ ገንዘብ ዋጋ ከምዘለዎ ኣቕሓ ቆጺሩ ክሰርሓሉ ምስ ከኣለ፡ እቲ “ገንዘብ ከም ወርቂ” ዝበሃል ኣሰራርሓ ተሪፉ ገንዘብ ንበይኑ ኣደልዲሉ ረገጸ (Fiat Money)። ሰልዲ እምበኣር ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ገንዘብ እምበር ጭራም ወረቐት ከምዘይኮነ ብእምነት እዩ ጠጠው ኢሉ ዘሎ።

እዚ ቢትኮይን ከኣ ልክዕ ከም ገንዘብ ኣብ ኢንተርነት ኮይኑ ንኸገልግል ሰብ ክኣምኖን ክለምዶን ጥራሕ እዩ ዘድልዮ። ከመይ ዘይለምዶ? ለሚድዎስ ንሓደ ግናዕ ቢትኮይን ዕስራ ሽሕ ዶላር እኳ ክገዝኦ ቀንዩ።

ዝቆጻጸሮ ኣካል የለን ክበሃል ከሎ ከመይ እዩ?

ን ጥረ ገንዘብ ባንክታት ዓለም እየን ዝቋጻጸረኦ። ዋጋ ክውስኽን ክጎድልን ኣሰራርሓ መንግስቲ ተራ ኣለዎ። ንቢትኮይን ከኣ ኣብ ክንዲ ባንኪ ይኹን መንግስቲ፡ ኩሉ ሰብ ክቆጻጸሮን ክዕዘቦን ዝኽእል ኣብ’ቲ ኢንተርነት ክፉት መዝገብ (ledger) ኣለዎ። ነዚ መዝገብ ንምርዳእ ብሎክቸይን እንታይ ምዃኑ ቁሩብ ክንፍትሽ።

ብሎክቸይን (Blockchain)

ብሎክቸይን፡ እቲ ቢትኮይን ዝነብረሉ ሶፍትወየር ኮይኑ፡ ብሰንሰለታዊ መልክዕ ዝተተሓሓዘ፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዓለም ዝዝርጋሕ፡ ብመልክዕ ሰናዱቕ ዝቖመ መርበብ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ነብሲወከፍ ሳንዱቕ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ዝተገብረ ዕድጊ ወይ ምስግጋር ቢትኮይን ይምዝገብ። ቀዋሚ ዝኾነ ክድምሰስ ብዘይክእል ኣገባብ ከኣ ይስነድ። ትሕዝቶ እዘን ሳንዱቕ ዝኾነ ሰብ ክርእዮ ይኽእል፡ ኣሰራርሐአን ግን ሕልኽላኽ ዝኾነ ናይ ኮምፒተር ስራሕ (Cryptography) ስለዝሓትት፡ ክኢላታት ጥራሕ እዮም ዝሰርሕዎ። ነዘን ሰናዱቕ እዚኣተን ዝሰርሑ ከኣ ቆፈርቲ (Miners) ይበሃሉ።

ቆፈርቲ (Bitcoin Miners)

ቆፈርቲ ተራ ሰባት እዮም፡ ካብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ክኾኑ ይኽእሉ፡ መንነቶም ብዘየገድስ ዓቕሚ ጥራሕ ይሃልዎም።

ዝተሓላለኸ ናይ ቁጽሪ ሕሳባት (Algorithm) ብመንገዲ ፍሉያት ኮምፒተራት እንዳሰርሑ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዝካይድ ምትሕልላፍ ቢትኮይን እንዳመዝገቡ ብስቱር ኣሰራርሓ (Cryptographic Hash) ቆሊፎም ከም ሳንዱቕ የዳልዉ። ዓስቢ ጻማኦም ድማ ኣብ’ቲ ሶፍትወየር ሓድሽ ቢትኮይን ተፈጢሩ ይወሃቦም።

ኣብ ነብሲወከፍ ዓሰርተ ደቒቕ ሓንቲ ቢትኮይን ትፈሪ። መፍረ ቢትኮይን ክሳብ 2140 ዓ.ም ክቕጽል እዩ። ብጠቕላላ 21 ሚልዮን ዝኣክል ቢትኮይን ምስ ፈረየ ከኣ ካብኡ ንነየው ሓድሽ ዝፈሪ ኣይክህሉን እዩ።

ውሕስነት እዚ ሶፍትወየር?

እዚ ናይ ምቑፋር ስራሕ እንተስተብሂልና፡ ካብ ምሉእ ዓለም ኮምፒተራቶም ናብ’ዚ ሶፍትወየር እዚ ኣጸጊዖም ቢትኮይን ክፍትሹ ዝውዕሉ እልቢ ዘይብሎም ክኢላታት ኮምፒተር የሳትፍ።

ኣሰራርሓ ብሎክቸይን ብዓንደርእሱ ብምስጢራዊ ኣሰራርሓ ዝቖመ ሶፍትወየር እዩ። ነብሲወከፍ ንጽል ቢትኮይን ድማ ድሕሪ ናይ ቁፈራ ስራሕ ስለ እትፍጠር፡ ነዚ ገንዘብ እዚ ንምቁጽጻር፡ ጠጠው ንምባል ወይ ንምጭዋይ፡ ንኹለን ሰናዱቕ ናይ’ቲ ሰንሰለት ክትዘርግ ኣለካ። ንነብሲወከፍ ኣብ ዓሰርተ ደቒቕ እትላገብ ሰንሰለታዊት ሳንዱቕ ክትከፍት ማለት’ዩ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ’ዩ ከኣ ንመንግስትታት ሕማም መንጸሮር ኮይንዎም ዘሎ። ምኽንያቱ ቢትኮይን ክስበር ወይ (Hack) ክግበር ብዘይከኣል መልክዕ ዝተሰርሐ ስንክሳር ሶፍትወየር ስለዝኾነ።

ቦርሳ (Bitcoin wallet)

ቢትኮይን ንኽትጥቀም ምስ ተመዝገብካ ካብ’ቲ ሶፍትወየር ሓደ ቦርሳ ይወሃበካ። እቲ ቦርሳ ክልተ ቁጽርታት ኣለዎ። እቲ ሓደ መለለዪ ኮይኑ ከም ቁጽሪ ናይ ባንኪ ሕሳብ ዓይነት እዩ። ዕድጊ ንኽትገብረሉ ይጠቅም፡ ዝኾነ ሰብ ከኣ ይርእዮ(Public key)።

እቲ ካለኣይ ቁጽሪ ከኣ ዋና ናይ’ዛ ቦርሳ ዝኾነ ሰብ ጥራሕ ዝፈልጦ መሕለፊ ወይ መኽፈቲ ቁጽሪ እዩ (Private key)። እዚኣ ብምስጢር ክትተሓዝ ዘለዋ ቁጽሪ እያ። እንተጠፊኣ፡ ዘለካ ቢትኮይን ኩሉ ጠፊኡ ማለት እዩ።

ብሓፈሻ፡ እዛ ቦርሳ እዚኣ ኣብ’ቲ ሶፍትወየር ኩሉ ሰብ ክርእያ ይኽእል። ክንደይ ቢትኮይን ከምዘለዋ’ውን ትረአ። ግን ናይ መን ምዃናን ኣበየናይ ክፍሊ ዓለም ዘሎ ሰብ ይውንናን ክትፍለጥ ኣይከኣልን።

ሕጋውነት

ቢትኮይን ምስ ዶላር ይኹን ካልእ ብሕገ መንግስቲ ዝምእዘዝ ነገር ኣብ ዝራኸበሉ ግዜ፡ እቲ ሰብ ሕጋውነት ከማልእ ይግደድ።

ንኣብነት ብዶላር ጌርካ ቢትኮይን ክትገዝእ ምስ እትደልይ፡ ሕጋውነት ከተማልእ ኣለካ። ምኽንያቱ ዶላር ናይ መንግስቲ ስለዝኾነ። ቢትኮይን ምስ ገዛእካ ኣብ ሳንጣኻ ትመልኦ። ኣብ’ዚ ህሞት’ዚ እቲ ቦርሳ ናትካ ምዃኑ ይፍለጥ ኣሎ። ግን ሓድሽ ቦርሳ ብጥርሑ ትኸፍት’ሞ ነቲ ቢትኮይን ቦታ ምቅይያር ምስ እትገብረሉ፡ ኣብ ብሎክቸይን ጥሒልካ ካብ ዓይኒ ጠማቲ ምጥፋእ ይከኣል።

ካልእ ኣብነት፡ ከም በዓል መካይን ዝኣመሰለ ንብረት ብቢትኮይን ክትዕድግን ክትሸይጥን ኣብ እትደልየሉ ግዜ፡ ብርግጽ ሕጋውነት የድልይ እዩ። ምኽንያቱ እተን መካይን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ምዝጉባት ስለ ዝኾና። ብኡ መጠን ከኣ ግብሪ ክትከፍለለን ስለዘለካ።

ቢትኮይን ንምንታይ እዩ ዝጠቅም?

ቢትኮይን ከም ገንዘብ ዕድጊ ክትገብረሉ ትኽእል፡ ከም ወርቂ’ውን ቅሙጥ ሃብቲ ክትገብሮ ትኽእል። መጻኢኡን ውሕስነቱን ክሳብ ዝኣመንካ ማለት’ዩ።

ካብ ጥረ ገንዘብ ንላዕሊ ዝምረጸሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ማእከላይ ቦታ ስለዘይብሉ እዩ። ናብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ኣብ ደቓይቕ ከተሰጋግሮን ክትገዝኣሉን ትኽእል። ዋጋ ምትሕልላፍ ዕድጊ ይኹን ግብሪ ከኣ ኣይትኸፍልን። ክንደይ ቢትኮይን ከምዘለካ መንግስቲ ኣይፈልጦ ወላ ዝኾነ ኣካል ኣይፈልጦ።

ኣብ መጀመርያ ዓመተ 2017፡ ሃገረ ጃፓን ንቢትኮይን ከም ሕጋዊ ገንዘብ ፈሊጣቶ። ኣብ ኣሽሓት ትካላት ጃፓን፡ ሕሳብካ ብቢትኮይን ክትከፍል ምስ እትደልይ ይቕበላኻ እየን። ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን’ውን ነዚ ገንዘብ’ዚ ተጠቒምካ ክትዕድግ እትኽእለሉ መንገድታትን ትካላትን እንዳወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ንኣብነት ኮይንበይዝ ዝበሃል ጥረ ገንዘብ <–> ቢትኮይን ዝቕይር ፍሉጥ ትካል ኣሎ።

ኣብ’ዚ ናይ ኢንተርነት ገንዘብ ፍጹም እምነት ከንብሩ ዘይከኣሉ ክኢላታት ስነቑጠባን ነጋዶን እውን ኣዝዮም ብዙሓት ኣለዉ። ከም በዓል ዋረን ባፈት ዝኣመሰሉ ውሩያት ሰባት ክገልጹ ከለዉ፡

“እዚ ገንዘብ ዋጋኡ እንዳወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ፡ ከይተረደኦ መራኸቢ ብዙሃን ሰሚዑ ዝሳተፎ ሰብ እንዳበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ እዩ፡ ኣብ ገለ እዋን ግን እዚ ዋጋ ክጸድፍ እዩ ኣብ ዘይዕዳኹም ክትኣትዉ ኢኹም።” ኢሎም ይመኽሩ።

እቶም ነኣሽቱ ደገፍቲ ቢትኮይን ዝኾኑ ከም በዓል ኣንድረያስ ኣንቶናፑሎስ ከኣ፡ “ኣይፋልን! ንስኻትኩም ኣሪግኩም ስለዝኾንኩም ምዕባለ ኮምፒተርን መጻኢ ዓለምን ኣይርደኣኩምን ኣሎ።” ይብሉዎም።

በዚ ኢሉ በቲ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣጋውሉኡ ርእዮም ብትሕቲ 2 ዶላር ብዙሕ ቢትኮይን ገዚኦም ዝጸንሑ ሰባት ሕጂ ናብ ሚሊዮነራት ተቐይሮም ኣለዉ።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዋጋ ሓንቲ ቢትኮይን ዳርጋ 20 ሽሕ ዶላር ቀሪቡ’ኳ እንተሃለወ፡ ክፋል ቢትኮይን (Fraction of a bitcoin) ብሕሱር ዋጋ ክግዛእ ስለ ዝከኣል ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ፡ ኣብ’ቲ ጸወታ ኣቲኻ ምጽናሕ ኣይጽላእን። ምኽንያቱ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ዋጋ ሓንቲ ቢትኮይን ናብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክነጻጸር እዩ ኢሎም ዝግምቱ ክኢላታት ስነቁጠባ ብዙሓት ስለዘለዉ።

ጸወታ ቢትኮይን ናበይ ገጹ እዩ ሓቢርና ክንርእዮ ኢና።

* * * * *

ተወሳኺ

ብሎክቸይን፡ ንተዓዛቢ ክፉት (Open Source) እዩ

ሓደ ዝኾነ ሶፍትወየር ዝስራሕ ብ (programming language) እዩ፡ ንኣብነት Java, C++… ። ተሰሪሑ ዝተወደአ ሶፍትወየር ብምንታይ ከምዝተሰርሐ ንተዓዛቢ ክፉት ክኸውን ይኽእል ዕጹው ክኸውን ይኽእል።

እዚ ብሎክቸይን ብ C++ እዩ ተሰሪሑ። ኣሰራርሑኡ ዝገልጽ መስርሕ ከኣ ብሙሉኡ ክፉት ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሶፍትወየር እምነት ንኽትገብር የኽእለካ። ማለት፡ ምስ ዝኾነ ይኹን መንግስቲ ወይ ትካል ምትእስሳር ከምዘይብሉ ትዕዘብ።

ብዙሓት ካልኦት ትካላት ነዚ ኣሰራርሓ እንዳቐድሓ ናብ ብዙሕ መዓላ የውዕለኦ ኣለዋ።

ኣሰራርሓ እዚ ሶፍትወየር ምዕዛብን ምፍላጥን ማለት፡ ልክዕ ከም’ቲ ምህዞ ኤለክትሪክ ይኹን ኢንተርነት መሃዚኡ ብዘየገድስ ክንጥቀመሉ እንብህግ፡ ብሎክቸይን ከኣ ማዕረ ክንድኡ ዘሕብን ምህዞ እዩ፡ ክብሉ ብዙሓት ይገልጹዎ።

ብፊልሞን ነጸረኣብ

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -