ዘይንቡር ዓለማዊ ተርእዮ ሚዮፒያ (Myopia)

Must Read

ኣብ ዓመተ 2012፣ ኦስትሬልያዊ ተማራማርን ምሁር ስነሂወትን ፕሮፌሰር ኢያን ሞርገን ኣብ ሰሙናዊ ሕክምናዊ መጽሄት “ዘ ላንሴት” (The lancet) ዘሕተሞ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ሕማም ሚዮፕያ ብደረጃ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዘርኢ ክትኣምኖ ዘጸግም ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ኔሩ። ሚዮፕያ ሓደ ሰብ ካብኡ ቁሩብ ሜትሮታት ፍንትት ኢሉ ንዝርከብ ነገራት ብንጹር ንምርኣይ ዘጸግም፣ ምስ ዕድመ ከኣ እንዳ ገደደ ዝኽይድ ክሳብ ዑረት ከብጽሕ ዝኸእል ናይ ዓይኒ ሕማም’ዩ። በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ሰሌዳ፣ ታቤላታት፣ ምልክታት ትራፊክ፣ ኣብ መስኮት ቴሌቭዥን ዝቐርብ ደቂቕ ጽሑፍ … ወዘተ ብግቡአ ምንባብን ምልላይን ይጽገሙ። መጽናዕታት ከም ዝሕብርዎ፣ ምዕቡላት ሃገራት ኤስያ ብዝርግሐ ሚዮፕያ ብቐዳምነት ይስረዓ። ኣብዘን ሃገራት እቲ ሕማም ካብ 80% ክሳብ 90% ካብ ህዝበን ዘጥቅዕ ኮይኑ፣ እቲ ጸገም ኣብ ከም ሻንጋይን ሲንጋፖርን ዝኣመሰላ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ሓቚፈን ዝርከባ ዓርሞሽሽ ከተማታት ጎሊሑ ከምዝረእ ይፍለጥ። ፕሮፌሰር ሞርገን ከምዝሕብሮ፣ “እዚ ኩነታት በዚ ዘለዎ እንተቀጺሉ፣ ብዝሒ ህዝቢ ቻይና ምጉዳል ቅድሚ ምጅማሩ ናብ 1.4 ቢልዮን ክዓርግ’ዩ፥ ኣብቲ ግዜ’ቲ ከባቢ 1.2 ቢልዮን ቻይናውያን ኣደዳ ሚዮፕያ ክኾኑ’ዮም። ካብዚኣቶም ካብ 200 ክሳብ 300 ሚልዮን ብኣዝዩ ከቢድ ሚዮፕያ ክጥቅዑ’ዮም። እዞም ሰባት ኩላቶም ክዓውሩ’ዮም እኳ እንተዘይበልና፣ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ቻይና ግን ብብዝሒ ተመላለስቲ ሕሙማት ኢዱ ከምዝህብ ዘጠራጥር ኣይኮነን።” ሓደ ካብቲ ነዚ ኩነታት ዝያዳ ኣሻቓሊ ዝገብሮ ነገር፣ ተርእዮ’ቲ ሕማም ኣብ ትሕቲ 25 ዓመት ዝርከቡ መንእሰያትን ቆልዑን እንዳዛየደ ይኸይድ ምህላዉ’ዩ። ኣብ ኤውሮጳ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ሓደ ብ “ኣይ ሼር” (I-share) ዝፍለጥ መጽናዕታዊ መደብ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድሮ ኣስታት 50% ናይቶም ካብ ክሊ ዕድመ 25 ክሳብ 29 ዓመት ዝርከቡ ነኣሽቱ መንእሰያት ግዳያት’ዚ ጸገም ከም ዝኾኑ የረጋግጽ።

ጠንቂ ናይዚ ኣብ’ዚ ወለዶ’ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝርአ ዘሎ ናህሪ ሚዮፕያ እንታይ ምዃኑ ንተመራመርትን ሓካይም ዓይንን ክሳብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ጋን’ዩ ኮይንዎም ጸኒሑ። ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተኻየደ መጽናዕትታት፣ እዚ ሕማም በብቑሩብ እንዳወሰኸ ብዝኸይድ፣ ናብ ንቡር ክምለስ ዘይክእል (irreversible)፣ ምሽላሕ የዒንቲ ዝስዕብ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ማለት እቲ ንቡር ኩዕሶኣዊ ቅርጺ የዒንቲ በብግዚኡ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ብዝግስግስ ቀዋሚ እንቋቖሓዊ ቅርጺ እንዳተተክአ ይኸይድ። ከም ሳዕቤኑ፣ እቲ ብመንገዲ ብሌን ዓይኒ ሓሊፉ፣ ብመነጸር ዓይኒ (lens) ተዓጺፉን ተስተኻኺሉን፣ ልክዕ ኣብ ዳሕረዋይ መንደቕ ውሽጢ ዓይኒ (retina) ብዝበጽሕ ብርሃን ክቐውም ዝግበኦ ምስሊ ንርእዮም ነገራት፣ ኣብ ማእከል ዓይኒ ኣብ ዝርከብ ማያዊ ክፋል ይምስረት’ሞ ነገራት ደብዚዞም ከምዝረኣዩ ይኾኑ። መሰረታዊ መበገሲ ናይዚ ዘገምታዊ ለውጢ ግን ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ነዚ ግድል ንምፍታሕ ኣብ ዝተኻየዱ ሓያለ ምርምራት፣ ተወርሶኣዊ ጠንቂ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጥርጡራት’ዩ ኔሩ። ኣብ 2010 እንግሊዛዊ ተመራማራይ ክሪስ ሃመንድ ሓደ RAS-GRF 1 ዝተሰምየ ተወርሶኣዊ ባእታ/ ጂን (gene) ምስ ሚዮፕያ ምትእስሳር ከምዘለዎ ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ኣስታት ሚእቲ ዝኾኑ ተመሳሳሊ ጽልዋ ዘለዎም ካልኦት ጂናት ተረኺቦም ኣለው። እንተኾነ ግን፣ ቀጺሎም ዝሰዓቡ መጽናዕትታት ከምዘረጋገጽዎ፣ ድምር ጽልዋ ናይዞም ኩሎም ጂናት ን 3% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ግዳያት እዚ ሕማም ጥራሕ’ዩ ዝውክል። ኣብ ዞባ ካንቶን፣ ቻይና፣ ኣብ ሆስፒታል ዓይኒ ዦንግሻን ተዶኲኑ ዝርከብ ዘመናዊ ላባራቶሪ ዓይኒ ኣብ ልዕሊ ግዳያት’ዚ ሕማም ዝኾኑ ህጻናት ምስ ወለዶም ብምውድዳር ዝተኻየዱ ተወርሶኣዊ መጽናዕትታት ብወገኖም ተራ ተወርሶ ከም ጠንቂ እዚ ሕማም ኣዝዩ ውሱን ምዃኑ የረጋግጹ። ካልእ ብፕሮፌሰር ሞርገን ዝተመርሐ መጽናዕቲ ውን ከምዘመልክቶ፣ ተርእዮ ሚዮፕያ ኣብ ሲንጋፖር ዝዓበዩ ቻይናውያን ቆልዑ ምስ ኣብ ሲድኒ (ኦስትሬልያ) ዝዓበዩ ቻይናውያን ቆልዑ ምስ ዝወዳደር፣ እቲ ብዝሒ ኣብቶም ቀዳሞት ጉጅለ ብዕጽፍታት ከምዝዓቢ ምዕዛብ ይከኣል። በዚ መሰረት፣ ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ምዮፕያ ካልእ ምስ ኣከባቢ ወይ መነባብሮ ዝተኣሳሰር ረቛሒ ምዃኑ ብሩህ ኮነ።

ካልኦት መጽናዕትታት ኣብ ብብዝሒ ምንባብን ናብ ዓይኒ ቀረባ ዝኾነ ዕዮ ምዕያይን’ዮም ኣቶኲሮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምበስ፣ ኦሃዮ፣ ሕ.መ.ኣ. ናይ ኦፕቲሜትሪ መምህር ዝኾነ ፕሮፌሰር ዶናልድ ሙቲ፣ ን 10 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ልዕሊ 4000 ተማሃሮ ድሕሪ ዘካየዶ መጽናዕቲ’ዩ ነቲ ካብ ትጽቢት ኩሎም ክኢላታት እቲ ዓውዲ ወጻኢ ዝነበረ ቀሊል መልሲ ረኺብዎ። “ነቲ መጽናዕቲ ክነበግሶ ከለና፣ ቆልዑ ግዜኦም ብኸመይ ከምዘሕልፍዎ ንምፍላጥ ኣብ ዘዳለናዮ መሕትት (questionnaire) ፣ ዳርጋ ኩሉ’ቲ ሕቶታት ምስ ምንባብ፣ ምጥቃም ኮምፕዩተር፣ ቴሌቭዥን ምዕዛብ … ወዘተ ዝተኣሳሰር’ዩ ኔሩ፣” ይብል ፕሮፌሰር ሙቲ፣ “አንተኾነ ግን ዳርጋ በጋጣሚ ሓንቲ ኣዝያ ኣገዳሲት ሕቶ ወሲኽና፥ ‘ክንደይ ካብ ግዜኻ ኣብ ግዳም ተሕልፎ?’ ትብል ሕቶ።” ውጽኢት’ቲ መጽናዕቲ ብዘየወላውል ከምዘመልከቶ፣ ቆልዑ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘካይድዎ ንጥፈታት ብዘየገድስ፣ ንዝተወሰነ ግዜ ናብ ደገ ወጺኦም ናይ ምጽዋት ባህሪ ምስዝህልዎም፣ ብሚዮፕያ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ዝተሓተ’ዩ። “ብመሰረት ውጽኢት መጽናዕትና፣” ይውስኽ ፕሮፌሰር ሙቲ፣ “ኩሉ’ቲ ‘ቴሌቪዥን ኣይተብዝሕ ኣታ ቆልዓ! ናብ ቴሌቪዥን ለጊብካ ኣይትርአ! ምስ ኮምፕዩተር ተፋጢጥካ ኣይትውዓል! ቪድዮ ጌይም ኣይትፍቶ!’ ንብሎ ነበርና፣ ሓቂ ኮይኑ ኣይጸነሐን።”

ጎኒ ጎኒ’ዚ፣ ሓደ ካልእ ብ ኢያን ሞርገንን መሳርሕቱ ካተሪን ሮዝን ኣብ ኦስትሬልያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ናብ ተመሳሳሊ መደምደምታ’ዩ በጺሑ። እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፣ ወላኳ ብብዝሒ ምንባብ ገለ ጽልዋ እንተሃለዎ፣ ኣብ ምምዕባል ምዮፕያ አቲ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ረቛሒ ግን ናብ ግዳም ምውጻእ ዘይምዝውታር’ዩ። ፕሮፌሰር ሞርገን ነቲ ኣብ ኦስትሬልያ ኣዝዩ ትሑት ዝኾነ ተርእዮ’ዚ ሕማም ከም ኣብነት ይጠቅስ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ “ኦስትሬልያ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ዝተማህረ ህዝቢ ዘለወን 10 ሃገራት ዓለም ከም ምዃና መጠን፣ ርኡይ ዋሕዲ’ዚ ሕማም ኣብዛ ሃገር ስግንጢራዊ ክመስል ይኽእል’ዩ። ነገር ግን፣ እቲ መልሲ ኦስትሬልያውያን ብብዝሒ ንግዳም ወጺእካ ናይ ምንፋስ ባህሪ ስለዘለዎም ምዃኑ ይበርሃልካ።” ይብል።

እዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ርኽበት እምበኣር ሓደስቲ ሕቶታት ብምቕስቃስ ንተወሰኽቲ መጽናዕትታት ባብ ኣርሓወ። ሓደ ሰብ ደገ ዘወን ኢሉ ብምምላሱ ብልክዕ እንታይ ስለዝገበረ’ዩ ግዳይ’ዚ ሕማም ናይ ሙዃን ዕድሉ ዝቕንስ? ምንቅስቓስ ኣካላት ስለዝገበረ? የዒንቱ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጥቐአን ዘለዉ ነገራት ካብ ምርኣይ የዕሪፈን ንርሑቕ ዘለዉ ነገራት ከማዕድዋ ዕድል ስለዝረኽባ፣ ወይስ ኣብ ግዳም ብተዛማዲ ንዝያዳ ብርሃን ስለዝቃለዓ?

እቲ ጉዳይ ነገር ድምቀት ብርሃን ምዃኑ ብጀርመናዊ ፕሮፌሰር ፍራንክ ሾፈል ተረጋገጸ። ኣብ ግዳም ኣብ ሓደ ጽሕይሕይ ዝበለ ደበና ዘይብሉ መዓልቲ ደረጃ ድምቀት ብርሃን ካብ 150,000 ክሳብ 200,000 ላክስ (lux) ክበጽሕ ይኽእል። ብኣንጻሩ ኣብ ውሽጢ ገዛ መጠን ብርሃን እንተ በዝሐ ካብ ሓደ ሽሕ ላክስ ኣይሓልፍን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቶም ተወሃሂዶም ንጻዕዳ ብርሃን ዘቑሙ ዝተፈላለየ ቁመት ማዕበል (wave length) ዘለዎም 7 ሕብርታት ቀስተደመና ( light spectrum)፣ ብፍላይ ሰማያዊ ብርሃን ካብ ሚዮፕያ ናይ ምክልኻል ተራ ከምዝጻወት ተፈሊጡ’ሎ። ሰማያዊ ብርሃን ናብ ውሽጢ ዓይኒ ብምእታው፣ ንረቲና (retina) ብ ዶፓሚን (dopamine) ዝፍለጥ ሆርሞናዊ ባእታ ከምዝነዝዕ ይገብሮ’ሞ፣ ዶፓሚን ብወገኑ የዒንቲ ንዝተወሰነ ግዜ ኩዕሶኣዊ ቅርጸን ዓቂበን ንኽጸንሓ ይሕግዝ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ሓደ ሰብ የዒንቱ ንቡር ቅርጸን ሓሊየን ካብ ምሽላሕ ንኽድሕናን፣ ብኡ መጠን ብንጹር ናይ ምርኣይ ዓቕመን ንነዊሕ ዓመታት ክዕቅባን፣ መዓልታዊ ደገ ወጺኡ ንገለ ሰዓታት ብርሃን ጸሓይ ክስሕን ይግበኦ ማለት’ዩ፥ እዚ አንተዘይ ተኻኢሉ፣ እንተወሓደ ነቲ ዝውዕለሉ ክፍሊ ዝኣክል ብርሃን ከምዝኣትዎ ምግባር የድልዮ። ኣብ ንቡር ኩነታት፣ ከከም ድምቀት ናብ የዒንትና ዝኣቱ ብርሃንን ንሱ ዘኸትሎ ነዝዒ ዶፓሚንን ጽልውኡን፣ የዒንቲ ብኣዚዩ ድሩት መጠን ባህርያዊ ዝኾነ ግዝያዊ ኣብ መንጎ እንቋቖሓውን ክዑሶኣውን ቅርጽታት ምቅይያራት ይገብራ ኢየን። ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ምሕራም ድሙቕ ብርሃን ግን ብዘይ መነጸር ዘይስተኻኸል ሕዱር ሳዕቤን ስለዘኸትል፣ ብዝተኻእለ መጠን ንግዳም ምቅላዕ ዝውቱር እንተኾነ ይምረጽ።

ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር እንተሎ፣ ጨረርታ ጸሓይ ብዘይካ’ቲ ብዓይኒ ዝረአ ብርሃን (visible light) ብ ኡልትራቫየሌት (Ultraviolet) ዝፍለጥ ብዓይኒ ዘይረአ ጸርጊ ዘካትት ምዃኑ’ዩ። እዚ ዓይነት ጨረርታ ምስ ምምስራሕ ቫይታሚን ዲ ዝተኣሳሰር ብዙሕ ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ጥቕምታት ስለዘለዎ ብመጠነኛ ዓቐን ኣድላዪ’ዩ። ብኣንጻሩ፣ ንነዊሕ ዓመታት ናብ ብርቱዕ ጨረርታ ኡልትራቫየሌት ምቅላዕ ን ሓበላ ዓይኒ (cataract)፣ ዓጽሚ ዓይንን (pterygium) ናይ ቆርበት መንሽሮን ሓደጋ የቃልዕ። ብሓፈሻ ክርአ ከሎ፣ ብርትዐ ናይ’ዚ ጨረርታ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣብ ትሮፒካውን ሓውሲ ትሮፒካውን ዞባ ዝርከባ ሃገራት ዝለዓለ’ዩ። ትሕዝቶ ጠፈር (ደበና፣ ዛዕዛዕታ)፣ ብራኸ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ፣ ወቕትን ሰዓትን ካልኦት ንሓይሊ’ዚ ጸርጊ ዝቕልሱ ረቛሒታት ኢዮም። ድምር ረብሓታት ብርሃንን ኡልትራቫየሌትን እንዳተቛደስካ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኡልትራቫየሌት ንምውጋድ፣ ብዝተኻእለ መጠን ምድሪ ጠለስ ኣብ ዝብለሉ ንደገ ምውጻእ። አዚ ዘይከኣል አንተኾይኑ ከኣ፣ ኣብ ግዜ ቀትሪ ብርቱዕ ጸሓይ ኣብ ዝህልወሉ አዋን ቆቢዕ፣ ናይ ጸሓይ መነጽር፣ ነዊሕ ዝእጅግኡ ረቂቕ ክዳን ወይ ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት (sunscreen) ምጥቃም ተመራጺ ይኸውን።

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -