ቅዛነት ( Depression)

Must Read

ኣብ’ዛ ሓጻር ጽሕፍተይ ነዚ “Clinical Depression” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕማም፡ ከም’ቲ ኣብ ገለ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ዝጥቀሙሉ፡ ንምርድኡ ክጥዕም “ቅዛነት” ብዝብል ቃል ክትከኦ እየ።

ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን ልዕሊ 350 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለምና ብሕማም ቅዛነት ተጠቒዕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እሞ ከኣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጠንቅታት ስንክልና ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ፡ ክንግደሰሉን ብእኡ ክንዛረብ እንተፈተንናን ዝጽላእ ኣይመስለንን።

ኣብ ገለ ገለ እዋን ዳርጋ ኩሉ ሰብ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከቢድ ጓሂ ከጋጥሞ ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ካብ ስራሕ ምስጓግ፡ ትፈትዎ ሰብ ምኽሳር፡ ተስፋ ዘንበርናሉ ነገር ከም ሃፋ ክበንን ከሎን ካልእን ኣብ’ዛ ዓለም ምንባርና ከምዘብቀዐ ርእስና ኣድኒንና ብጓሂ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን ኩሉ ነገር ተረሲዑ እቲ ሕማቕ ስምዒታት ባዕሉ ይጠፍእ’ሞ “ከም ሻሙ!” ኢልና ናብ ንቡር ሂወትና ንምለስ። እዚ ግን ተራ ጓሂ ወይ ጸቕጢ (stress) ድኣ’ምበር ሕማም ቅዛነት ክበሃል ኣይከኣልን። ቅዛነት ግን ካልእ እዩ። ሓንሳብ ምስ ሓዘ ብቐሊሉ ኣይከይድን። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ሓዘን ስምዒት ዝመሳሰል ኮይኑ ብዝለዓለ መልክዑ ኣብ ውሽጥኻ ኮይኑ ይሕምሰካ እሞ ኣይትሰርሕ፡ ኣይትበልዕ፡ ኣይትሰቲ፡ ኣይትድቅስ ትኸውን። ኩሉ ነገር የጽለኣካ፡ አረ ሕሉፍ ሓሊፉ እቶም ኣዚኻ ትብህጎም ተግባራት ከይተረፈ ክትፍጽም ትጸልእ። ንገለ ሰባት’ውን ክሳብ ሂወትካ ናይ ምጥፋእ ሓሳባት ክቀላቐሎም ይጅምር።

ኣብ ውሽጢ ሓንጎል በዚ ሕማም ዝሽገር ሰብ ግን እንታይ ኢና ንረክብ? ተራ ናይ ሓዘን ስምዒታት ጥራሕ ድዩ ወላስ ብሕክምና ተመርሚሩ ክርከብ ዝኽእል ስነ ፍልጠታዊ ነገራት ኣለዎ? መልሱ እወ ኣሎ እዩ። ኣብ ሓደ ቅዛነት ዝሓመመ ሰብ፡ ክሳብ ብዓይንኻ ወይ ብመሳርሒ ሕክምና ክረአ ዝኽእል ለውጥታት ይርክብ።

Hippocampus ዝበሃል ናይ ምዝካርን ግቡእ ስምዒት ምትሕልላፍን ስራሕ ዝሰርሕ ክፋል ሓንጎል ኣሎ። Prefrontal cortex ድማ ናይ ስምዒት መልእኽቲ ተቐቢሉ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ኣካላዊ ግብረመልሲ ክንገብር ከምዘለና ናብ ሙሉእ ኣካል መልእኽቲ ዝሰድድ ክፋል ሓንጎል እዩ። እምበኣር ኣብ ሓደ በዚ ሕማም ቅዛነት ዝተጠቕዐ ሰብ ምስ እንርኢ፡ እዞም ክልተ ጠቒስናዮም ዘለና ኣካላት ካብ ግቡእ ዓቐኖም እንዳነኣሱ ክኸዱ ንዕዘብ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ መጠኑ ዝሓለፈ ፍርሕን ካልእ ዘይግቡእ ዘጨንቕ ስምዒታትን ይፈጥር። ብተወሳኺ፡ ከም ምዝንባዕ ወይ ዋሕዲ ገለ neurotransmitters ዝበሃሉ ባእታታት’ውን ካብ ተርእዮታት እዚ ሕማም’ዚ እዮም። ብዙሕ ብመሳርሒ ሕክምና ተመርሚሩ ክፍለጥ ዝከኣል ለውጥታት ኣብ ሓንጎል ዝሓመመ ይረአ።

ምልክታት፡

* ዘየቋርጽ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒታትን ንነብስኻ ከምዘይትረብሕ ምቑጻርን
* ጽልኣት ኣብ ልዕሊ ትፈትዎም ልምድታት
* ምኽንያት ዘይብሉ ሃንደበት ምጉዳል ወይ ምውሳኽ ሚዛን ሰብነት
* ልዕሊ ዓቐን ምድቃስ ወይ ድማ ልዋም ድቃስ ምስኣን፡ ለይቲ ትበራበር’ሞ ኮፍ ኢልካ ትሓድር
* ብቐሊል ምቑጣዕን ዘይምኽንያታዊ ምንጽርጻርን
* ድኻም፡ ዝሰራሕካዮ ዘይብልካ ረሸሽ ይብለካ ምዝዋር ትስእን
* መምጽኢኦም ዘይፍለጥ ቃንዛ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ኣካላት
* ጣዕሳ፡ ብዝኸውንን ዘይከውንን “ዓሕ!” እንዳበልካ ትሳቐ
* ገለ ሰባት’ውን ክሳብ ነብሶም ምጥፋእ ስምዒታት ዘጎልብቦም ውሑዳት ኣይኮኑን።

ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝኸውን ብተኸታታሊ፡ ሓሙሽተ ካብ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምልክታት ምስ ዝህልዉና፡ ንሕክምና ክንከይድ ይመኽሩ ክኢላታት እዚ ዓውዲ።

ጠንቂ፡

ቅዛነት፡ ብልክዕ ጠንቅታቱ እዚ እዩ ኢልካ ክግለጽ’ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ክሳብ ሕጂ ተኻይዶም ኣብ ዘለዉ መጽናዕትታት ግን እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ጠንቅታት እዮም።

* ብተወርሶኣዊ ካብ ወለዲ ክመሓላለፍ ይኽእል
* ትነብረሉ ዓዲ ምቕያር፡ እቲ ዝቐየርካሉ ሓድሽ ቦታ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ባህልን ልምድን ምስ ዝጸንሖ’ሞ ምስምማዕ ምስ ዝኣብየካ
* ናይ ናብራ መሰናኽላት ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዘጨንቑኻ፡ ንኣብነት ከም ፍትሕ ካብ ሓዳር፡ ስእነት ገንዘብ፡ ሞት ናይ መቕርብን ካልእን
* ሃስያ ወይ በደል ኣብ ግዜ ቁልዕነት
* ወልፊ ዕጸፋርስ፡ ዕጸፋርስ ይኹን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ከም መህደሚ ካብ’ዚ ሕማም ቅዛነት ዝሓስቡዎ ብዙሓት እዮም፡ ግዳ ብኣንጻሩ ምስ ጠንቅታት እዚ ሕማም ምዃኖም ክኢላታት ይገልጹ።

ፍወሳ፡

እምበኣር ጽቡቕ ነገሩ ቅዛነት ክፍወስ ዝኽእል ሕማም እዩ። ኮይኑ ግን ካብ’ቲ ዓበይቲ ብድሆታቱ፡ መብዛሕትኡ በዚ ሕማም ዝሳቐ ሰብ፡ ባዕሉ ምሕማሙ ኣስተብሂሉ ሓገዝ ክሓትት ወይ ሕክምና ክኸይድ ዘይክእል ምዃኑ እዩ። ነቲ ኣብ ፍወሳ ዝበጽሐ ግን ከም’ዚ ዝስዕብ መፍትሒታት ኣለዎ።

* ሳይኮተረፒ (Psychotherapy) ዝበሃል ዓይነት ፍወሳ

— ሳይኮተራፒ (Psychotherapy) ዝበሃል፡ ኣብ መንጎ ዝቓዘነ ሰብን ክኢላ ስነ ኣእምሮን ዝካየድ ብስነፍልጠታዊ መንገዲ ዝተጸንዐ፡ ቅርጺ ዘለዎ ዝተሰነደ ዕላል ኮይኑ፡ ንሕሙም ኣብ ነቲ ዓይነት ዕላል ዝምችእ ቦታ ብምውሳድ ይካየድ።
— Group Psychotherapy እውን ምስ’ዚ ሕማም ተኣሳሲሮም ዝመጹ ስምዒታት ኣብ ምጉዳል ዓቢ ተራ ኣለዎ።
— Group psychotherapy፡ ኣብ መንጎ ሓደ ዓይነት ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ዘለዎም ሰባት፡ ብመንጎኝነት ናይ ስነልቦና ክኢላ ዝካየድ፡ ኣብ ምልውዋጥ ተመክሮ ዘድሃበ ዓይነት ጉጅምታ ዕላል እዩ።

* ዝተፈላለዩ antidepressants ዝበሃሉ መድሃኒታት

* ሓገዝ መቕርብ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንኻ’ለና ክንብሎም ምስ እንኽእልን፡ ጽን ኢልና ምስ እንሰምዖምን ዓቢ ሓገዝ ከነበርክት ንኽእል

* ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ስፖርት ኣብ ምሕዋይ እዚ ሕማም ዓቢ ተራ ኣለዎ

* ስሩዕ ኣመጋግባ፡ ዝተመጣጠነ መግቢ፡ ሰዓቱ ዝሓለወ ስሩዕ ኣመጋግባ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ዝበዝሖ ምምጋብ

ካብ’ዚ ሕማም ዝተናገፉ ሰባት ክምስክሩ ከለዉ፡
መንፈስ ቅዛነት ኣብ ልዕሌኻ ምስ ዝንጥልጠል፡ ልክዕ ኣራዊት ጎይካ ልብኻ ከም እትውተፍ ዓይነት ኮይኑ ኣብ ዋሽጥኻ ዝህውጽ፡ ኮምፓሳ ከምዘጥፈአት መርከብ ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ሰለል እንዳበለ ሰንፈላል ዘትርፈካ ስምዒት እዩ።

ንዝሓመመ ሰብ “ኩሉ ሰብ ከምኡ ይኸውን፡ ይወድቕ ይትንስእ፡ ኖርማል እዩ ኣይተካብዶ” ክንብሎ የብልናን። ኩሉ ሕማሙ ጥንጥን ኣቢሉ ብድድ ምባል ኣምበይምጸልአን፡ ግዳ ስለዘይከኣለ ደኣ።

ኣብ መወዳእታ እምበኣር፡ ቅዛነት ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብኣጋ እንተዘይተፈዊሱ ንሕሙም ሒዝዎ ክጠፍእ ስለ ዝኽእል፡ ኣብ ምሕጋዞም ተራ ኩልና እዩ።

መወከሲ፡ webMed, WHO, Ted-ed, Stanford university open sources

- Advertisement -
Latest News

ጥበብ ኣብ ደርፊ

ግጥማዊ ትሕዝቶ ሓንቲ ደርፊ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዘይወድቕ ኮይኑ ንኽነብር ከኣ ፍልስፍናዊ መልክዑ ብጥበብ ክስራሕ ናይ ግድን'ዩ ክኸውን ዝግበኦ።
- Advertisement -

More Articles Like This

- Advertisement -