ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮል ምዝውታር፡ ምልክታት፡ ሳዕቤናቱን ፍወሳን

Must Read

ሓንቲ ጥርሙዝ ቢራ (ኣስመራ ቢራ) ወይ ሓንቲ ዳብል ጅን ወይ ኣረቒ ኣዚዝካ ኣብ ኣካላትካ እንታይ ሃስያ ከምዘስዕበልካ ትጭነቕ ዶ? ስሕት ኢለ ምስ የዕሩኽተይ ሓደ ሓደ እንተኢለ ፌጋቶ የማዕብል ዶ? ኣብ ነዊሕ እዋን ሓድሽ ዓመት ምስኣኸለ ክሳብ በርባዕተ መሓውረይ ዝኸይድ እንተሰትየ ይሃስየኒ ዶ? ሕጅስ ኣነ ኣልኮሊዛቶ ድየ ክበሃል?……ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ሓንጎልና ዝመላለሱ ክኾኑ ይኽእሉ። እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓቤረታ እምበኣር ነዚ ክምልስ ክፍትን እዩ።

ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮል ምዝውታር ንብዙሕ ዓይነት ሽግራት ኣልኮል ምብዛሕ ዘጠቃለለ እዩ። ከም ኣሰታትያኻ ዘይምቁጽጻር፡ ግዙእ ናይ ኣልኮል ሙዃን፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣጋጢሙ ከሎ ምስታይ ምቅጻል፡ ካብቲ ቅድም ትወስዶ ዝነበርካ ምዝያድን ሃንደበት እንተኣቋሪጽካዮ ምልክታት ምስኣን ወልፊ ምርኣይን ይውክል። ጎዳኢ ኣሰታትያ ኣልኮል ንጥዕና ሃሳዪ መጠን ምስታይ የጠቃልል። ጠገለ ዘይብሉ ምስታይ (ወዲ-ተብዓታይ 5ን ካብኡ ንላዕልን ጠለብ፡ ጓል-ኣንስተይቲ ድማ 4ን ልዕሊኡን ጠለብ ኣልኮል ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓታት ምስዝሰትዩ) ኣብ ጥዕና ብርቱዕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ይህልዎ። ኣሰታትያኻ ቀጻሊ ጸቅጢ ወይውን ኣብ ሂወትካ ጸገማት ዘምጻልካ እንተኾይኑ ተቐላጢፍካ ፍወሳ ከተናዲ ኣለካ።

ኣብ ብዝሒ እቲ ተዘውትሮ ኣልኮል ትመርኲሱ፡ ምልክታት ኣልኮል ምብዛሕ እዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ፡
ዓቀን ትሰትዮ ዘይምግታእ
ትሰትዮ ዓቀን ከተውሕዶ ምድላይ ወይውን ዘይዕዉት ፈተነታት ምግባር
ክትሰቲ፡ ኣልኮል ከተምጽእ ወይውን ካብ ምጥቃም ኣልኮል ክትምለስ ብዙሕ ግዜ ምጥፋእ
ክትሰቲ ቓሕ ቓሕ ክብለካ ከሎ
ብሰንኪ ኣሰታትይኻ ስራሕካ፡ ትምህርትኻ ምርሳዕ
ዋላ’ውን ማሕበራውን ሓድሕዳውን ጸገማት ከምዝፈጥረልካ እንዳፈለጥካ ምዝውታር
ማሕበራውን ትርፊ ግዜ ዝስርሑ ዕማማት ምግዳፍ ወይ ምውሓድ
ኣብ ግዜ ምዝዋርን ምሕምባስን ኣልኮል ክዝውተረሎም ዘይግበኦም ክነሶም ምጥቃም
ናይ ኣልኮል ተጸዋርነት ምሕዳርን ከምቲ ናይ ቀደም ትረኽቦ ዝነበርካ ስሚዒታት ክትረክብ ዓቀን ምውሳኽን
እንተቋሪጽካዮ ምልክታት ሃንደበት ምስታይ ምግዳፍ ክስመዓካ ከሎ። ነኣብነት ዕግርግር፡ ብዙሕ ረሃጽ፡ ምንቅጥቃጥ ኣካላት ወዘተ
ግጉይ ኣሰታትያ ኣልኮል ስኽራንን ምልክታት ሃንደበት ምግዳፍን ከስዕብ ይኽእል፡
ስኽራን፡ እዚ መጠን ኣልኮል ኣብ ደምና ምስዝዛይድ የጋጥም። ኣልኮል ኣብ ደም ዝያዳ ምስዝርከብ፡ ዝያዳ ማህሰይትን ጉድለት ነብሰ-ምቁጽጻርን የስዕብ። ስኽራን ናይ ባህሪ ጸገማትን ለውጥታት ኣእምሮን የምጽእ። ገለ ካብዚኣቶም ዘይንቡር ጠባይ፡ ዘይርጉእ ኩነተ-ኣእምሮ፡ ዝምቡዕ ውሳኔ፡ ኮልታፍ ዘረባ፡ ግጉይ ምስትውዓልን ምዝካርን፡ ድኹም ውህደት ምንቅስቃስ የስዕብ። ግዝያዊ ሃለዋት ምጥፋእ ውን ክረአ ይኽእል። ልዑል ኣልኮል ምስዝኸውን ሞት ከስዕብ ይኽእል።

ኣልኮል ሃንደበት ምግዳፍ ዝስምዑ ምልክታት፡
ብዙሕ ምስታይ ተዘውትር ኔርካ ሃንደበት ምስተወግድ ካብ መጠን ንላዕሊ ረሃጽ፡ ህርመት ልቢ፡ ምንቅጥቃጥ ኢድ፡ ጸገማት ድቃስ፡ ዕግርግር፡ ተምላስ፡ ዓጀውጀው ምባል፡ ምርባሽን ሻቅሎትን ምንፍርፋርን የስዕብ። እዞም ምልክታት ካብ ሰዓታት ክሳብ 4-5 መዓልታት ድሕሪ ሃንደበት ምቁራጽ ክረኣዩ ይኽእሉ።

ጠለብ ናይ ኣልኮል ዝበሃል እንታይ እዩ?
ብስምምዕ ዝተገብረ ሓደ ጠለብ ናይ ኣልኮል ዝበሃል 14 ግራም ኣልኮል ዝሓዘ ኮይኑ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ እዩ፡

355 ሚሊ ሊትር ስሩዕ ቢራ (ገምጋም 5% ኣልኮል ዘለዎ። ኣስመራ በራ ገምጋም 330 ሚሊ ሊትር እዩ። ስለዚ ገምጋም ሓደ ጠለብ እዩ።)
ካብ 237 ክሳብ 266 ሚሊ ሊትር ምስተ ቡቚሊ (7% ኣልኮል ዘለዎ)
148 ሚሊ ሊትር ዘይተረረ ነቢት (12% ኣልኮል ዘለዎ)
44 ሚሊ ሊትር ደረቕ ኣልኮላዊ መስተ (40% ኣልኮል ዘለዎ)
ብሓፈሻ መጠናውን ብጥዕና ዝተደገፈ ምስታይ ዝበሃል ንደቂ-ተብዓትዮ 2 ጠለብ ንደቂ-ኣንስትዮ ድማ 1 ጠለብ ንመዓልቲ እዩ። እዚ ግን ኣልኮል ዘይሰቲ ሰብ ክሰቲ ኣለዎ ማለት ከምዘይኮነ ክንርድኦ ኣለና።

መዓስ ሕክምና ክኸይድ ኣለኒ?
ካብ መጠን ንላዕሊ የዘውትር ኣለኹ ኢልካ እንተተሰሚዕካ ወይውን ኣብ ሂወተይ ጸገማት ይፈጥረለይ ኣሎ ወይ ስድራይ በሰታትያይ የግረምሩሙ ኣለዉ እንተልካ ምስ ሓኪም ክትዘራረብ ኣለካ። ምስ ማዕዳ ዝህብ ወይውን ምሉእ ብሙሉእ ዝሓደግዎ ነባራት ሰታያት ማሕበር ክትወሃሃድ ጽቡቕ እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኣሰታትያ ኣልኮል ጸገም የብልናን ኢሎም ስለዝኣምኑ፡ ሽግር ከምዘለካ ከይትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ኣዝማድካ፡ የዕሩኽትኻ፡ መሳርሕትኻ ዝብሉኻ ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ። ቀደም ጸገማት ምስታይ ዝነበሮ ሕጂ ዝገደፎ ሰብ ምዝራርብ’ውን ዓቢ ሓገዝ ኣለዎ።

ተፍቅሮ ወይ ትፈትዎ ሓገዝ እንተደልዩ፡
ብዙሓት ግጉይ ኣጠቓቅማ ኣልኮል ዘለዎም ሰባት ጸገም ከምዘለዎም ስልዘይርድኡ ፍወሳ ክረኽቡ ይጠራጠሩ። ከምዞም ዓይነት ሰባት ካብ ፈተውቶም ብዙሕ ጥቕሚ ክረኽቡ ይኽእሉ። ብዛዕባ ሓደ ብዙሕ ኣልኮል ዝጥቐም ሰብ እንተተሻቂልካ ከምይ ጌርካ ከምትቀርቦን ሽግሩ ትፈትሓሉን ካብ መዓል ሞያ ምውካስ ኣኽሳቢ እዩ።

ጠንቅታት ግጉይ ኣጠቃቅማ ኣልኮል?
ስነ-ሰረታዊ (ጀነቲካዊ)፡ ኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራውን ኣከባቢያዊ ባእታታት ንኣሰታትያ ኣልኮል ክጸልዉ ዝኽእሉ እዮም። ምስ ምምጣጥ ግዜ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ንቡር ኣሰራርሓ ሓንጎል ክጸሉ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ጽቡቕ ባህታ ክህበካ ኢልካ ክዝውተር ይጅመር።

ጸልውቲ ጠንቕታት፡
ወትሩ ኣልኮል ምስታይ ወይውን ንነዊሕ ምዝውታር
ኣብ ንኡስ ዕድሜኻ መጠኑ ዝሓለፈ ኣልኮል ምስታይ
ኣብ ስድራ ዝሰቲ ሰብ ምስዝህሉ
ጸቕጢ ኣእምሮን ካልኦት ናይ ኣእምሮ ሽግራትን
ማሕበራውን ባህላውን ጽልዋታት- ንኣብነት ከም ሰታያት ይዕሩኽ ምግባር
ኣልኮል ብምብዛሕ ዝመጽእ ሽግራት ጥዕና
ኣልኮል ንማእከላይ መትናዊ ስርዓት (central nervous system) የዛሕትሎ። ንገለ ሰባት ናይ መጀመርያ ውጽኢት ምንቅቃሕ ክኸውን ይኽእል። ምስታይ ምስዝቅጽል ግና የደቅስን የፍዝዝን።

መጠኑ ዝሓለፈ ምስታይ ነዘራርባ፡ ጭዋዳዊ ውህደትን ቀንዲ ክፋላት ሓንጎልን ይጸሉ። እዝዩ ተበዚሑ ውን ሞት ከስዕብ ይኽእል።

ኣብ ድሕነት ዘምጽኦ ጽልዋ
ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ናይ ምምዛን ክእለት ኣጒዲሉ ድኹም ውሳኔታትን ሓደገኛ ኩነታት ጠባይን ከስዕብ ይኽእል። ንኣብነት፡

ሓደጋ ተሽከርከርቲ ካልኦት ከም ምጥሓል ዝኣመሰሉ ሃንደበታዊ ሃስያታትን
ኣብ ዝምድናን ሓዳርን ዝመጽእ ጸገማት
ድኽመት ኣብ ስራሕን ትምህርትን
ልዑል ተኽእሎ ጎነጻዊ ገበናት ናይ ምግባር ወይውን ግዳይ ምዃን
ሕጋዊን ፋይናንሳውን ጸገማት
ንጥዕና ዝጎድኡ መድሃኒታትን ሓሽሻትን ምውሳድ
ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ወይውን ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ምዃን
ንብስኻ ከተጥፍእ ወይ ክትፍትን ዘለኻ ተኽእሎታት ምውሳኽ
ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ጽልዋ
ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ሓደ ህሞት ወይውን ቀጻሊ ኣልኮል ምስታይ እዞም ዝስዕቡ ጥዕናዊ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል፡

ሕማም ጸላም ከብዲ፡ ኣብ ጸላም ከብዲ ካብ ንቡር ንላዕሊ ስብሒ ወይ ነድሪ ወይውን ምስ ግዜ ክምለሰሉ ዘይክእል ዕንወት ናይ ቲሹ (cirrhosis) ከስዕብ ይኽእል።
ጸገማት ምሕቃቅ መግቢ፡ ነድርን ቁስልን ከስዐን ሻሕለለን ከስዕብ ይኽእል። ብተወሳኺ ድኹም ምምጻይ መኣዛታት (ብፍላይ ቫይታሚን ቢ) ኣብ መዓንጣ የኸትል። ነድሪ ቆስጠ ውን የስዕብ።
ጸገማት ልቢ፡ ልዑል ጸቕጢ ደም የምጽእ። ድኽመትን ጸገማት ህርመት ልብን’ውን የኸትል።
ጸገማት ሕማም ሽኮር፡ ኣልኮል ግልኮዝ (ሓደ ካብ ዓይነታት ሽኮር) ካብ ጸላም ከብዲ ከይንዛዕ ክዕንቅፍ ይኽእል። ሓደጋኛ ዋሕዲ ሽኮር’ውን ይመጽእ። ንሽኮርያ ኢልካ ኢንሱሊን ትወስድ እንተለኻ ሓደገኛነቱ ይውስኽ።
ጸገማት ስጋዊ ርክብን ወርሓዊ ጽግያትን፡ ኣብ ደቂ-ተብዓትዮ ጸገማት ምቕናዕ መትሎ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ዘይስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት ክፈጥር ይኽእል።
ናይ ዓይኒ ጸገማት፡ ብዙሕ ምስታይ ብሰንኪ ዘምጽኦ ዋሕዲ ቫይታሚን ቢ1 ዘይንቡርን ብዘይድሌትን ዝፍጸም ቅልጡፍ ምንቅስቃስ ዓይኒን ድኽመት ከባቢ ዓይኒ ዘለዉ ጭዋዳታት የስዕብ። ብተወሳኺ ጉድለት ቫይታሚን ቢ1 ዘይምለስ ዕንወት ዋሃዮታት ሓንጎል ይስዕብ።
ጸገማት ወሊድ፡ ኣልኮል ምንጻል ጥንሲ ከኸትል ይኽእል። እቲ ዝውለድ ህጻን’ውን ብዙሕ ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎ ይኸውን።
ዕንወት የዕጽምቲ፡ ኣልኮል ሓድሽ ዓጽሚ ከይፍጠር ክገትእ ይኽእል። ፍዂሰት ዓጽሚ ኣምጺኡ ኣደዳ ምስባር ይኸውን። ኣንጒዕ ሃስያ ኣጋጢሙ’ውን ኣብ ዋሃዮታት ምስራሕ ሽግራት ይፈጥር።
መትናዊ ጸገማት፡ ኣልኮል ምድንዛዝን ቃንዛን የእዳውን የእጋርን ይስዕብ። ኣብ ምዝካር ውን ድኽመት ይርአ።
ድኹም ስርዓተ ምክልኻል፡ ሕማም ምጽዋር ክዳኸም ይኽእል። በዚ መንገዲ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም በዓል ኒሞንያ ይጥቕዑ።
መንሽሮ ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ይዛይድ፡ ናይ ኣፍ፡ ጎሮሮ፡ ጸላም ከብዲ፡ ገፊሕ መዓንጣን ጡብን መንሽሮታት ምምጻእ ተኽእሎ ይውስኽ።
ኣሉታዊ ሳዕቤን መድሃኒታት ይውስኽ፡ ጎኒ ጎኒ መድሃኒታት ምውሳድ ኣልኮል እንተሰቲኻ/ኺ ኣሉታዊ ሳዕቤን መድሃኒት ይዛይድ።
ፍወሳ ግጉይ ልምድታት ኣሰታትያ ኣልኮል
ፍወሳ መጠኑ ዝሕለፈ ኣልኮል እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

ብሰንኪ ሃንደበታዊ ምቁራጽ ኣልኮል ክመጹ ዝኽእሉ ምልክታት ምስኣን ኣልኮል ግዝያዊ ዘረጋግኡ የህዳእቲ መድሃኒታት
ስነ-ኣእምሮኣዊ ምኽርታት ምንዳይ
ብኣፍ ዝውሰዱ ምስ ኣልኮል ትወሲድካዮም ጽልኣት ኣልኮል ዝፈጥሩ መድሃኒታት ከም በዓል ዳይሳልፊራም (disulfiram)
ናይ ደገፍን ማዕዳን ማሕበራት ምጥርናፍን ምስታፍን
መንፈሳዊ ልምድታትን እምነታትን ምኽታልን ምጉዝጓዝን
ንኣባላት ስድራኻን የዕሩኽትኻን ኣልኮል ጠጠው ከምዘበልካ ብንጹር ምንጋርን ክሕግዙኻ ምሕታትን
ጽቡቅ ናይ ጥዕና ልምድታት ከም ግቡእ ድቃስ ግዜ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቃስ፡ ጸቅጢ ምቁጽጻርን ዝተመጣጠነ መኣዛዊ መግቢ ምዝውታር። ብተወሳኺ ምስኣልኮል ርክብ ዘይብሎም ናይ ትርፊ ግዜ ዕዮታት ምስራሕ። ዮጋ፡ ተዛኒኻ ምስትንታን (meditation)፡ ኣኩፓንቸር (acupuncture)
ምክልኻል ምስታይ ኣልኮል
ኮተቴ፡ ጎራዙ ወይውን መንእሰያት ኣልኮል ከምዝጀመሩ ዝሕብሩ ምልክታት ክትዕዘብ ኣለካ፡

ዕዮታትን ትርፊ ስርሓትን ክገብሩ ምስዝስልችዎም
ድኹም ምዝካርን ኮልታፍ ኣዘራርባን
ኣብ ዝምድና የዕሩኽቶም ወይውን ምስ ሓደሽቲ ሰባት ምልላይ ጸገማት ምስዝህልዎም
ትምህርቲ ምስዝሓምቁ
እዞም ኣብ ውዑይ ዕድመ ዝርከቡ ኣባላት ሕብረተሰብ ኣልኮል ከይሰትዩ ክትከላኸል ነዞም ዝስዕቡ ክትገብር ትኽእል፡

ብኣጠቃቅማ ኣልኮል ጽቡቅ ኣርኣያ ኩን
ምስ ወድኻ ወይ ጓልካ ብግሉጽ ተዘራረብ። ምስ ደቅኻ እኹል ግዜ የሕልፍ። ኣብ ሂወቶም ቦታ ይሃልኻ።
እንታይ ጠባይ ከምትደሊ ንደቅኻ ኣፍልጦም። ካብቲ ንስኻ ትደልዮ ጠባያት ተጒዲሎም እንታይ ሳዕቤን ከምዝስዕብ ኣፍልጦም።


ካብ Mayoclinic ዝተወስደ

ትርጉም፡ ዶ/ር ሓድነት ዑቕባይ

* * * * *

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -